እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መረጻ 2013፡ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሎሚ ሓድሽ ዘመን ስራሕ ጀሚሩ
ሎሚ 24 መስከረም 2014 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ሓድሽ ስራሕ ዘመን ክጅምር እዩ፤ ንዝቕጽሉ ሓሙሽተ ዓመታት ቀዳማይ ሚኒስትር እታ ሃገር ኮይኑ ዝመርሕ ውልቀሰብ'ውን ክሸይም'ዩ።
በዚ መሰረት በቲ ቀዳማይ ሚኒስትር ዝምራሕ መሓውር ፈጻሚ ስራሕን ኣብ ውሽጢ እቲ ካቢኔ ብሚኒስትርነት ዘገልግሉ ሕጹያትን ናብቲ ባይቶ ብምቕራብ ወግዓዊ ስርሑ ክጅምር ትጽቢት ይግበር።
ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ኣብ ዝተኻየደ 6ይ ሃገራዊ መረጻ ብቐዳማይ ሚኒስትር ኣብዪ ኣሕመድ ዝምራሕ ሰልፊ ብልጽግና እቲ መረጻ ኣብ ዝተኻየደሎም ከባቢታት ዓብላላይ ድምጺ ብምርካብ ብዝሒ ወናብር ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ክልልን ፌደራልን ሒዙ'ዩ።
እዚ እቲ ቀዳማይ ሚኒስትርን እቲ ሰልፍን ተወሳኺ ሓሙሽተ ናይ ስልጣን ዓመታት ዝህቦም ኮይኑ እቲ ሎሚ ስርሑ ዝጅምር ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ድማ ክስየም እዩ።
ውጽኢት ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝተኻየደ ካልኣይ ዙርያ መረጻ [ክልላት ሶማሊያን ሃረርን] ወግዓዊ'ኳ እንተዘይኮነ ቅድም ኢሉ ኣብ መብዛሕትኦም ድምጺ ዝተዋህበሎም ከባቢታት ዘለው ወናብር ኣብያተ ምኽሪ ውጽኢት ስለ ዝተፈልጠ ኣብ ወመዳእታ እዚ ወርሒ ሓድሽ መንግስቲ ክምስረት እዩ።
ሎሚ ፈላማይ ጉባኤኡ ዘካይድ ሻድሻይ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ካብ ዘለውዎ 547 ወናብር ሰልፊ ብልጽግና 410 ወናብር ከም ዝተዓወተ ቦርድ መረጻ ገሊጹ ነይሩ።
ኣብ ዝሓለፉ ዘመናት እቲ ባይቶ ገዛኢ ውድብ ኢህወዴግ ካብቶም 547 ወናብር ሙሉእ ንሙሉእ ብዝብሃል ኩነታት እቲ ባይቶ ተቖጻጺሩዎ ከም ዝነበረ ይፍለጥ።
እቲ መረጻ ዘንጊዑ ኣብ ዝተኻየደሎም ክልላትን ከባቢታትን ዝርከብ ውጽኢት ገና ኣይተፈልጠን ግን ኣብ ውሽጢ እቲ ሓድሽ ባይቶ ሰልፊ ብልጽግና ብዓብላልነት መብዛሕትኦም ወናብር ክሕዝ እንከሎ፡ 11 ወናብር ኣባላት ተቓወምቲ ሰልፊታትት ከም ዝተዓወቱን ኣርባዕተ ድማ ብናይ ውልቂ ተወዳደርቲ ከም ዝተትሓዙ ተሓቢሩ።
ኣብቲ መረጻ ካብ ዝተወዳደሩ 47 ተቓወምቲ ውድባት፡ ምንቅስቓስ ብሄረ ኣምሓራ [ኣብን] 5፣ ናይ ኢትዮጵያ ዜጋታት ንማሕበራዊ ፍትሒ [ኢዜማ] 4፣ ዴሞክራሲያዊ ውድብ ህዝቢ ጌዲኦ [ጌህዴድ] 2 ወናብር ረኺቦም ኣለው።
ብተወሳኺ ካብቶም ብውልቂ ዝተወዳደሩ 125 ሕጹያት ድማ እቶም ኣርባዕተ ውክልና ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ረኺቦም ኣለው።
እዚኦም ድማ ኣማኻሪ ቀዳማይ ሚኒስትር ዲያቆን ዳኒኤል ክብረት፣ መስራቲ ኦነግ ዝነበረ ኣቶ ዲማ ነገዎን ኣቶ ገላሳ ዲልቦን ከምኡ'ውን ኡስታዝ ካሚል ሸምሱ'ዮም።
እቲ መረጻ ዘንጊዑ ኣብ ዝተኻየደሎም ክልላት ሶማልን ሃረርን ውጽኢቶም ስለ ዘይተፈልጠ መራሕቲ እተን ክልላት ኣብዚ ሓድሽ ባይቶ ኣይርከቡን።
ከምኡ'ውን ኣብ ትግራይ ብምኽንያት እቲ ዝቕጽል ዘሎ ኲናት መረጻ ስለ ዘይተኻየደ፡ 38 ወናብር ውክልና እቲ ክልል ክፍቲ ኮይኖም ክጸንሑ'ዮም።
ኣብዚ ሓድሽ ዝምስረት መንግስቲ መራሕቲ ተቓወምቲ ሰልፊታት ገለ ናይ መሪሕነት ቦታታት ክወሃቦም'ዩ ዝብል ግምት ክህሉ እንከሎ፡ ኢዜማ ካብ ብልጽግና ሓቢርካ ናይ ምስራሕ ሕቶ ከም ዝቐረበሉ ገሊጹ ኣሎ።
በቲ ባይቶ ዝምረጽ ቀዳማይ ሚኒስትር እዋናዊ ኩነታት እታ ሃገርን ቐጻሊ ሓሙሽተ ዓመታት ተግባራዊ ዝገብሮም ስራሕትን ዝምልከት ዘረባ ከስምዕ ትጽቢት ይግበር።
ኣብዚ መስረታ ሓድሽ መንግስቲ፡ ገለ ላዕለዎት ሰብ መዚ ሃገራት ወጻኢ ከም ዝርከቡ ማዕኸናት ዜና እታ ሃገር ክጽብጽባ ቐንየን ኣለዋ።