እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮቪድ 19፡ ጆ ባይደን ናብ ኣመሪካ ንዝገሹ ዝምልከት ካብ 8 ሕዳር ተግባሪ ዝኸውን ሓዲሽ ሕጊ ኣውጺኡ
ኣመሪካ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካብ ዝጅምር ኣንቢራቶ ዝጸንሐት ናይ በረራ እገዳ ንመጀመርታ ግዜ ንምልዓሉ ኣብ ዝወሰነትሉ፡ ብዛዕባ ናብ ኣመሪካ ክገሹ ዝደልዩ ወጻእተኛታት ዝምልከት ሓዲሽ ሕጊ ኣውጺኣ።
ኣመሪካ ካብ ዝመጽእ ወርሒ ኣትሒዛ ዝኾና ናይ ወጻኢ ነፈርቲ ናብ ሃገራ ክኣትዋ እኳ እንተኣፍቐደት፡ ዘይተኸተበ ተሳፋሪ ናብ ኣመሪካ ክኣቱ ከምዘይፍቐዶ ገሊጻ።
ኣመሪካ ምስ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብዝተሓሓዝ ናይ ዓባይ ብሪጣንያ፡ መብዛሕትአን ሃገራት ኣውሮጳ፡ ቻይናን ህንድን ዝርከብኣን ዓሰርተታት መንግዲ ኣየራት ናብ ሃገራ ከይኣትዋ ኣጊዳ ነይራ እያ፡ እንተኾነ ነቲ ተነቢሩ ዝነበረ እግዳ ካብ ዝመጽእ ወርሒ ጀሚራ ከተልዕሎ መደብ ኣለዋ።
መንገዲ ኣየራት፡ እቲ ብኣመሪካ ዝተነበረ እገዳታት ንኽልዓል ንፕረዚደንት ጆ ባይደን ክምሕጸነኦ ጸኒሐን እየን።
እገዳታት በረራ ኣብ እዋን ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ'ዩ ተነዲፉን ተግባራዊ ኮይኑን፡ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ጥሪ 2021 ናብ ስልጣን ፕረዚደንትን ምስ መጽአ ኸኣ ነቲ እግዳ ናይ በረራታት ከምዘለዎ ክቅጽል ወሲኑ።
እቲ ሕጊ ካብ ብራዚል፣ ቻይና፣ ደቡብ ኣፍሪቃ፣ ብሪጣንያ፣ 26 ሃገራት ኣባላት ሸንገን፣ ኣየርላንድ፣ ህንድን ኢራንን ዝመጽኡ ገያሾ ናብ ኣመሪካ ከይኣትዉ ዝኽልክል እዩ ነይሩ።
እቲ ጆ ባይደን ትማሊ ሰኑይ ዝፈረመሉ ሓዲሽ ሕጊ፡ እተን መንገዲ ኣየራት ዝኾነ ካብዘን እገዳ ተነቢርወን ዝነበረ ሃገራት ዝብገሱ ገያሾ፡ ቅድሚ ናብ ነፋሪት ምስቃሎም ከምዝተኸተቡ ዝሕብር ወረቐት ከምዘለዎም ከረጋጋጻ ክግደዳ እየን።
እቲ ሕገ ብምስዓብ፡ እተን መንገዲ ኣየራት እቲ ናይ ክታበት ወረቐት ካብ ወግዓዊ ኣካል ከምዝተውሃብ ከረጋገጽጻን፡ እቲ ምስክር ናይ ክታበት ኣብ ውሽጢ ክልተ ወርሒ ቅድሚ በረራ ዝተውሃበ ምዃኑ ከጣልላን የገድድ።
ኣመሪካ ነቲ ብሰብ መዚ ጥዕና ኣመሪካ ተቐባልነት ዘለዎ ክታበት'ያ ተቐባልነት ትህቦ።
ዋላ ኣመሪካውያን ይኹኑ ዘይተኸተቡ ተጓዓዝቲ ቅድሚ መዓልቲ ምብጋሶም ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ዝተውሃቦም ካብ ኮቪድ 19 ነጻ መዃኖም ዝሕብር ወረቐት ክህልዎም ክግደዱ እዮም።
ትሕቲ 18 ዕድሚኦም ክኽተቡ'ኳ ዘይግደዱ እንተኾኑ ካብ ኮቪድ ነጻ ምዃኖም ዝሕብር ወረቐት ክህልዎም ግን ናይ ግድን እዩ።
እዚ ጆ ባይደን ፈሪምሉ ዘሎ ሓዲሽ ሕጊ ካብ 8 ሕዳር 2021 ጀሚሩ ተግባራዊ ክኸውን እዩ።