ኢትዮጵያ፡ ብይን ሽብር ህወሓትን ሸኔን ኣብ ሃገራዊ ጸጥታ ዝፈጥሮ ጽልዋ

ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ካብ ዝመጽእ ጀሚሩ ኣብ ዘለው ሰለስተ ዓመታት፡ ንመጀመርታ ግዜ ክልተ ውድባት 'ኣሸበርቲ' ተባሂሎም ተበይኖም ኣለው።

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ፡ ብ28 ሚያዚያ 2013 ዓ.ም [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ፡ ፖለቲካዊ ውድብ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ንርእሱ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ኢሉ ዝጽውዕ ወተሃደራዊ ጉጅለ 'ሸኔ'ን ተግባራት ራዕዲ ፈጺሞም'ዮም ኢሉ ወሲኑ።

እዚ ናይ ውሳነ ሓሳብ ካብ ዝጸደቐሉ ዕለት ጀሚሩ ኣብ ግብሪ ከም ዝውዕል ከኣ ምኽትል ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል ኣቶ ፈቃዱ ጸጋ ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ዝርዝር ውሳነ ሓሳብ

ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል ዶክተር ጌድኦን ጢሞቲዎስ ንባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ዘቕረቦ ውሳነ ሓሳብ፡ ክልቲኦም ኣካላት ስለ ምንታይ ብግብረ ራዕዲ ክፍረዱ ሕቶ ቐሪቡ ዝብል መብርሂ ሂቡ ነይሩ።

"ሰላማዊ ዜጋታት ምስቶም ጉጅለታት ከይተሓባበሩ፣ ድጋፍ ከይገብሩ፣ ኣባላት ከይኾኑን ንብረቶም ብምውራስ ናይ ፋይናንስ ዓቕሞም ንምድኻም" ዝዓለመ'ዩ ክብል ገሊጹ።

ብፍላይ ብዛዕባ ህወሓት ዝርዝር መብርሂ ኣብ ዘስፈረ ሰነድ፡ 'ማእከላዊ ወተሃደራዊ ትግራይ' ዝተባህለ ሓይሊ ብድጋፍ ቢሮ ጸጥታ እቲ ክልል ከም ዝተጣየሸ ይገልጽ።

ቐጺሉ፡ ሓይሊ ምክልኻል ትግራይ ዝተባህለ ወተሃደራዊ ሓይሊ ክውድብ ዘኽእሎ ዶክትሪን ብምድላው ብፈጻሚ ስራሕ ህወሓት ጸዲቑ'ዩ ይብል።

በዚ ምኽንያት ንኲናት ሰፊሕ ምድላው ተገይሩ'ዩ፤ ብ2012 ዓ.ም'ውን ብወግዒ "መኸተ" ብምባል ንህዝቢ ኣለዓዒሉ'ዩ ክብል ይነቅፍ።

እዚ ዓቃቢ ሕጊ ፌደራል ዘዳለዎ በዓል 12 ገጽ ሰነድ፡ ህወሓት "መንግስቲ ፌደራል ንምድኻም ኣብ ዝተፈላለዩ ክልላት ጸገም ንምፍጣር ብምሕሳብ" ኣብ ካልኦት ክልላት ምስ ዘለው ፖለቲካዊ ውድባት ብሓባር ሰሪሑ'ዩ ክብል ይጠቅስ።

እዞም ውድባት ፖለቲካ መን'ዮም?

ግንባር ሓድነት ወያናይ ዴሞክራሲ ዓፋር [ኣርዱፍ] ኣብ ቅድሚት ሰፊሩ ዝርከብ ሰልፊ ኮይኑ፡ ኣጽዋርን በጀትን ካብ ህወሓት ከም ዝቐርበሉ እቲ ሰነድ ይጠቅስ።

"ኣብ ክልል ኣምሓራ ከባቢ ቅማንት ንዝለዓሉ ጎንጺታት ህወሓት ኣጽዋርን ገንዘብን ኣቕሪቡ'ዩ። ኣብ ከባቢ ብሄረሰብ ኦሮሞ ንዝነብር ህዝቢ ምስ ህዝቢ ዓፋር ንክራጸም ልዕሊ 100 ኣጽዋር ከዕጥቕ ዝተገብረ ፈተነ'ውን ኣሎ" ይብል።

ኣብ ክልል ቤንሻንጉል ጉሙዝ፡ ህወሓት ምስ ክልተ ውድባት ፖለቲካ ይሰርሕ ነይሩ ክብል'ውን ይኸስስ።

ምንቅስቓስ ዴሞክራሲ ህዝቢ ጉሙዝን ምንቅስቓስ ናጽነት ህዝቢ ቤንሻንጉል ንሰላምን ዴሞክራስን ዝተባህሉ ክልተ ውድባት፡ ብገንዘብን ኣጽዋርን ሓጊዙ'ዩ ክብል እንከሎ፡ እዞም ውድባት ኣብቲ ክልል ንዝፍጠሩ ቅልውላዋት ተሓተትቲ'ዮም ኢሉ።

ብተወሳኺ ኣብ ክልል ኦሮሚያ "ብልሙድ ሸኔ ተባሂሉ ንዝጽዋዕ ጉጅለ ገንዘባውን ንዋታውን ሓገዝ ገይሩ። እዚ ድማ ህይወትን ሰብን ንብረትን ክጠፍእ ምኽንያት ኮይኑ'ዩ" ክብል ኸሲሱ።

ካብዚ ሓሊፉ "ህወሓት ኣብ ልዕሊ ሰራዊት ምክልኻል መጥቃዕቲ ክፍጽም እንከሎ፡ ዕጡቓት እዞም ውድባት ኣሰሊፉ'ዩ" ይብል።

ኣብ መወዳእታ፡ ህወሓት መንግስቲ ፌደራል ክቆጻጸር እንከሎ ሓቢሮም ስልጣን ንክሕዙ ፌደራሊስት ሓይልታት ዝብል ጥምረት ፈጢሩ ተንቀሳቒሱ'ዩ ኢሉ።

ህወሓት ኣብ ዝቐረብሉ ክስታት፡ ናብ ባህርዳር፣ ጎንደርን ኤርትራን ሮኬት ኣወንጪፉ ኣብ ልዕሊ ሰላማውያን ሰባትን ትሕተ ቕርጽን ሓደጋ ኣብጺሑ'ዩ ዝብል'ውን ይርከቦ።

"ሸኔ"

ኣብ ኤርትራ ዕጥቃዊ ቃልሲ ከካይድ ዝጸንሐ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ናብ ሃገሩ ምስ ተመለሰ፡ "ገለ ኣባላት ወተሃደራዊ ክንፉ ኣብ ጫካ ተሪፎም ምንቅስቓስ ቐጺሎም'ዮም" ይብል እቲ ሰነድ።

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ከምኡ'ውን ካብቲ ክልል ወጻእ ተንቀሳቒሱ ሰባት ብምቕታል ካብ ቤት ንብረቶም ክዘናበሉ ዝገብር ዘሎ፡ ንርእሱ ሰራዊት ናጽነት ኦሮሞ ኢሉ ዝጽውዕ "ሸኔ" እዩ ዝብል ክሲ የቕርብ።

ኣብ 2013 ዓ.ም ጥራሕ፡ 112 ፖሊስ፣ 57 መሊሻ፣ 18 ኣብ ዝተፈላለየ ደረጃ ኣመራርሓ ዝነበሩ ውልቀሳባት ቐቲሉ'ዩ ዝብል ካልእ ክሲ'ውን ቐሪብሉ ኣሎ።

ሸኔ ኣብ ወርሒ ጥቅምቲ፡ ኣብ ምዕራብ ወለጋ ወረዳ ጉሊሶ 36 ሰላማውያን ሰባት ቀቲሉ'ዩ ዝብል ክሲ ኣሎ።

ብኻልእ ወገን፡ ሸኔ 'ኣባ ቶርቤ' ዝተባህለ ቐታሊ ጉጅለ ወዲቡ ቕትለት ክፍጽም ጸኒሑ'ዩ ክብል እንከሎ፡ ነዚ መረጋገጸ ይኾኑኒ'ዮም ዝብሎም ክልተ መዝገባት ክሲ ኣቕሪቡ።

ቅድሚ ሕጂ፡ ኮሎኔል ገመቹ ኣያ ሓዊሱ 20 ሰባት ተኸሲሶምሉ ዝነበረ መዝገብ ኪሱ ቂጡማ ሓደ እዩ።

ኪሱ ቂጡማ፡ ኣብ ከተማ ኣምቦ ብ8 ሚያዚያ 2011 ዓ.ም መጥቃዕቲ ቦንባ ብምፍጻም ክሲ ቐሪብሉ ዝነበረ ውልቀሰብ'ዩ።

ብተወሳኺ ካብ ዩኒቨርሲቲ ደምቢ ደሎ ዝተጨወያ ተመሃሮ ብዝተኣሳሰር ዝተኸፈተ መዝገብ በዓል ካሊፋ ዓብዱራሕማን ካልእ ናብቲ ባይቶ ዝቐረበ ሰነድ'ዩ።

እዚ ንዜጋታት እንታይ ማለት'ዩ?

እዚ ውሳነ ሓሳብ ቅድሚ ምጽዳቑ፡ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ዘለው ሓይልታት ጸጥታ ዜጋታት ምስ ሸኔ ብምትሕብባርን ብምድጋፍን በዝብል ብዘይ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ይኣስሩ፣ የሳቕዩ'ዮም፣ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ከም ዘይኽበሩ ዘረጋግጹ መረዳእታታት ኣኪበ'የ ክብል ኮሚሽን ሰብኣዊ መሰል ኢትዮጵያ ገሊጹ ነይሩ።

እቲ ኮሚሽን፡ ኣብ 21 መደብራት ፖሊስ ብዘካየዶ ክትትል ዝኣከቦ ሓበሬታ ምዃኑ'ውን ጠቒሱ።

ድሕሪ ቕትለት ኣርቲስት ሃጫሉ ሁንዴሳ፡ "እዋኒ ኩነታት" ብዝብል ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝተጸውዑ ሰላማዊ ሰልፊታት ተሳተፊኩም ኢኹም ብዝብል ከምኡ'ውን ኣባል ወይ ደጋፊ ኦነግ ሸኔ ኢኹም ብዝብል ዝተኣሰሩ ሰባት ረኺበ'የ ኢሉ።

ይኹን'ምበር፡ ብዙሕ ኢ ሰብኣዊ ኣተሓሕዛ ምህላው ከም ዝተገንዘበን ስሩዕ መስርሕ ፍርዲ ዝጎደሎም ብዙሓት ሰባት ከም ዝረኸበን ብምዝኽኻር ምምሕያሽ ክግበር ኣለዎ ምባሉ ይዝከር።

እዚ ውሳነ ሽብርተኝነት ነቶም ኣለው ዝብሃሉ ጸገማት ክጋደዱ ኣይገብርን'ዶ? መሰል ዜጋታት ናብ ሓደጋ ከየእተወ ተፈጻሚ ክገብር ዝኽእል መሓውር ኣሎ ድዩ? ክንብል ንምኽትል ዓቃቢ ሕጊ ኣቶ ፈቃዱ ሓቲትና።

ዝተፈለየ ስልጠና ዘድልዮ ሓይሊ ጸጥታ የድሊ'ዩ ዝብል ኣቶ ፈቃዱ፡ ጸብጻብ እቲ ኮሚሽን ግን ገና ክንሪኦ ኢና ኢሉ።

"እዚ ውሳነ ሓሳብ ከምኡ'ውን ዝመጽኡ ሕግታት ዘይምኽባር ነቲ ኣኽባሪ ሕጊ'ውን ዘቕጽዕ'ዩ" ኢሉ።

ኣብ ትግራይ መሓውር መንግስቲ ምስ ምፍራሱ ስሩዕ ፖሊስ፣ ቤት ህንጸት ይኹን ኣብያተ ፍርዲ የለን።

እዚ ስሩዕ ናይ ሕግን ጸጥታን መሓውር ኣብ ዘየለወሉ ኩነታት እዚ ውሳነ ኣብ ልዕሊ ድሕነት ሰላማውያን ሰባት ጸቕጢ ከይገበረ ተፈጻሚ ምግባር ይኽኣል ድዩ? ንኣቶ ፈቃዱዘ ቕረብናሉ ሕቶ'ዩ።

"ኣብ ትግራይ ብምኽንያት ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ካብቲ ስሩዕ ሕጊ ዝወጽኡ ዝኾኑ ተግባራት ክህልው'ዮም፤ እቶም ትካላት ሕጊ ክኣ ዳግም ነጣይሶም ኣለና ኢና" ይብል።

ውጽኢት እዚ ውሳነ ሓሳብ እንታይ ክኸውን ይኸእል?

እዚ ውሳነ፡ ኣብ ክልል ኦሮሚያ ከምኡ'ውን ትግራይ ዝውሰዱ ዘለው ስጉምታት ሕጋዊ ማዕቀፍ ክላበሱ ከምኡ'ውን እቶም ዝውሰዱ ስጉምታት ብሰፊሑ ንክቕጽሉ ዝገብር ክኸውን ይኽእል'ዩ ይብል በዓል ሞያ ሕጊ ዶክተር ኣደም ካሴ።

ብመንጽር ፋይናንስ፡ ህወሓት ካብ ሸኔ ንላዕሊ ንብረት ኣለዎ። ቅድሚ ሰለስተ ዓመት ኢህወደግ ክፈርስ እንከሎ ዝተኸፋፈሉዎ ሃብቲ ዓብዪ'ዩ ዝብል ዶክተር ኣደም፡ ቦርድ መረጻ ክስርዞ እንከሎ ድማ ንብረት እቲ ፓርቲ ብወኪል ክመሓደር ምጽንሑ ይዛረብ።

ድሕሪ'ዚ ውሳነ ግን እቲ ገንዘብ ብመንግስቲ ክውረስ ምግባሩ ዓብዪ ጽልዋ ዝፈጥር'ዩ ይብል።

ህወሓት፡ ብዙሓት ኣባላት ዝነበሩዎ ስሩዕ ፖለቲካዊ ውድብ'ዩ፤ ድሕሪ ሕጂ ግን ኣባላት ኮይኖም ንከይቕጽሉን ድጋፍ ንከይገብሩን ዝእግድ ውሳነ ምዃኑ የብርህ።

"ክሳብ ሕጂ ብጥርጣረ ጥራሕ ኣብ ልዕሊ ተወለድቲ ትግራይ ስጉምቲ ክውሰድ ጸኒሑ'ዩ። እዚ ውሳነ ሓሳብ ነቲ ዝውሰድ ዝነበረ ስጉምታት ሕጋዊ ማዕቀፍ ብምሃብ ንምጥንኻር ዝተሓሰበ ይመስል" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

ወሲኹ፡ "እዚ ውሳነ ሓሳብ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ኣብ ልዕሊ ዘሎ ሰብ'ዩ ተግባራዊ ዝኸውን። ሸኔ መን'ዩ? ህወሓት መን'ዩ? ዝብል ኣብ መሬት ዘሎ ፈጻሚ ኣካል ዘፈጽሞ ስለዝኾነ ከቢድ ግህሰት ሰብኣዊ መሰላት ከም ዘስዕብ እሙን'ዩ" ኢሉ።

ዶክተር ኣደም፡ ብፍላይ ሓደ ጉጅለ ኣሸባሪ ተባሂሉ ዝፍረደሉ መስርሕ ብቤት ፍርዲ ዝውሰን ክኸውን ምተገብአ እዩ ዝብል።

እዚ ብፍላይ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ኮነ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፖለቲካዊ ትካላት ስለ ዝኾነ እቲ ውሳነ ንፖለቲካዊ ዕላማ ከውዕሉዎ ምኽኣሎም ከም ምኽንያት ጠቒሱ።

እቲ መስርሕ ንተርጓሚ ሕጊ እንተዝወሃብ ግን እዞም ጉጅለታት መን'ዮም? ኣብ ባይታኸ ኣለው ድዮም? ሽብርተኛ ኢልካ ንምፍራድ ዘድሊ ቅድመ ኩነት ተማሊኡ ድዩ? ዝብሉ ክምርምር ነይሩ'ዩ ዝብል ዶክተር ኣደም፡ ጋና ብኣብነት ኣልዒሉ።

"ኣብ ጋና፡ መንግስቲ ዘቕርቦ መረዳእታ ተመዚኑ'ዩ ውሳነ ዝወሃቦ። ናይ ኢትዮጵያ ግን፡ መረጻ ሰሙናት ክተርፎ እንከሎ ዝተወሰነ ውሳነ ምዃኑ ንርእሱ እቲ ጉዳይ ሙሉእ ንሙሉእ ካብ ፖለቲካዊ ጸቕጢ ናጻ እዩ ኢልካ ንምእማን ከቢድ'ዩ" ኢሉ።

እቲ ውሳነ ኣብቲ ኣብ ቀረባ ዝካየድ ሻድሻይ ሃገራዊ መረጻ ዝፈጥሮ ጸቕጢ ቀጥታዊ እንተዘይኮነ'ውን፡ ብፍላይ መንግስቲ ኣምሓራ ኣብ ልዕሊ ሸኔ ስጉምቲ ኣይወሰደን ተባሂሉ ስለ ዝንቀፍ፡ እዚ ንምክልኻል ዝተወስደ ስጉምቲ'ውን ክኸውን ይኽእል'ዩ ዝብል ግምት ሂቡ።

ኣብ ክልል ኦሮሚያ ድማ መንግስቲ ዝወስዶ ዘሎ ስጉምቲ ንክጠናኸር የኽእሎ'ዩ ዝብል ኣቶ ኣደም፡ "ከምኡ እንተኾይኑ ግን ኣብቲ ክልል ዘሎ ጸገም ጸጥታ ክኸፍእ ይኽእል'ዩ። ክመሓየሽ'ዩ እንተተባህለ'ውን ቅድሚኡ ከበላሽዎ ይኽእል" እዩ ኢሉ።