‘በርሊን ማኒፌስቶ’፡ ብጉጅለ-13 ዝፍለጡ ኤርትራውያን ምሁራት ናብ ፕረዚደንት ዝተጻሕፈ ደብዳበ

እቶም ደው ኢሎም ዘሎዉ (ካብ ጸጋም ንየማን) ሃይለ ደባስ፡ ኣሰፋው ተኸስተ፡ ካሳሁን ቸኮለ፡ ኣርኣያ ደበሳይ: ሙሴ ምስግና፡ ዳዊት መስፍን፡ ጳውሎስ ተስፋጊዮርጊስ፡ መርየም መ. ዑመር። ተንበርኪኾም ዘሎዉ (ካብ ጸጋም ንየማን) ኻልድ በሺር፡ ርእሶም ሃይለ፡ መሓመድ ኼር ዑመር

ምንጪ ስእሊ, DM

መግለጺ ስእሊ, እቶም ናብ ኣስመራ ከይዶም ምስ ፕረሲደንት ኢሳያስ ዝተራኸቡ ኣባላት ጕጅለ-13

ጕጅለ-13 ዚብል ስም ነቶም ኣብ ምጅማር ወርሒ ጥቅምቲ 2000 ኣብ ከተማ በርሊን (ጀርመን) ተኣኪቦም ብጉዳይ ሃገሮም ዝዘተዩ ኤርትራውያን ዝጠበቖም መጸዋዕታ’ዩ።

ኣባላት ጕጅለ-13 እቶም ንመጀመርታ እዋን ኣብ ልዕሊ መንግስቲ፡ ብፍላይ ከኣ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ዝነበሮም ነቐፌታ ተኣኪቦም ዝዘተዩን ነቐፌታኦም ኸኣ ኣብ ጽሑፍ ዘቕረቡን ምሁራት ነበሩ።

ሓደ ካብኣቶም ዝነበረ ዳዊት መስፍን፡ ብዛዕባ’ቲ ዘቕረብዎ ነቐፌታን ርእይቶታን ክገልጽ እንከሎ፡ ኣብቲ እዋን “ነቐፌታ፡ እሞ ኸኣ ኣብ ልዕሊ መራሕ-መንግስቲ፡ ልሙድ ኣይነበረን” ይብል።

“እቲ ዝነቐፈ ሰብ እንተ ብመስኖታት መንግስቲ ኣቢሉ ይዅን ወይከኣ ብተሓለቕቲ-መንግስቲ ይብዳህ ጥራይ ዘየኰነስ፡ ይደሃልን መዓት ይወርዶን ነበረ። ይዅን’ምበር፡ እቲ ናይ ሽዑ ኵነታት ኣዝዩ ኣስጋኢ ስለ ዝነበረ፡ ጽ`ባሕ ውግእ ባድመ’ዩ ነይሩ፡ ንዋዕላ በርሊን ክፈጥር ክኢሉ” ብምባል ተዘክሮታቱ የካፍል።

እቶም ኣብ ዋዕላ በርሊን ዝወዓሉ ሰባት፡ ካብ ሕቡራት መንግስታት ኣመሪካ፡ ዶ/ር ኣርኣያ ደበሳይ፡ በረኸት ሃብተስላሴ፡ ዶ/ር ሃይለ ደባስ፡ ኣቶ ካልድ በሺር፡ ኣቶ ካሳሁን ቸኮል፡ ዶ/ር ኣሰፋው ተኸስተ (ተጋዳላይ ነበር)፣ ካብ ኤውሮጳ፡ ሚርያም መሓመድ ዑመር (ተጋዳሊት ነበር)፡ ዶ/ር ሙሴ ምስግና ፡ ኣቶ ዳዊት መስፍን፡ ዶ/ር ርእሶም ሃይለ፣ ካብ ኤርትራ ድማ ኣቶ ጳውሎስ ተስፋግዮርጊስ (ተጋዳላይ-ነበር)፡ ዶ/ር መሓመድ ኼር ዑመር፡ ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ኸኣ ልኡላ ገብረየሱስ እዮም።

ሓንቲ ካብቶም ጉጅለ 13 ነቲ ናብ ፕረሲደንት ኢሳያስ ዝተላእከ ደብዳቤ ድሕሪ ምፍራማ፡ እቲ ጕዳይ ኣዝዩ ምስ ተወዓውዐ ከም ዝሰሓበት ኣቶ ዳዊት ይሕብር። ከምኡ’ውን ካልእ ኣባል ተሳታፊ ጉጅለ 13፡ ፈሪሙ ጥራይ ዘይኰነስ ኣብቲ ምስ ፕረሲደንት ኢሳያስ ኣብ ኣስመራ ዝተኻየደ ኣኼባ ብዉዕዉዕ ንጥፈት ድሕሪ ምስታፉ ናብቲ ዝነብረሉ ሃገረ ሽወደን ምስ ተመልሰ ከምዝሰሓበ’ውን ጠቒሱ።

እቲ ኣኼባ ብሓልዮት ናይ’ቲ ኣብ ሃገረ-ጀርመን ዝመደበሩ ብ ‘ሃይንሪሽ-በል-ሽቲፍቱንግ’ ዝበሃል ገስጋሲ ማሕበር ተደጊፉ’ዩ ተበጊሱ። እቲ ማሕበር ምስ ሓምላይ ሰልፊ ጀርመን ዝተኣሳሰረ’ዩ።

ንኤርትራ ብብዙሕ መንገድታት ዝሓገዘ ሰልፊ ምዃኑ ይግለጽ። ንኣብነት ድሕሪ ናጽነት ኤርትራውያን ኣብ ጀርመን ንሃገሮም ብምምላስ ዓቢ ተራ ክጻወቱ ይኽእሉ’ዮም ካብ ዝብል እምነት እኹል ፊናንስያዊ ሓገዝ ኣስኒቖም ንክምለሱ ንመንግስቲ ጀርመን ዝጐሰጐሰን ዘፍተወን ነቲ መደብ ከኣ ዘተግበረን ሰልፊ’ዩ። እቲ ፕሮጀክት ዕውት’ኳ ይንበር፡ ብሸነኽ ኤርትራ ተዓናቒፉ ከምዝተኾልፈ ይግለጽ።

እታ ብ‘በርሊን ማኒፌስቶ’ እትፍለጥ ደብዳቤ ምቁራጽ ተጻብኦታት ተፈሪሙ ዶባዊ ኲናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ምስ ተወድአ፡ ናብቲ ዝሰዓበ መድረኽ ዝርርብ ሰላም ምስ ሰገረ’ያ ብዕለት 3 ጥቅምቲ 2000 ተጻሒፋ።

ትሕዝቶ ናይ’ታ ደብዳቤ ብዛዕባ “ናብ ዓውዲ ዲሞክራሲ ዜምርሕ ለውጥታት ምትእትታው ኰነ ኣብ ዉሽጢ መሪሕነት መንግስቲ ዝተፈጥረ ህልኽን ምግምማዕን” ብምጥቃስ “ዕቱብ ገምጋም” ክግበር ጻውዒት ኣቕረበት።

ብተወሳኺ፡ “ሃገራዊ ስኒት፡ በይንኣዊ ዘይኰነስ ናይ ሓባር መሪሕነት ክተኣታቶ፡ እቲ ብ1997 ዝጸደቐ ቅዋም ኣብ ግብሪ ክውዕል፡ እቲ ብ‘ፍሉይ ቤት ፍርዲ’ ዝፍለጥ መጋባእያ ክዕጾ፡ ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣብ ቍጠባ ሃገር ኢዱ ከይመልስ፡ ፕረዚደንት ድማ ነቶም ተፈጢሮም ዘሎዉ ቅልውላዋት ናብ ንቡር ኵነታት ንክልውጦም ሓላፍነት ከም ዘሎዎ” ዘኣመሰሉ ጻውዒታት ሒዛ ቀረበት።

እንተኾነ ግን እታ ደብዳቤ ቅድሚ ኣብ ኢድ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ምብጻሓ፡ ክሳብ ሕጂ ብዘይተፈልጠ ኵነታት፡ ሰሊዃ ኣብ ‘ድሃይ’ ዝስሙ ናይ ኤርትራውያን ማዕከን ኢንተርነት ተዘርግሐት። እቲ ማዕከን ሓውሲ መንግስታዊ፡ ወይከኣ ኣብ ህዝባዊ ግንባር ዝቐነነ ባህርያት ብዝነበሮም ኣካላት ይመሓደርን ይዕብለልን ከምዝነበረ’ዩ ኣቶ ዳዊት ዝዛረብ።

እታ ደብዳቤ ኣብ ህዝቢ ምስ ተዘርግሐት ኣብ ማሕበረሰባት ኤርትራውያን ተራእዩ ብዘይፈልጥ ‘ውግእ’ ኢንተርነት ተጸምደት። ብቍጽሪ፡ እቶም ተጣበቕቲ መንግስቲ ነቶም ንጕጅለ-13 ዝድግፉ ይተዓጻጸፍዎም ስለ ዝነበሩ መብዝሕትኡ እቲ ሽዑ ዝወርድ ዝነበረ ህንደዳ ‘ከመይ ኢሉኩም ንመንግስቲ ዝኣክል ትነቕፉ?’ ብዜስምዕ መልእኽቲ ጎበጥዎም።

እቲ ሽዑ ዝተፈጥረ ናህሪ ዝነበሮ ንትርኽ ከይዘሓለ፡ ኣብ ሳልስቱ ወይ ራብዕቱ ፕረዚደንት ኢሳይያስ ነቶም ከተምቲ’ታ ደብዳቤ ብኣካል ንክረኽቦም ፍቓደኛ ምንባሩ መልእኽቲ ለኣኸ።

መልእኽቲ ‘በርሊን ማኒፌስቶ’ ምስ’ቲ ሽዑ ዝነበረ ሃዋህዉ ብከመይ ይዛመድ?

ብጥሪ 2000፡ ናይ ህ.ግ.ደ.ፍ. ማእከላይ ሽማግለ ንፕረዚደንት ኢሳይያስ ምርጫ ንኸካይድ ጠለብ ኣቕረበ። እቲ ፕረዚደንት ግን ኣየፍቀደን። ኣብ ጉንበት 2000፡ ኣብ እዋን ሳልሳይ ዙርያ ዶባዊ ዉግእ ምዃኑ’ዩ፡ ኢትዮጵያ ንከተማታት ባረንቱን ተሰነይን ዝርከቦ ሰፊሕ ከባቢታት ዞባ ጋሽ-ባርካ ክትቈጻጸር ከኣለት። ኣስታት ሓደ ሚልዮን ዝበጽሕ ህዝቢ ድማ ካብ ኣባይቱ ተፈናቒሉ ነበረ።

ብ19 ሰነ 2000 ኤርትራን ኢትዮጵያን እቲ ዝተገብረ ምቁራጽ ተጻብኦታት ብተዓዛብነትን ምክትታነን ሕቡራት ሃገራት ንኻካየድ ተሰማምዓ። ብሓምለ 2000 ድማ ዓቃቢ ሰላም ሕቡራት ሃገራት ኣብቲ ብመሰረት ውዕል ኣልጀርስ ዝተወሰነ “ግዝያዊ ናይ ጸጥታ ዞባ” ተባሂሉ ዝተሓዝአ ግዝኣት ኤርትራ ዓረደ።

ድሕሪ ክልተ ወርሒ ኸኣ፡ ሃገራዊ ባይቶ ኤርትራ ብዛዕባ ኣተኣላልያ ዶባዊ ኲናት ድሕሪ ምዝታይ ፖለቲካዊ ለውጥታት ንምትእትታው ኣንቀደ። ንመጀመርታ ጊዜ ኸኣ ንሕግታት ሕብረ-ሰልፋዊ ምርጫ ዝሕንጽጽ ኮሚቴ መዘዘ።

ኣብቲ እዋን ኤርትራን ኢትዮጵያን ናይ ኣልጀርስ ስምምዕ ንምትግባር ምድልዋትን ጕዳያት ኣብ ምጽፋፍን ይርከባ ነበራ።

ሽዑ’ዮም እቶም እቲ ዝተራእየ ምዕባለታት ባህ ዘየበሎም ኣባላት ጕጅለ-13 ኣብ በርሊን ተኣኪቦም ብዛዕባ ህሉው ኵነታት ክመያየጡ ዝወሰኑ። ኣብ መእተዊ ደብዳቤኦም’ው ንእዚ ሕጡብ’ዚ ንረክብ ... “ንሕና በቲ ኤርትራ ኣትያቶ ዘላ መጻብቦ ብምግዳስ፡ ኵነታት ሃገርና ንምግምጋምን ብቑዕ መፍትሒ ንምእማምን ተኣኪብና ንክንመያየጥ ተሰማማዕና. . .”

እቲ ዋዕላ ምስ ተዛዘመ፡ ደብዳቤ ተነድፈ። ልዕል ኢሉ ከም ዝተጠቕሰ፡ እታ ደብዳቤ ኣብ ቤት-ጽሕፈት ፕረዚደንት ቅድሚ ምብጽሓ ግን ሞሊቛ ኣብ ሚድያ ብምዝርጋሓ ኣብ ክንዲ ብትሕዝቶኣ ብምምላቛ ብርቱዕ ክትዕ ተፈጥረ።

ትሕዝቶ ‘በርሊን ማኒፌስቶ’

“እቶም ካብ ዝተፈላለየ ቦታታት ዝመጹ ኣኼበኛታት ዝተፈላለየ ኣረኣእያ’ኳ እንተነበሮም ኩሎም ብሃገሮም ዝግደሱን ደለይቲ ለውጥን ነበሩ” ይብል ዳዊት። ገሊኦም ኣብ ብረታዊ ቃልሲ ዝተሳተፉ፡ ገሊኦም ኣብ ሓፋሽ ዉድባት ንነዊሕ እዋን ዝነጠፉ፡ መምህራን ዩኒቨርሲቲ፡ ተንተንቲ ፖለቲካን ለውጢ ንክተኣታቶ ዝተዋፈሩ ጐስጐስትን ሞያተኛታትን ነበሩ።

ኣብቲ ዋዕላ ተሃወጽትን ተሃወስትን ዛዕባታት ብምልዓል ብደቂቕ ተኻትዑሎም። ድሕሪ ክልተ ናይ ክትዕ መዓልታት ከኣ ነቲ ደብዳቤ ኣብ ምንዳፍ ተበጽሐ።

እታ ሓሙሽተ ገጻት ዝሓዘለት ደብዳቤ ብልዝብ ዝበለ ቋንቋን ብኣኽብሮትን’ያ ተነዲፋ ይብል ዳዊት። እቲ መእተዊ ከምዚ ዚስዕብ ነበረ ...

“ክቡር ፕረሲደንት፡ ንሕና፡ ኣስማትና ኣብ ታሕቲ ኣስፊርና ዘለና ውልቀ-ሰባት፡ በዚ ሃገርና ኣትያቶ ዘላ መጻብቦ ብምግዳስ፡ ኵነታት ሃገርና ንምግምጋምን ብቑዕ መፍትሐ ንምእማምን ተኣኪብና ንምምይያጥ ተሰማማዕና። ኰይኑ ድማ፡ እንሆ ሃገርና ናጽነታ ንኽትረክብ ዝተጻወትካዮ ተራን፡ ንመጻኢ ጊዜ’ውን ከም መራሕ ሃገር ዝጽበየካ ዕማማት ብምግንዛብን፡ እዛ መልእኽቲ’ዚኣ ግምት ሂብካ ስጕምቲ ንኽትወስደላ ንልእከልካ።”

እቲ ቀዳማይ ዛዕባ “ብኽንደይ ጻዕርን መስዋእትን ዝመጸት ናጽነት ኣሰር ጠፊኣ ነይራ” ዘርእስቱ ዀይኑ ብርክት ዝበሉ ኣብ ብኣስተንትኖ ዝተሓጽሩ ሓረጋት ብምምርኳስ ሕቶታት ኣልዓለ። “ኣበይ ኢና ተጋጊና? እንታይ’ዩ’ኸ እቲ ጠንቅን ባህርይን ናይ’ቲ ውግእ? ክንውግዶ’ኸ ኣይምተኻእለንዶ ነይሩ?’’ ዘኣመሰሉ ሕቶታት ብምልዓል “ነቶም ኵሎም ክሳራታት ኣብ ግምት ብምእታው እቲ ድሕሪ ናጽነት ዘማዕበልናዮ ባህርይ ኰነ ኣካይዳ መሪሕነትና ብቐረባ ክምርመር ናይ ግድን’ዩ” ብዚብል ሓሳብ ዝተኣስረ ምንባሩ’ዩ ዳዊት ዝገልጽ።

እቲ ካልኣይ ዛዕባ ን“ሰብኣዊ ቅልውላውን ግዳማዊ-ስእሊ ኤርትራን” ዝትንክፍ ነበረ። እቶም ጸሓፍቲ ብሰብኣዊ ቅልውላዋት ዘርኢ ጕዳይ ከምዚ ዚስዕብ መግለጺ ኣቕረቡ ... “ኣደዳ ውግእ ኰይኖም ዝተረፉ ዜጋታትና ማእለያ የብሎምን። ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቝጸሩ ውግእ ዘሰናኸሎም ኣብ ግምት ብምእታው፡ ኵነታት ናይ’ቶም ልዕሊ 75,000 ካብ ኢትዮጵያ ዝተሰጒ ዜጋታትና ርኢና፡ ኣብ መዓስከር ስደተኛታት ሱዳን ከርተት ዝብሉ ዘለው ኤርትራውያን ኰኑ ኣብ ቤት ማእሰርትን መዳጐኒ ቦታታትን ዝርከቡ ዜጋታት ብዝምልከቱ ጒዳያት ኣዚና ንሓዝን” ክብሉ ሻቕሎቶም ኣነጸሩ።

ዶባዊ ኲናት ኤርትራን ኢትዮጵያን ኣብ ዝተወልዓሉ እዋን፡ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ፡ ምብዛሕትኦም ንነዊሕ ዓመታት ኣብ ኢትዮጵያ ዝተቐመጡን ዜግነት እታ ሃገር ዝነበሮም፡ ተገፊፎም፡ ንብረቶም ገዲፎም ናብ ኤርትራ ተሰጒጎም ነይሮም። ብኣሽሓት ዝቑጸሩ’ውን ኣብ ማዕስከራት ተዳጒኖም ነይሮም። ሓያሎ’ውን ኣብቶም መዳጎኒታት ከምዝሞቱ ይፍለጥ።

ጸሓፍቲ ናይቲ ደብዳበ፡ ግዳማዊ-ስእሊ ኤርትራ ብዘርኢ ጕዳይ ድማ ዝተራእዮም ስእሊ ኣቕረቡ። “ብትዕዝብትና መሰረት ኤርትራ ከም ሎም-እዋን ገይሩ ስማ ከፊኡ ከም ዘይፈልጥ ከነረጋግጸልካ ንፈቱ፣ እወ፡ ክብራ ባይታ ጥዒሙ ይርከብ” ድሕሪ ምባል፡ “ሕብረተ-ሰብ ዓለም፡ ከምኡ’ውን ኣፍሪቃውያን አሕዋትና፡ ኣብ ልዕሊ መንግስትና ዀነ መሪሕነትና ዘሎዎም ስእሊ ኣይግድን’ዩ ... ኣካይዳን ስእሊ መንግስትን ክዕረ ይግባእ” ክብሉ ተኸራኸሩ።

ብድሕሪኡ ናብ’ቶም “ውግእ ዘቃልዖም ኣስጋእቲ ጒዳያት” ዚብል ዛዕባ ብምስጋር “ተራና ሱቕ ኢልና ኣብ ጸግዒ ኴንና ክንዕዘብ ዘይኰነስ ጌጋታት መንግስቲ ንኸነመልክት ግቡእና’ዩ” ካብ ዚብል መጐተ ተበጊሶም “መንግስትና ኣብ ምህናጽ ስርሓት ዲሞክራስያዊ ትካላት፡ ከምኡ’ውን ብተሓታትነትን ብግልጽነትን ዘስርሑ ኣገባባት ስለ ዘይደፍኣሎም ክንዛረበሎም ንግደድ” ክብሉ ነቐፌታኦም ኣቕረቡ።

ኣብ’ቲ ዝሰዓበ ዛዕባ - “ሓድሕዳዊ-ዕርቅን ሃገራዊ ሓድነትን” ብዝምልከት “ሓድሽ ፖለቲካዊ ሃዋህው ክኸፍት ይግባእ” ብምባል፡ ኤርትራ ናይ ኵሎም ኤርትራውያን ስለ ዝዀነት “እቶም ኣብ ወሰናስን ሕብረተሰብ ዘሎዉ ዜጋታት ክካፈልዎ ክዕድሙ ነማሕጽን” በሉ።

ቀጺሉ እቲ መልእኽቲ ኣድላይነት “ጥርኑፍ መሪሕነት”፡ ከምኡ’ውን “ህዝባዊ ተኻፋልነትን” ክህሉ ይግባእ ብማለት ንመጐቶኦም ኣኽረርዎ።

“ኣብ መሪሕነት ተፈጢሩ ዘሎ ቅልውላው” ኣይግድን ምዃኑ ድሕሪ ምጥቃስ፣ “ህ.ግ.ደ.ፍ. ኣብ ፖለቲካን ቊጠባን” ኢዱ ንከየእቱ ብምምሕጻን፣ “ቅዋም ኣብ ስራሕ ንክውዕል”፡ ብ‘ምድስካል’ ዝፍለጥ መቕጻዕቲ ክተርፍ፡ ሓደርኦም ኣስሚሮም ኣስምዑ።

ኣብ መወዳእታ ድማ፡ “ኤርትራ ኣብ ቀራና መገዲ ትርከብ ኣላ። ሓደ ክፋል መሬትና ኣብ ትሕቲ ባዕዳዊ መግዛእቲ ኣትዩ’ሎ፣ ብቐሊል ዘይግመት ቊጽሪ ህዝብና ድማ ካብ ቦትኡ ተላቒቁ ይርከብ። ደጊምሲ ኵላህና ግዱሳት፡ ማለት ካብ መሪሕነት ጀሚርና፡ ሕልናና ብግቡእ ንኽንጒርጒር ጊዜኡ ኣኺሉ’ዩ። እስከ ህዝብና ብመላኡ ምስ መሪሕነትና ብግሉጽ ኣገባብ ኣብ ሓደ ዘተ ይእቶ። ምኽንያቱ ህዝቢ ኤርትራ ንናጽነቱ ብደሙን ረሃጹን ንብዓቱን ዝኸፈለሉ ዕዳ ስለ ዝዀነ መሰሉ ክንፈጎ ከቶ ኣይግባእን” ኢሎም ሓሳቦም ደምደሙ።

ኣኼባ ዝተኻይደሉ ቦታ - ደንደን - ናይ ቀደም ክለብ-መኳንንቲ

ምንጪ ስእሊ, DM

መግለጺ ስእሊ, ኣኼባ ዝተኻይደሉ ቦታ - ደንደን - ናይ ቀደም ክለብ-መኳንንቲ

ምስ ፕረሲደንት ኢሳይያስ ዝተኻየደ ኣኼባ ከመይ ነበረ?

ከም’ዞም ኣብ ላዕሊ ዝተጠቕሱ ዛዕባታት ደው ኢልካን ኣፍካ መሊእካን ምዝራብ ዘይተለምደ ስለ ዝነበረ ኣብ ወጻኢ ኤርትራ ፍጹም ዋዕ-ዋዕ ኰነ። እቲ ክትዕ ናብ ጸቕጢ ገጹ ምስ ከደ ሓንቲ ካብኦም መልእኽቲ ናብ ማዕከን ‘ደሃይ’ ብምልኣኽ ንነብሳ ካብ’ቲ ጕጅለ ኣግለለት።

እቶም ኣባላት ጕጅለ-13 ግን ከይተሰናበዱ ብድድ ኢሎም ንኣስመራ ነቐሉ። ብዘይካ ክልተ ካብቶም ኣብ ወጻኢ ዝነበሩ፡ እቶም ዝተረፉ ኵሎም ብሓንቲ ነፋሪት ኣብ ኣስመራ ኣተዉ።

ዶ/ር በረኸት ሃብተስላሴ ምስ ብጾቱ ኣብቲ ኣኼባ ክርከብ ዘይከኣለሉ ምኽንያት ኣብ ናይጀርያ ንክበጽሕ ኣቐዲሙ ዝኣተዎ መብጽዓ ስለ ዝነበሮ’ዩ። ጳውሎስን መሓመድ ኼርን ግን ኣብ ኣስመራ’ዮም ነይሮም።

እታ ነፋሪት ኣማስያኣ ኣብ ኣስመራ ምስ ዓለበት እቶም ገያሾ ንጽባሒቱ ንግሆ ኣብ እምባሶይራ ሆቴል ንክራኸቡ ብምቍጻር መብዝሕትኦም ነናብ ሰቦም ከዱ፣ ገኢኦም ከኣ ኣብቲ ሆቴል ሓደሩ።

ንፕረሲደንት ኢሳይያስ ቅድሚ ምርካቦም፡ ናይ ንግሆ ኣኼባኦም እናካየዱ ግን ንወጻኢ ብስራሕ ከም ዝገሸ ተሓበሩ። እቶም ዕዱማት ፕረዚደንት ክሳብ ዝምለስ ብዓቕሊ እናተጸበዩ ኣኼባታቶም ብምክያድ ቀጸሉ።

"ካብ ሱዳን ምስ ተመልሰ ኸኣ ንጽባሒቱ ንሳዋ ወረደ" ይብል ኣርኣያ ደበሳይ፣ ነቲ ኵነታት ኣለይ-መለይ ዝብል ዝነበረ ኣባል ጕጅለ-13። ኣብ ሒደት መዓልታት ንዓዶም ክምለሱ ስለ ዝነበሮም ግን እቲ ኣብ ግምት ዘየእተዉዎ ምድንጓይ ስክፍታ ከምዝፈጠረሎም ድማ ይገልጽ።

ፕረዚደንት ካብ መገሽኡ ምስ ተመልሰ እቲ ኣኼባ ንኽካየድ ብቤት-ጽሕፈት ፕረዚደንት ተወሰነ። ተኣኻኺቦም ከኣ ናብቲ ኣብ ጥቓ ቤተመንግስቲ ዝርከብ ክለብ- መኳንንቲ ከም ዘምርሑ ኣርኣያ ይዝከሮ። ንምሸቱ ኸኣ እቶም ካብ ወጻኢ ዝመጹ ነናብ ዝመጽዎ ንክምለሱ ነበሮም።

ነቲ ኣኼባ ዝመርሖ ዝነበረ ዶ/ር ሃይለ ደባስ ከምዝነበረ እዞም ኣባላት ናይቲ ጉጅለ ይዛረቡ። እቲ ኣኼባ ብዕለት 25 ሕዳር 2000’ዩ ተኻየዱ። ፕሮፈሰር ኣርኣያ ደበሳይ ኣብቲ ኣኼባ ዝተኻየደ ብምልኡ’ዩ ዝዝከሮ።

ዶክተር ሃይለ ደባስ

ምንጪ ስእሊ, DM

መግለጺ ስእሊ, ዶክተር ሃይለ ደባስ

“ፕረዚደንት፡ ናይ ተራ ሰብ ክዳን፡ ካኪ ስረ፡ ሓጺር ዝእጅግኡ ካምቻ ተኸዲኑ፡ ኣብ ኣደራሽ ኣትዩ ንኩላህና ሓደ-ብሓደ ኢዱ ሰዲዱ ሰላም በለና። ብድሕሪኡ ዶክተር ሃይለ ደባስ ንነብሱን ንብጾቱን ብምልላይ ናይ መእትዊ ቃል ኣስምዐ” ድማ ይብል።

ኣብቲ ሃይለ ዜስምዖ ቃል፡ እቲ ጕጅለ ፖለቲካዊ ኣጀንዳ ሃልዩዎ ዘይኰነስ ብሓልዮት ሃገርን ብጽቡቕ ፍቓድን ሃገራዊ ግቡኡ ንከማልእ ኢሉ ከም ዝተበገሰ ድሕሪ ምግላጽ፡ እቲ ናይ በርሊን ኣኼባ ኣብ ሕጽር ዝበለ እዋን ከም ዝተዳለወ፡ ብምስጢር ዝተኻየደ ኣኼባ ከም ዘይነበረ፡ ከምኡ’ውን በቲ ናብ ሚድያ ዝሞለቘ ደብዳቤ ከም ዘሕዘኖ መግለጺ ኣቕረበ።

“እቲ ንዓና ዜገድሰና ብኣዎንታዊ ኣገባብ ብዛዕባ ኵነታት ሃገርና ምዝታይ፡ ብዝከኣለና መጠን ድማ ንሽግራት ሃገርና መፍትሐ ኣብ ምንዳይ እነበርክተሉ መንገዲ ምእላሽ’’ዩ” ኢሉ ይብል ኣቶ ዳዊት። “እቶም ኣብቲ ደብዳቤ ዘልዓልናዮም ኣርእስትታት እምንቶና ምዃኖም ከነረጋግጸልካ ንፈቱ፣ መፍትሒ ንምርካብ ድማ ምሳኻ ኴንና ንክንሰርሕ ቅሩባት ኢና” ኢሉ’ውን ወሰኸሉ።

ኣብቲ እዋን’ቲ፡ ዶ/ር ሃይለ ደባስ ኣብ ኣመሪካ ናይ ሕክምና ቤት-ትምህርቲ ካሊፎርንያ (ሳን-ፍራንሲስኮ) ዲን ነበረ (UCSF School of Medicine )። ነቲ ዝነበሮ ዓቢ ሓላፍነት ገዲፉ ንኤርትራ ከገልግል ፍቓደኛ ምንባሩ ኸኣ ገለጸ።

“መደርኡ ምስ ወድአ ኣብቲ ኣደራሽ ፍጹም ጸጥታ ዓሰለ. . .

“ጸኒሑ ፕረሲደንት ካብ ጅቡኡ ሓንቲ ዕጽፍቲ ወረቐት ኣውጺኡ ቀስ ኢሉ እናገንጸለ ‘ወረቐትኩም ካብ ኣንበብኩም ኣነ ኸኣ ናተይ ከንብብ’ በለ” ይብል ዶ/ር ኣርኣያ።

ኣቶ ኢሳይያስ ኣብ ምላሹ፡ እቲ ናብኡ ዝተላእከ ደብዳቤ ካብ ኢተርነት ተቐዲሑን ተሓቲሙን ከም ዝበጽሖ ብምጥቃስ “ህዝቢ ክዛረበሉ ምስ ጀመረ’ዩ በጺሑኒ” ክብል ቅሬታኡ ኣስምዐ ይብል ዳዊት።

“ትሕዝትኡ ድማ ካብ ጌጋ ግንዛበ ዝተበገሰ’ዩ ክብል ወሰኸሉ - እቲ ዝተጠቕመሉ ናይ እንግሊዘኛ ቃል ‘perception’ ዝብል ነበረ ” ክብል ዳዊት ይዝክር።

እቲ ክትዕ ንንውሕ ዝበለ እዋን ኣብቲ ‘እታ ደብዳቤ ከመይ ኢላ ከም ዝሞሎቐት’ ዝብል ዛዕባ ዓሰለ ድማ ይብል። “ነቶም ኣብ ደብዳቤና ዘስፈርናዮም ዛዕባታት ንክንዛረበሎም ‘ፖለቲካዊ ዕንክሊል’ ኢሉ ብምግላጽ ግዲ ኣይገበረሎምን”።

ዶ/ር ኣርኣያ ብወገኑ ከም ዝዝከሮ፡ “ፕረዚደንት ኢሳይያስ ኣፈወርቂ፡ ንዓይ ብምውቃስኩም ንህዝቢ ከም ዝዘለፍክምዎ ስለ ዝቝጸር ንህዝቢ ይቕሬት ክትሓትዎ ይግብኣኩም” ከምዝበሎም ይዛረብ።

ዝዀነ ዀይኑ እቲ ኣኼባ ተኻዪዱ ጕጅለ-13 ኸኣ ነንዓዶም ተመልሱ። እቲ ዝተረፈ ናይ ባዕሉ ዛንታ ዘሎዎ ዀይኑ ኣብ ወጻኢ እቶም ዉዕዉዓት ክትዓት እናዘሓሉ ከዱ። ዘቤታዊ ኵነታት ኤርትራ ግን ብዙሕ ተለወጠ፣ ‘እናኸፍአ ኸኣ ከደ’ ይብል ዳዊት።

ሒደት ሰሙናት ጸኒሑ ፕረሲደንት ኢሳያስ ብዛዕባ ጕጅለ-13 ምስ ተሓተተ “እዞም ሰባት ኣብ ግዳም ዝሰፍሩ፡ ብዛዕባ ኣብ ኤርትራ ዘሎ ክዉንነት ብቑዕ ኣፍልጦ ዘይብሎም’ዮም” ክብል ብኣሉታዊ መግለጽያ ገለጾም። ጸኒሑ ኸኣ “ከም ጥርሑ ገረወይና’ዮም” ክብል ከም ዝዘለፎም’ዮም እቶም ኣባላት ናይቲ ጉጅለ ዝዝክሩ።

ኣብ መወዳእታ ግን “እታ ግኒ ካብ’ቲ ገንኢ ስለ ዝሞለቘት” ይብል ዳዊት መስፍን፡ ኣብቲ ዋዕላን ክትዓትን ዝወዓለ ተመራማሪ ታሪኽ፡ “ካብ ሽዑ ጀሚሩ ንመንግስቲ ምውቃስ ንድሕሪት ክምለስ ኣይተኻእለን።”

“ኣብ’ቶም ክትዓት ዝተዋስኡ ድማ ብድሕሪ’ዚ ድላዮም ክዛረቡ ጀመሩ፣ ሕዙኣት ዓውድታት ክትዓት ተሳዒሩ ንተቓወምቲ ሓሳቦም ንኽገልጹ ዕድላት ተኸፍተ፣ ድፋዓት መንግስቲ ዀኑ ዕቃቤታት ተበድሁ፡ ፍርሂ ኸኣ ተቐንጠጠ” ክብል ዳዊት ነቲ ናይ ሽዑ ኵነታት ይገልጾ።

እንተኾነ ግን፡ ሓደ ዓመት ኣብ ዘይመልእ ግዜ፡ እቲ ፕረዚደንት ነቶም ብኣካይድኡ ዘይተሰማምዑን ነቐፌታኦም ብወግዒ ንህዝቢ ዘቕረቡን ላዕለዎት መራሕቲ መንግስቲ ዝነበሩ፡ ተደናገጽቶምን ንነቐፌታኦም ዘቃልሑ ዝነበሩ ናይ ብሕቲ ጋዜጣታት ኣዳለውትን ጋዜጠኛታትን ዳጒኑ ሰወሮም።

ፖለቲካዊ ለውጢ ድማ ህርፋን ኮይኑ ተረፈ። እቲ ብመሪሕነት ገለ ካብ ኣባላት ጉጅለ-13 ዝተነድፈ ቅዋም 1997 ከይተተግበረ በልዩን፡ እቲ ዝርካቡ ሃገራዊ ባይቶ ፈሪሱን፡ ሃገር ተሓታትነት ብዘይብሉ ኣገባብ ብሓደ ሰብ ትምራሕ ኣላ።