እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢትዮጵያ፡ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ፡ ህወሓትን ሸኔን ግብረ ሽበራውያን ክበሃሉ ዝቐረበ ውሳነ ሓሳብ ኣጽዲቑ
ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይን ሸኔን ግብረ ሽበራውያን ተባሂሎም ክስየሙ ዝቐረበ ሓሳብ ብሙሉእ ድምጺ ኣጽዲቑ።
እቲ ባይቶ ሎሚ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ካብ ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት እታ ሃገር ህወሓትን ሸኔን ግብረ ሽበራውያን ተባሂሎም ክብየኑ ዝቐረበሉ ምኽረ ሓሳብ ኣጽዲቑ ዘሎ።
ኣብ መጀመርታ እዚ ሰሙን ቤት ምኽሪ ሚኒስተራት፡ ዓንቀጽ 77 ሕገ መንግስቲ እታ ሃገር ጠቒሱ፡ ህወሓትን ሸኔን ግብረ ሸበራውያን ተባሂሎም ክስየሙ ዝሓትት ሓሳብ ናብቲ ባይቶ ልኢኹ ምንባሩ ይዝከር።
ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵያ ድማ ብመሰረት ኣዋጅ ጸረ ሽብር እታ ሃገር ወከልቲ ክልቲኦም ጉጅለታት ናብቲ ባይቶ ቐሪቦም ንነብሶም ክከላኸሉ ብመራኸቢ ማዕከናት እታ ሃገር ጻውዒት ኣቐሪቡ ነይሩ።
ሎሚ ኣብ ዘካየዶ ኣኼባ ድማ ነቲ ክልቲኦም ጉጅለታት ግብረሽበራውያን ተባሂሎም ክብየኑ ዝቐረበ ሓሳብ ብሙሉእ ድምጺ ከም ዘጽደቖ መራኸቢ ማዕከናት እታ ሃገር ጸብጺበን።
ህወሓትን ሸኔን መነ መን እዮም?
ብዛዕባ እቲ ኣብዚ እዋን ብሰፊሑ ኣብ ምዕራብ ኦሮምያን ኣብ ካልኦት ከባቢታት እቲ ክልልን ዝንቀሳቐስን ሰበ ስልጣን መንግስቲ 'ኦነግ ሸኔ' ኢሎም ዝጽውዕዎን ዕጡቕ ጉጅለ ነዚ ዝስዕብ ኢና እንፈልጥ።
እዚ ብፍላይ ሰበስልጣን ክልል ኦሮምያ 'ኦነግ ሸኔ' ኢሎም ዝጽውዕዎ ሓይሊ፡ ንባዕሉ ''ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ'' ኢሉ እዩ ዝጽውዕ።
'ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ' ንብዙሕ ዓመታት፡ ወታሃደራዊ ክንፊ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ(ኦነግ) ኮይኑ ጸኒሑ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምምጽኡ ስዒቡ፡ ኣመራርሓ ኦነግ ናብ ኢትዮጵያ ምስኣተዉ፡ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ (መንግስቲ ኦነግ ሸኔ ኢሉ ዝጽወዖ ዘሎ ሓይሊ) ካብቲ ውድብ ተፈልዩ፡ ዕጥቃዊ ቃልሲ ከምዝቕጽል ኣፍሊጡ።
ኣቦ መንበር ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ኣቶ ዳውድ ኢብሳ 'ውን ፡ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ (ኦነግ ሸኔ) ንሱ ከምዘይእዝዞ ዕላዊ ገይሩ ነይሩ።
ሸኔ ዝብል መጸውዒ ካበይ ዝመጸ እዩ?
ሸኔ ማለት 'ሸን' ካብ ዝብል ናይ ኦሮምኛ ቃል ዝመጸ እዩ፤ 'ሸን' ማለት ሓሙሽተ ማለት እዩ፡፡ 'ሸኔ' ማለት ድማ እቶም ሓሙሽተ ከም ማለት እዩ።
ኣብ ውሽጢ ኣወዳድባ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ፡ ሓሙሽተ ኣባላት ዘለዉዎ ኮሚቴ ፈጻሚ ስራሕ 'ጉሚ ሸኔ' ተባሂሉ እዩ ዝጽዋዕ።ጉሚ ሸኔ ማለት 'ሓሙሽተ ኣባላት ዘለዎ ጉባኤ' ከም ምባል እዩ።
ሰበስልጣን መንግስቲ፡ ነቲ ንባዕሉ 'ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ' ኢሉ ዝጽውዕ ሓይሊ ንምንታይ 'ኦነግ ሸኔ' ከምዝብልዎ ግልጺ ኣይኮነን።
መራሒ 'ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ' ከምዝኾነ ዝእመን፡ ጃል (ብጻይ) መሮ ብዝብል ናይ ቃልሲ ሽም ዝፍለጥ ኩምሳ ድሪባ፡ ንናጽነት ኦሮሞ ኢና እንቃለስ ይብል።
ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት መንግስቲ ኣብ ልዕሊ እቲ ጉጅለ 'ስጉምቲ' ክወስድ እየ ዝበለ እኳ እንተገበለ፡ ኣባላት እቲ ጉጅለ ፈጺሞምዎ ብዝተባህለ መጥቃዕቲ ብኣማኢት ሰባት ሞይቶምን ኣሻሓት ተፈናቒሎምን እዮም።
መንግስቲ ኦነግ ሸኔ ኢሉ ብዝጽወዖ ጉጅለ፡ ብዙሐት ሰበስልጣናት መንግስትን ፖሊስን ከምዝተቐተሉን ባንኪታት ከምዝተዘረፉን ገሊጹ እዩ።
እቲ ጉጅለ ብህወሓት ከምዝሕገዝን፡ ኣብቲ ናይ ትግራይ ኲናት እውን ኣብ ጎኒ ህወሓት ኮይኖም እናተዋግኡ ነይሮም ዝበሎም ዕጡቓት 'ኦነግ ሸኔ' ከምዝማረኸን መንግስቲ ኣፍሊጡ ነይሩ።
ህወሓት
ህወሓት ካብ ናይ ደባይ ቃልሲ ናብ ሃገር መራሕነት፡ ቀጺሉ ናብ ክልል ኣመሓዳርነትን ኣብ መወዳእታ ድማ ናብ ናይ ደባይ ቃልሲ ዝተመለሰ ውድብ እዩ።
ንኣስታት 30 ዓመታት ኣብ መድረኽ ፖለቲካ እታ ሃገር ቀንዲ ተዋሳኢ ኮይኑ ዝጸንሐ ህወሓት፡ ምስቲ ኣብ ዝሓለፈ ጥቅምቲ ዝተወለዐ ኲናት ብዝተሓሓዝ፡ ብብሄራዊ ቦርድ መረጻ እታ ሃገር ካብ ዝርዝር ፖለቲካዊ ውድባት ክስረዝ ተገይሩ እዩ።
ህዝባዊ ወያነ ሓርነት ትግራይ፡ ዘውዳዊ ስርዓት ሃጸይ ሃይለስላሰ ወዲቑ፡ ኣብታ ሃገር ወተሃደራዊ መንግስቲ በትረ ስልጣን ምሓዙ ስዒቡ እዩ 11 ለካቲት 1967 ዓ/ም ብኣቆጻጸራ ግእዝ ፡ ዕጥቃዊ ቃልሲ ምጅማሩ ይፍለጥ።
ንቃልሲ ህወሓት መበገሲ ዝነበረ፡ ተምሃሮ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ ዘጣየሽዎ ማሕበር ገስገስቲ ብሄረ ትግራይ (ማገብት) ዝተባህለ መደበኛ ዘይኮነ ውዳበ እዩ።
ምስ ደርጊ ዝግበር ዝነበረ ኲናት እናሰፈሐን ናብ ካልኦት ከባቢታት እታ ሃገር እናተሳገረ ምስከደን፡ በቢኸባቢኡ ዘለዉ ህዝቢታት ይውክሉ እዮም ዝተባህሉ ውድባት ኣብ ምሕቋፍን ኣብ ምጥያስን ህወሓት ዓብዪ ተራ ነይሩዎ።
ነዚ ስዒቡ ድማ ምስ ናይ ህዝቢታት ኢትዮጵያ ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ (ኢህዴን)፣ ናይ ህዝቢ ኦሮሞ ዴሞክራስያዊ ድርጅት (ኦህዴድ)ን ናይ ህዝቢታት ኢትዮጵያ ዴሞክራስያዊ ምንቅስቓስ (ደኢህዴን)ን ግንባር ብምፍጣር ንኢህወዴግ መስሪቶም፡፡
ብህወሓት ዝዕብለል ዝነበረ ኢህወዴግ ንስርዓት ደርግ ካብ ስልጣን ብምእላይ ን 27 ዓመታት ነታ ሃገር መሪሑ እዩ፡፡
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ናብ ስልጣን ምስመጸአ ግና ኣፈላላያት እንሰፈሐን እናጎለሐን መጺኡ፡፡
ኣብ መወዳእታ ኢህወዴግ ናብ ብልጽግና ምስተቐየረ፡ 'ህወሓት ናብቲ ሓድሽ ውህደት ኣይጽንበርን' ካብ ምባል ብተወሳኺ "እቲ ውህደት ሕጋዊ ኣይኮነን" ብምባል ተቓዊምዎ።
ህወሓት ኣመራርሕኡ ሒዙ ናብ ትግራይ ምስኣተወ ምስ መንግስቲ ፌደራል ዝነበሮ ርክብ ካብ ምሕርፋፍ ሓሊፉ ናብ ጎንጺ ኣምሪሑ።