ኮቪድ 19፡ ን20 ኣዋርሕ ተዓጽዩ ዝጸንሐ ዶባት ኣመሪካ ካብ ሎሚ ጀሚሩ ንኽቱባት ክፉት ክኸውን’ዩ

ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካብ እዋን መሪሕነት ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ተራምፕ ጀሚሩ፡ ን20 ኣዋርሕ ተዓጽዩ ዝጸንሐ ዶባት ኣመሪካ ካብ ሎሚ ሰኑይ ጀሚሩ ንኽልተ ግዜ ዝተኸተቡ በጻሕቲ ክኽፈት ምዃኑ ተገሊጹ።

በቲ ኣብ እዋን መሪሕነት ዶናልድ ትራምፕ ዝተነበረ እግዳ፡ ዓባይ ብሪጣንያን ሃገራት ሕብረት ኣውሮጳን ዝርከብኣን 30 ሃገራት በቲ ሕጊ ተጸልየን እየን።

ካብ ሎሚ ጀሚሮም ናብ ኣመሪካ ዝገሹ ሰባት ክበዝሑ ከምዝኽእሉ ብኣጋ ተገሚቱ ኣሎ።

ላዕለዋይ ሓላፊ ኣብ ፓሪስ ዝመደበሩ ጆሰት ቮየጅስ ዝተብሃለ ኤጄንሲ መገሻታት ንሮይተርስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ "ኣዝዩ ደስ ዘብል ውሳነ'ዩ" ድሕሪ ምባል፡ እቲ ውሳነ ምስ ተመሓላለፈ ኣብ ስርሖም ጻዕቂ ክገሹ ዝደልዩ ሰባት ከምዘጋጠሞም ብሓጎስ ገሊጹ።

ኣመሪካ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምግታእ ካብ መጀመርታ 2020 ጀሚራ ካብ ቻይና ናብ ኣመሪካ ክኣትዉ ንዝደልዩ ገያሾ ከምዝኣገደት ዝዝከር ከይኑ፡ እቲ እገዳ ቀስ እናበለ ናብ ካልኦት ሃገራት'ውን ቀጺሉ።

እቲ እገዳ ካብ ብሪጣንያ፣ ሃገራት ኣውሮጳ፣ ቻይና፣ ህንዲ፣ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ኢራን፣ ብራዚልን ካልኦት ሃገራትን ተበጊሶም ናብ ኣመሪካ ክኣትዉ ዝደልዩ ዘይኣመሪካውያን ናብ ኣመሪካ ከይኣትዉ ዝኽልክል'ዩ።

ብመሰረት ኣመሪካ ኣውጺኣቶ ዘላ ሕጊ፡ ናብ ኣመሪካ ክኣትዉ ዝደልዩ ገያሾ፡ ቅድሚ መገሸኦም ከምዝተኸተቡ ዘረጋግጽ ወረቐት ክሕዙ፡ ወይ'ውን ቅድሚ መገሸኦም ኣብ ዝነበራ 72 ሰዓታት ተመርሚሮም ካብ መልከፍቲ ኮቪድ ነጻ ምዃኖም ዘረጋግጽ ወግዓዊ ወረቐት ክሕዙ ክግደዱ እዮም።

ጓል 63 ብሪጣንያዊት ኣሊዶን ሄንሪ ንኤኤፍፒ ኣብ ዝሃበቶ ቃል "ኣዝዩ ከቢድ እዋን'ዩ ነይሩ፡ ሕጂ ግን ናብ ኣመሪካ'ሞ ክኸይድ ነቲ ዝናፈቕክዎ ወደይ ክርእዮ" ኢላ።

ብዘይካ'ዚ ፡ ኣመሪካ ነቲ ምስ ካናዳን ሜክሲኮን ዘራኽባ ዶባት'ውን ንዝተኸተቡ ሰባት ክፉት ገይራቶ ኣላ።

ነዚ ሓዲሽ ሕጊ ተጠቂሞም ናብ ኣመሪካ ክኣትዉ ዝደልዩ ኣሽሓት ስደተኛታት ድሮ ኣብ ዶብ ሜክሲኮን ኣመሪካን ክተኣኻኸቡ ጀሚሮም ኣለዉ።