እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መረጻ 2013፡ ሎሚ ዝካየድ ዘሎ ካልኣይ ዙር መረጻን ድምጺ ህዝበ ውሳነ ኣበይ ኣበይ እዩ?
ሎሚ 20 መስከረም 2014 ዓ.ም ኣብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ኢትዮጵያ ካልኣይ ዙር ሻድሻይ ሃገራዊ መረጻን ድምጺ ህዝበ-ውሳነን ክካየድ እዩ።
ኣብ ደቡብ ክልል ዝርከባ ሓሙሽተ ዞባታትን ሓደ ወረዳን፡ ናይ መጻኢ ዕድለን ዝውስን ህዝበ-ውሳነ ድምጺ ክህቡ እዮም።
እቶም መረጻ ዝካየደሎም ከባብታት ቀዲሙ ካብ ዝተትሓዘሎም ናይ ግዜ ገደብ ደንጉዩን ንራብዓይ ግዜ ተናዊሑን እዩ ዝካየድ ዘሎ።
እቲ መረጻ ኣብ 2012 ዓ.ምን ኣብ 2013ን [ኣቆጻጽራ ግእዝ] ቀጺሉ ሰለስተ ጳጉሜን ክናዋሕ ዝጸንሐ'ዩ።
ክልላት ሃረርን ሶማልን ከምኡ'ውን ኣብ ገለ ከባብታት ክልላት ኣምሓራ፣ ኦሮምያ፣ ዓፋር፣ ፣ ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ከምኡ'ውን ኣብ ክልል ደቡብ ዝርከቡ ገለ ከባቢታት እቲ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ዝተኻየደ ሻድሻይ ሃገራዊ መረጻ ኣይተኻየደሎምን።
ብሓፈሻ ካብቶም 547 ወንበራት ተወከልቲ ህዝቢ፡ 38 ወንበራት ትግራይ ሓዊሱ፡ ኣብ 102 ነቑጣታት መረጻ ኣይተኻየደን።
ክልል ሶማል
ኣብ ክልል ሶማሌ ዝካየድ ዝነበረ መስርሕ ቅድመ-መረጻ፡ ኢዜማን ግንባር ሓርነት ኦጋዴንን ብዘቕረብዎ ጥርዓን ክቋረጽ ተገይሩ።
ብፍላይ ድማ፡ 'ካድረታት ገዛኢ ውድብ ብልጽግና ንደገፍቶም ብብዝሒ ካርድታት መረጻ ዓዲሎም' ዝብል ጥርዓን ምስ ቀረበ እቲ መረጻ ተኣማኒነት ኣይህልዎን ተባሂሉ እዩ ክናዋሕ ተወሲኑ።
ኣብ ገለ ድማ መዝገብ መረጽቲ ኣብ ኢድ ኣመራርሓ ገዛኢ ሰልፊ ኣትዩ ዝብል ቅርታ ቐሪቡ።
ካብዚ ብዝብገስ ብኣባል ቦርድ መረጻ ውብሸት ኣየለ ዝምራሕ ጉጅለ ናብ'ቲ ክልል ብምኻድ በቲ ዝገበሮ ምጽራያት መሰረት እቲ ምድላዋት መረጻ ጠጠው ክብል ተወሲኑ።
ኣብቲ ክልል ኣብ ሓደ ናይ መረጻ እዋን ስዒሩ ዝፈልጥን ንዓመታት ኣሸባሪ ተባሂሉ ዝጸንሐን ኦብነግ፡ ኣብዚ መረጻ ምስታፉ ሰፊሕ ፖለቲካዊ ረብሓ ክህልዎ እዩ ተባሂሉ ተገሚቱ ነይሩ።
እንተኾነ ቅድሚ ሒደት ሰሙናት ካብቲ መረጻ ንባዕሉ ከም ዘግለለ ኣፍሊጡ ኣሎ። ከምኡ'ውን ነጻነትን ማዕርነትን ዝበሃል ፓርቲ ንዓርሱ ካብቲ መረጻ ኣግሊሉ ኣሎ።
ክልል ሃረሪ
ኣብ ኢትዮጵያ ብሰፍሓቱ ኮነ ብቑጽሪ ብዝሒ ህዝቢ ንእሽቶ ዝበሃል ክልል ሃረሪ ድማ ሎሚ ሽድሻይ ዙርያ መረጻ ከካይድ'ዩ።
ኣብዚ ክልል፡ እቲ መረጻ ዝተደፍአሉ ምኽንያት ኣብ መንጎ ቦርድ መረጻን እቲ ክልልን ዝነበረ ናይ ቤት ፍርዲ ምስሕሓብ ኮይኑ እዚ እኹል ምድላዋት ከይግበር ዓንቂፉ።
ቦርድ መረጻ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባብታት ኢትዮጵያ ዝነብሩ ተወለድቲ እቲ ክልል መጺኦም ድምጾም ክህቡ ዝብል መንግስቲ እቲ ክልል ዘቕረቦ ሓሳብ ኣንጻር ሕጊ እዩ ክብል ወሲኑ ነይሩ።
እንተኾነ፡ እቲ ክልል እዚ ጉዳይ ናብ ቤት ፍርዲ ወሲዱ ምስረትዐ እቲ መረጻ ክዳናጎ ምኽንያት ከም ዝኾነ ይዝከር።
ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ
ካልእ ሎሚ መዓልቲ ድምጺ ህዝበ ውሳነ ዝወሃበሉ ከባቢ፡ ደቡብ ምዕራብ ኢትዮጵያ ኮይኑ ምስቲ ሃገራዊ መረጻ ኣብ ወርሒ ሰነ ክካየድ እዩ ትልሚ ተታሒዝሉ ነይሩ። እንተኾነ ብምኽንያት ጸጥታዊ ጸገማት ክናዋሕ ተወሲኑ።
ፍሉይ ወረዳ ኮንታ፣ ዞባ ምዕራብ ኦሞ፣ ዞባ ካፋን ዞባ ሸካን ሕጂ ካብ ዘለውዎ ክልል ደቡብ ወጺኦም ሓደ ክልል ክምስርቱ ወይ ድማ ኣብቲ ክልል ክጸንሑ ዝብል ሎሚ ብድምጾም ክውስኑ እዮም።
ኣብቲ ሎሚ ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ዝካየድ መረጻ 7.6 ሚልዮን መረጽቲ ከም ዝተመዝገቡ ካብ ቦርድ መረጻ ዝተረኽበ ሓበሬታ የመልክት።
እቲ ከቢድ ኲናት ክካየደሉ ዝጸንሐ ክልል ትግራይ ሓዊሱ፡ ሕዚ'ውን ብምኽንያት ጸጥታ መረጻ ዘይኻየደሎም ከባብታት ኣለዉ።
ገዛኢ ውድብ ብልጽግና፡ ብዘይካ ሒደት ወንበራት፡ ሙሉእ ንሙሉእ ክበሃል ብዝኽእል ወንበራት ፓርላማ ሒዙ ሓድሽ መንግስቲ ንምምስራት ኣብ ምድላዋት ይርከብ።