ቅልውላው ኢትዮጵያ፡ ኣብ ዋግኽምራ 'ሰባት ብጥምየት ይሞቱ' ከምዘለዉ ተገሊጹ

ኣብ ምምሕዳር ብሄረ ሰብ ዋግኽምራ ብዙሓት ሰባት ብጥምየት ይሞቱ ከም ዘለዉ ካብቲ ከባቢ ናብ ባህርዳርን እብናትን ዝመጽኡ ነበርትን ሓለፍትን ንቢቢሲ ገሊጾም፡፡

ነበርቲ እቲ ከባቢ ኣብ ዝሓለፈ ኣዋርሕ ረድኤት ተዋሂብዎም ከም ዘይፈልጥ ምክትል ኣመሓዳሪ ምምሕዳር ብሄረሰብ ዋግኽምራ ኣቶ ተስፋዬ ገብሬ ንቢቢሲ ተዛሪቡ፡፡

ዋና ከተማ እቲ ምምሕዳር ብሄረ ሰብ ዝኾነት ሰቖጣ ሓዊሱ ካልኦት ከተማታት እቲ ዞባ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሓይልታት ትግራይ ከም ዘለዋ ዝገለጸ እቲ ምክትል ኣመሓዳሪ፡ መብዛሕቲኡ ተጸባዪ ሓገዝ ዝኾነ ህዝቢ እቲ ከባቢ ካብ መጀመርታ ወርሒ ሓምለ ጀሚሩ ዝኾነ ዓይነት ረድኤት ከም ዘይረኸበ ገሊጹ፡፡

እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ኣብ ትግራይ ዝጀመረ ኲናት ናብ ክልል ኣምሓራ ምምሕዳር ዋግኽምራ ካብ ዝተጋፈሐሉ እዋን ጀሚሩ መብዛሕትኦም መንገዲታት ንሰብኣዊ ሓገዝ ዕጹዋት ኮይኖም ምጽንሖም እውን ንቢቢሲ ተዛሪቡ፡፡

ገለ ነበርቲ ድማ፡ ነቲ ከባቢ ምስ ላሊበላ ኮነ ሰቖጣ ዘራኽብ መንገዲ ብኣቆጻጽራ ግእዝ ካብ 9 ሓምለ 2013 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ጀሚሩ ስለ ዝተዓጽወ ቀረብ ሰብኣዊ ሓገዝን መድሓኒትን ሙሉእ ብሙሉእ ብምቁራጹ ነቲ ጸገም ከም ዘጋደዶ ይገልጹ፡፡

በዚ ምኽንያት ብዙሕ ህዝቢ ንከቢድ ጸገም ከም ዝተቓለዐን ብዙሓት ሰባት ብጥምየት ይሞቱ ከም ዘለዉን ኣመሓደርትን ነበርትን እቲ ከባቢ ይገልጹ፡፡

ኮሚሽን ምክልኻል ሓደጋን ውሕስነት ምግብን ክልል ኣምሓራ፡ ኣብቲ ክልል ልዕሊ 5 ሚልዮን ሰባት ሓገዝ ምግቢ ከም ዘድልዮም እዩ ዝገልጽ፡፡

ኣብቶም ሓይልታት ትግራይ ዝተቖጻጸርዎም ከባቢታት ልዕሊ 110 ኣደታት፣ ህጻናትን እናተመላለሱ ዝሕከሙን ሰባት ብሕጽረት ምግቢ፣ ማይን መድሓኒት ሞይቶም እዮም ይብል፡፡

እንተኾነ ኣብቲ ከባብያዊ ምምሕዳራት ስለ ዝፈረሱ እቲ ቑጽሪ ብትኽክል ክፍለጥ ከም ዘይተኽኣለን ክዛይድ ከም ዝኽእልን ብምሕባር፡ ካብቲ ከባቢ ተፈናቒሎም ኣብ መዕቆቢታት ዝርከቡ ሰባት እውን ንሕጽረት መግብን መድሓኒትን ተቓሊዖም ኢሉ፡፡

‘. . . ዕሽሽ ተባሂልና ’

ሓይልታት ትግራይ ንምምሕዳር ብሄረሰብ ዋግ እንትቆጻጸሩ ብዙሕ ሰብ ካብ ከባቢኡ ከም ዝተፈናቐለ ዝገልጽ ምክትል ኣመሓዳሪ እቲ ዞባ ኣቶ ተስፋዬ፡ ‘‘ቁጠባዊ ምንቅስቓስ ሙሉእ ብሙሉእ ተቛሪጹ እዩ፤ ብዝተፈላለየ ኣጋጣሚታት ክብደት እቲ ጸገም ንዓለም ለኻዊ ትካላት‘ኳ እንተፍለጥና ማንም ክበጽሐልና ኣይከኣለን . . . ’’ ኢሉ፡፡

ንሱ ከም ዝሕብሮ ካብ ከባቢኦም ዝተፈናቐሉ ኣስታት 50 ሽሕ ነበርቲ እቲ ዞባ ብንጽጽር ዝሓሸ ሰብኣዊ ሓገዝ'ኳ እንተረኸቡ ንሳቶም እውን ግን ኣብ ጸገም እዮም ዘለዉ፡፡

ኣብቲ ምምሕዳር ብሄረሰብ ኣስታት 635 ሽሕ ህዝቢ ንጸገም ተቓሊዑ ኣሎ ዝብል ኣቶ ተስፋዬ፡ ቁጽሪ መወትቲ ካብቲ ኣብ መራኸቢ ሓፋሽ ዝስማዕ ዝበዝሕ ክኸውን ይኽእል እዩ ይብል፡፡

ብተወሳኺ ልዕሊ 90 ሚኢታዊት ነበርቲ እቲ ምምሕዳር ብሄረ ሰብ ተጠቀምቲ ሓገዝ ሴንፍቲ ኔት ከም ዝነበሩ ብምግላጽ ሕጂ ግና ሓገዝ ክበጽሖም ከምዘይኽኣለ ተዛሪቡ፡፡

ኣብ ምምሕዳር እቲ ብሄረ ሰብ፡ ወረዳ ጋዝጊብላ ነባሪ ዝኾነ ኣቶ ወንድሙ ወዳጅ፡ ኣብዚ ሰሙን ናብ ባህርዳር ተፈናቒሎም ካብ ዝመጽኡ ሰባት ሓደ እዩ፡፡

ንሱ ከም ዝብሎ ኣብቲ ከባቢ ከቢድ ጥምየት ስለ ዘጋጠመ ክንቀሳቐሱ ካብ ዘይክእሉ ሽማግለታት ወጻእ መብዛሕትኡ ነባሪ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምርካብ ይስደድ እዩ ዘሎ፡፡

‘‘ቤተሰብ እንተወሓደ ህይወት ደቁ ከትርፍ ሓገዝ እንተረኸቡ እናበለ ደቁ ናብ ባህርዳርን እብናትን ይልእኽ ኣሎ፡፡ ኮይኑ ግና ኣብዚ እውን ረድኤት የለን ኢሎምና’’ ኢሉ፡፡

ወሲኹ፡ "ንዝተወሰነ እዋን ሰብ ዘለዎ እናተለቓቐሐ ይበልዕ ነይሩ፡፡ ድሕሪ ግዜ ግን ብፍላይ ዓቕሞም ዝደኸመ ሰባት ኣዐርዮም ስለ ዝተጸገሙ፡ ንሕና መናእሰይ ገዛ ገዛ እናለመንና ነቶም ዝጠመዩ ንሕግዞም ኔርና፡፡ ኮይኑ ግና ሐዚ ገዲፍናዮም ስለ ዝመጻእና ይሃልዉ ይሙቱ ኣይንፈልጥን’’ ይብል፡፡

ሓላፊ ኮምኒኬሽን መንግስቲ ወረዳ ጋዝጊብላ ኣቶ ሰለሞን መዓዛ እውን፡ ኣብቲ ወረዳ ሰባት ብጥምየት ይሞቱ ከም ዘለዉ እዩ ዝገልጽ፡፡

ኣብ ኩለን ወረዳታት ተረኺብካ እቲ ሓቀኛ ኣሃዝ ንምምዝጋብ ከም ዝኸብድ ዝገልጽ እቲ ሓላፊ፡ ኣብ ስነ ስርዓት ቀብሪ ብጥምየት ናይ ዝሞቱ ሰለስተ ዝፈልጦም ሰባት ከም ዝተረኸበ ተዛሪቡ፡፡

ብተወሳኺ ኣብቲ ወረዳ ካብ ዝነበሩ 23 ሽሕ ተጠቀምቲ ሴፍቲ ኔት መብዛሕትኦም ንመወዳእታ ግዘ ኣብ ወርሒ ጉንበት ሓገዝ ከም ዝረኸቡ ብምግላጽ ኣብ ወርሒ ሓምለ ብውሑድ 6 ሽሕ ሰባት ህጹጽ ሓገዝ የድልዮም ነይሩ ኢሉ፡፡

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብቲ ከባቢ ኣገልግሎታት ማይ፣ መብራህቲ፣ ባንክን ካልእን ተቛሪጾም ይርከቡ።

ብሰንኪ እቲ ጎንጺ ኣብ ክልላት ትግራይ፣ ዓፋርን ኣምሓራን ኣስታት 7 ሚልዮን ህዝቢ ህጹጽ ሓገዝ ከም ዘድልዮ ጸብጻባት ውድብ ሕቡራት ሃገራት የመልክቱ፡፡

ኣብ ክልል ትግራይ ጥራሕ ኣስታት 5.2 ሚልዮን ህዝቢ ህጹጽ ሓገዝ ከም ዘድልዮ ዝተሓበረ ኮይኑ ኣስታት 400 ሽሕ ህዝቢ ኣብ ጫፍ ዓጸቦ ከም ዘሎ ትካላት ረድኤት ይሕብሩ፡፡