እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
'ዓሚ 24 ጥቅምቲ ወተሃደራት ጥራሕ ዘይኮነ ኢትዮጵያ'ውን እያ ተቐቲላ' ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ አሕመድ
ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ፡ ነቶም ዓሚ ኣብ ክልል ትግራይ ብሓይልታት ህወሓት ተቐቲሎም ንዝበሃሉ ኣባላት ሰሜን እዝ ንምዝካር ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተገብረ ስነ-ስርዓት ዝኽሪ እዩ ከምኡ ኢሉ።
"ኣብታ ዕለት ኣብታ ህዝቢ ኢትዮጵያ እዩ ተጨፍጪፉ። እቶም ሎሚ ብህይወት ዘሎና፡ ኣነ እውን ወተሃደር እየ እንብል ደቂ ኢትዮጵያ. . . ፡ ሃገርና ንምብታን ዝተላዕሉ ሓይልታት ኢድና ዘይንህብ ምዃንናን. . .ዳግማይ ቃል ኪዳን እንኣትወሉ ዕለት እዩ" ኢሉ።
ፈደራላዊ መንግስቲ ኢትዮጵያን ክልል ትግራይን: ብፖለቲካውን ሕገመንግስታውን ጉዳያት ንነዊሕ እዋን ክተፋነኑ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ብ 3 ሕዳር ለይቲ፡ ሓይልታት ጸጥታ ትግራይ ንመዓስከራት ናይቲ ኣብቲ ክልል ዓስኪሩ ዝነበረ ክፋል ሰራዊት ኢትዮጵያ ኣጥቂዖም ክብል ቀዳማይ ሚኒስተር አብዪ ኣሕመድ ድሕሪ ምኽሳሱ፡ ናብ ቅሉዕ ጎነጽ ኣምሪሖም።
ገለ መራሕቲ ህወሓት እቲ ዝወሰድዎ ስጉምቲ፡ ነቲ ኣብ ልዕሊኦም ተወጢኑ ዝነበሩ ስጉምቲ ንምቕዳም ዝተወስደ 'ቅድመ-መጥቃዕቲ' ምዃኑ ምግላጾም ይዝከር።
ኣብቲ ኣብ ዋና ቀጽሪ ቤት ጽሕፈት ምኒስትሪ ምክልኻል ዝተኻየደ ስነ-ስርዓት ዝኽሪ ምስ ቀዳማይ ምኒስተር ኣዛዚ ሓይልታት ምክልኻል ኢትዮጵያ ኤታማዦር ሹም ጄነራል ብርሃኑ ጁላን፡ ምክትል ኤታማዦር ሹም አበባው ታደሰን ካልኦት ዝለዓሉ ሰበስልጣን መንግስትን ተረኺቦም ነይሮም።
ቀዳማይ ምኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ነቲ ዕለት ብምዝካር ኣብ ማሕበራዊ ሚድያ ኣብ ዘካፈሎ ጽሑፍ "ታሪኽ ናይቶም ዓሚ 24 ጥቅምቲ ግፍዒ ዝተፈጸመሎም ጀጋኑና ዝርሳዕ ኣይኮነን። . . . ሎሚ በቶም ምእንታና ክብሉ ናይ ሞት መስዋእቲ ዘጋጠሞም ጀጋኑና አዕጽምቲ ኢና ደው ኢልና ዘሎና። እቶም ብሉጻት ዜጋታት ኢትዮጵያ 'ቅድሚ ብጾተይ ኣነ ክሓልፍ' ብማለት ደሞም እንተዘየፍስሱ፡ አዕጽምቶም እንተዘይከስክሱ፡ ስገኦም ንኣሞራ እንተዘይህቡ፡ እዛ ዕለት ነዛ ዕለት ኣይምመሰለትን" ኢሉ።
ኣብ ዝሓለፈ 24 ጥቅምቲ ብግእዝ ዝጀመረ ክሳብ ሕጂ መዓልቦ ዘይረኸበ ኵናት ካብ ክልል ትግራይ ሓሊፉ ናብ ክልል ኣምሓራን ዓፋርን ልሒኹ ኵናት ይቕጽል ኣሎ።
እቲ ኲናት ኣብ ምንታይ ደረጃ ይርከብ
እቲ ኣብ ሞንጎ ሰራዊት ፌደራልን ብ2018 ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ቅድሚ ምምጽኡ ንፖለቲካ ኢትዮጵያ ተቖጻጺሩ ዝጸንሐን ህወሓት ዝተወልዐ ኲናት ሓደ ዓመት ክመልኦ ቐሪቡ ኣሎ።
በዚ ምኽንያት ኣሽሓት ሰላማውያን ሰባት ክቕተሉ እንከለው ልዕሊ ክልተ ሚሊየን ካብ ቤት ንብረቶም ተዘናቢሎም'ዮም።
እቶም ኣብ መጀመርታ እቲ ኲናት ተደፊኦም ዝነበሩ ሓይልታት ትግራይ ኣብ ወርሒ ሰነ ንርእሰ ከተማ ትግራይ ክቆጻጸሩዋ ክኢሎም።
ድሕሪኡ ናብ ክልላት ኣምሓራን ዓፋርን ብምድፍኦም ኣማኢት ኣሽሓት ካብ መንበሪ ኣባይቶም ተመዛቢሎም ይርከቡ። ንከቢድ ጥምየት ዝተቓልዑ ሚልዮናት'ውን ተጸበይቲ ህጹጽ ረዲኤት ኮይኖም ይርከቡ።
ኣብ መፋርቕ ወርሒ ጥቅምቲ፡ ሓይልታት ትግራይ ሰራዊት ፌደራል ካብ ዝተቐጻጸሩዎም ከባቢታት ኣምሓራ ንከውጽኡዎም መጥቃዕቲ ከም ዝኸፈቱሎም ገሊጾም ነይሮም።
ሰራዊት ምክልኻል ብወገኑ እቲ ሓድሽ መጥቃዕቲ ብሓይልታት ትግራይ ከም ዝተጀመረ ይኸስስ።
ኣብዚ እዋን ሓይልታት ትግራይ ነተን ኣብ ክልል ኣምሓራ ዝርከባ ኣገደስቲ ከተማታት ደሴን ኮምቦልቻን ድሕሪ ምቑጽጻሮም፡ ካቢነ ሚኒስተራት ኢትዮጵያ፡ ኣብታ ሃገር ህጹጽ ናይ ሓደጋ እዋን ኣዊጁ ይርከብ። ኣብ ርእሲኡ ኣብ ኣዲስ አበባ ዝርከቡ ነበርቲ ኣጽዋሮም ከመዝግቡን ከባቢኦም ክሕልውን እውን ጻውዒት ቀሪቡ'ሎ።
ወሃቢ ቃል ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ ኣቶ ጌታቸው ረዳ፡ ሓይልታቶም ትግራይን መሻርኽቶምን ንስርዓት ኣቢይ እንተደኣ ዓልዮሞ መሰጋገሪ መንግስቲ ከቑሙ ምዃኖም ሓቢሩ'ሎ።
ህወሓት ንዝሓለፈ ኣስታት ሰላሳ ዓመታት፡ ኣብቲ ብሕብረት ሰልፍታት ዝቖመ ኢህወደግ ብዓብላልነት ክመርሕ ድሕሪ ምጽናሕ፡ ኣብይ ኣሕመድ ኣብ 2018 ናብ ስልጣን ምስ መጽአ እቲ ዝነበሮ ዓብላልነት ስኢኑ ኣብ ክልል ትግራይ እዩ ተሓጺሩ ጸኒሑ።
ሕብረት ኣፍሪቃን ኣመሪካን ዝርከቦም ወገናት ማሕበረሰብ ዓለም እቲ ግጭት ብዘተ ክፍታሕ ይጽውዑ ኣለዉ።