ቅልውላዉ ሰሜን ኢትዮጵያ፡ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ከተማ ደሴ' ገዛ ገዛ ይፍትሹ' ኣለዉ ተባሂሉ

ሓይልታት ትግራይ ንከተማ ደሴ ድሕሪ ምቁጽጻሮም፡ ኣጽዋር ኲናትን ወተሃደራት መንግስትን ንምሓዝ ገዛ ንገዛ ተፍትሽ የካይዱ ከምዘለዉ ሓደ ነባሪ እታ ከተማ ንቢቢሲ ተዛሪቡ፡፡

ሓይልታት ትግራይ ብቐዳም ነታ ስትራተጂያዊ ረብሓ ዘለዋ ከተማ ከምዝተቖጻጸሩ ምግላጾም ዝዝከር እዩ፡፡

መንግስቲ ኢትዮጵያ እታ ከተማ በቶም ሓይልታት ከምዘይተትሓዘት ክገልጽ ዝጸነሐ ኮይኑ ትማሊ ምሸት ግና ሓላፊ ኣገልግሎት ኮምኒኬሽን መንግስቲ፡ ሰራዊት ኢትዮጵያ ‘ስትራተጂካዊ ምዝላቕ’’ ከምዝገበረ ተዛሪቡ ነይሩ፡፡

እታ ከተማ ጽምዋ ዓሲልዋ ከምዘሎ ዝሓደረን ኣገልግሎት ማይን መብራህትን ከምዝተቛረጸ እቲ ነባሪ እታ ከተማ ገሊጹ፡፡

ብተወሳኺ ኣገልግሎት ስልኪ ከምዝተቛረጸን እንተኾነ ገለ ሰባት ናብ በሪኽ ከባቢ ወጺኦም ከምዝድዉሉን ዝገለጸ ኮይኑ፡ ገዛ ንገዛ ተፍትሽ ዘካይዱ ዝነበሩ ተጋደልቲ ትግራይ፡ ኣብቶም ገዛውቲ ወተሃደራት እንተሃልዮም ይሓቱ ከምዝነበሩ ገሊጹ፡፡

ብምኽንያት ስትራተጂያዊ ረብሓ እታ ከተማ፡ ኣብቲ ከባቢ ከቢድ ውግእ ከምዝተኻየደ ጸብጻባት ሓቢሮም፡፡

ካብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ 385 ኪሎ ሜትር ርሒቓ እትርከብ ከተማ ደሴ: ኣብ ክልል ኣምሓራ ካብ ዝርከባ ዓበይቲ ከተማታት ሓንቲ ኮይና ዋና ከተማ ዞባ ደቡብ ወሎ እያ፡፡

ኣብ ክልል ትግራይ ዝተወለዐ ኲናት ናብ ክልላት ዓፋርን ኣምሓራን ምስተጋፈሐ፡ ብኣማኢት ኣሻሓት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብታ ከተማ ኣዕቚቦም ነይሮም፡፡

ካብ ከተማ ደሴ ብተወሳኺ ማእከል ኢንዳስትሪ ዝኾነት ከተማ ኮምቦልቻ ትማሊ ኣብ ትሕቲ ሓይልታት ትግራይ ከምዝኣተወት ዝገልጹ ጸብጻባት ምውጸኦም ስዒቡ፡ ቤት ምኽሪ ክልል ኣምሓራን ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድን ዓቕሙ ዘፍቅደሉ ዜጋ ኩሉ ዘለዎ መሳርሒ ኲናት ሒዙ ናብ ግንባር ክወፍር ጸዊዖም ኣለዉ፡፡

ብፍላይ ብዙሕ ከባቢታት ብሓይልታት ትግራይ ዝተወሰዶ ክልል ኣምሓራ ‘‘ኩሉ መንግስታዊ ትካል ስሩዕ ኣገልግሎት ደው ኣቢሉ፡ በጀት ሓዊሱ ዘለዎ ኩሉ ነቲ ዝገጠመና ናይ ህላወ ወፍሪ ንምክልኻል ኣብ ዘኽእሉ ክረባረብ’’ ኣለዎ ዝብል ውሳነ ኣሕሊፉ፡፡

ሓላፊ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣመሪካ ኣንቶኒ ብሊንከን ብወገኑ፡ ናህሪ እቲ ጎንጺ ከምዘሻቐሎ ብምግላጽ ሓይልታት ትግራይ ግስጋሰኦም ደው ከብሉን ተጻባእቲ ወገናት ተኹሲ ደው ኣቢሎም ክዛተዩን ጸዊዑ፡፡

ካብ መራሕቲ ሓይልታት ትግራይ ሓደ ዝኾነ ጀነራል ጻድቃን ገብረ ትንሳኤ ግን ምስ መንግስቲ ዝግበር ዘተ ከምዘይህሉን ዝጀመርዎ ወታሃደራዊ ወፍሪ ከምዝቕጽሉን ምዝራቡ ተሓቢሩ፡፡

ብኻልእ ዜና ቤት ጽሕፈት ኣገልግሎት ኮምዩኒኬሽን መንግስቲ ኢትዮጵያ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ከተማ ኮምቦልቻ ልዕሊ 100 መናእሰይ ቀቲሎም ክብል ከሲሱ ኣሎ፡፡

ኮይኑ ግና ብዛዕባ እቲ ክሲ ካብ ሓይልታት ትግራይ ኮነ ካብ ካልእ ነጻ ኣካል ዝተረጋገጸ ነገር የለን፡፡