እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ንምንታይ’ዩ ሕጽረት ቀረብ ነዳዲ ዘጋጥም ዘሎ?
ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ኣብ ዝሓለፈ ቀረባ መዓልታት ክቱር ሕጽረት ነዳዲ ኣጋጢሙ ነይሩን'ዩ።
ቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን ነዚ ኣመልኪቱ ነቶም ብሰንኪ ሕጽረት ነዳዲ መዓልታዊ ምንቅስቃሳቶምን ንጥፈታቶምን ዝተጸለወ ዜጋታት እቲ ተጓንፎ 'ከቆጥዕ' ንቡር ምዃኑ ገሊጹ።
ካብ መወዳእታ እዚ ሰሙን ጀሚሮም ግን፡ ሰራዊት እታ ሃገር ነዳዲ ከቕርቡ ከም ዝጅምሩ ብምሕባር፡ ሰብ ክሻቐል ከም ዘይብሉ ተስፋታት ሂቡ ኣሎ።
ቦሪስ ጆንሰን፡ እቲ ምዕጻው ነቁጣታት መዐደሊ ነዳድን ኣብኡ ዝግበር ዘነበረ ነዋሕቲ መስርዕን 'ምምሕያሻት' የርኢ ከም ዘሎ ብምሕባር፡ ሰብ ብዘይስክፍታ ስርሑ ከካይድ'ውን ጸዊዑ።
ነዳዲ ዝጽዓና 150 ወተሃደራውያን መካይድ ነዳዲ ክዕድላ ድልዋት ከም ዘለዋ ዝሓበረ ቦሪስ ጆንሰን፡ ኩሉ ናብ ንቡር ይምለስ ስለ ዘሎ ኣብ ምዕዳል ነዳዲ 'ቀዳምነታት' ምስራዕ ከም ዘየድሊ ሓቢሩ።
ሰልፊ ዕዮ መንግስቲ ነታ ሃገር ካብ ዝኸፈአ ናብ ዝብኣሰ ቅልውላው የእትዋ ከም ዘሎ ብምሕባር፡ ሓላፊ እቲ ሰልፊ ሰር ኬር ሴታርመር ነዚ ኣመልኪቱ ሎሚ ኣገዳሲ መደረ ከስምዕ ትጽቢት ይግበር።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ መጻረዪ ነዳዲ እኹል ነዳዲ እኳ እንተነበረ፡ ሕጽረት መራሕቲ ነዳዲ ዝጽዕና መካይን ከም ዝነበረ'ዩ ተገሊጹ።
ካብ መንግስቲ ዝተረኸቡ ምንጭታት ከም ዝሕብርዎ፡ ኣብዚ እዋን 16 ሚኢታዊት ካብተን ነዳዲ ዝዕድላ ነቑጣታት መኽዘነን ብነዳዲ መሊኡ ከም ዘሎን፡ ምስቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝኸፈአን ዝተሓተን 10 ሚኢታዊት ጥራይ ምልኣት ዝነበረ ብምንጽጻር ኣብ ዝሓሸ ከነታት ከም ዘሎ ተሓቢሩ።
እንተኾነ ቀረብ ናይ ህዝቢ ንኽማላእ ብውሕዱ 40 ሚኢታዊት ካብተን ነዳዲ ዝዕድላ ትካላት ክመልኣ ከም ዘለወን እዩ ዝግለጽ።
ማሕበር ኣከፋፈልቲ ነዳዲ ዓዲ እንግሊዝ [Petrol Retailers Association (PRA)] ብወገኑ ኣብ መዐደሊ ነቁጣታት ዝነበረ ጸቅጥን ጽቅጥቅጥን ይንኪ ምህላዉ ሓቢሩ።
እቲ ካብ 8000 መዐደሊ ነዳዲታት ነቲ 5500 ነቁጣታት ዝሓቁፍ ማሕበር፡ ካብተን ነቁጣታቱ እተን ኣስታት 37 ሚኢታዊት ኣጋንአን ጥርሑ ከም ዝተረፈ ብምሕባር ፡ እቲ ቁጽሪ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ናብ 66 ሚኢታዊት ክብ ኢሉ ምንባሩ ሓቢሩ።
315 መዐደሊ ነዳዲ ዘለዎ ሰይንስባሩ ዝተባህለ ትካል ብወገኑ፡ ኣብ ነቁጣታቱ ሓያል ጠለብ ነዳዲ የጋጥሞ ከም ዘሎ ብምሕባር "ሕጂ ግን ዳርጋ ኩለን ነቁጣታትና ነዳዲ ይውሃብን ኣሎ" ክብል ገሊጹ።
ቢቢሲ ዝገበሮ መጽናዕቲ ኩለን ኣብ ዓባይ ብሪጣንያ ዝርከባ መካይን እኹል ነዳዲ ንኽረኽብ ብሕጂ ክልተ ሰሙን ክወስድ ከም ዝኽእል ግምቱ ኣቐሚጡ ኣሎ።
እቲ ኣብ ቅድሚ ሓሙሽተ መዓልታተ ዝጀመረ ዘይምምጥጣን ጠለብን ቀረብን ክሳብ ዝመጽእ ቀዳም ክቅጽል ከምዝኽእል እዩ ግምታት ተዋሂብዎ ዘሎ።
ኣቦ ወንበር ማሕበር ኣከፋፈልቲ ነዳዲ ዓዲ እንግሊዝ ብርያን ማዲሶን ብወገኑ "በዚ ዘሎ ፍጥነት እንተኸይድና፡ ነቲ ኣብ ሞንጎ ጠለብን ቀረብን ዘሎ ዘይምምጥጣን ኣብ ወወዳእታ እዚ ሰሙን ሚዛን ከነትሕዞ ንኽእል ኢና" ይብል።
እንተኾነ ታይምስ ምንጭታት ትካላት ነዳዲ ብምጥቃስ ኣብ ዘስፈሮ ጸብጻብ እቲ ዘሎ ሕጽረት ነዳዲ ዘበገሶ ቅልውላው "ንሳምንታት ክቅጽል ይኽእል'ዩ" ኢሉ።
ላዕለዋይ ሓላፊ ማሕበር መራሕቲ ታክሲ ስቲቭ ማክናማራ'ውን "ኣብ ባይታ ዋላ ሓንቲ ለውጢ የለን። ካብ 25 ክሳብ 30 ሚኢታዊት ካብ ኣባላት ማሕበርና ብሰንኪ ሕጽረት ነዳዲ ሰሉስ ስራሕ ክሰርሑ ኣይክኣሉን" ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።
መንግስቲ ዓባይ ብሪጣንያ ነዚ ሕጽረት ንምትዕርራይ 100 ሽሕ ነዳዲ ዝጽዓና መካይን ከም ዘድልዮ ብምግላጽ፡ ካብ ዝሓለፈ ሓደ ወርሒ ጀሚሩ ብሰንኪ ሕጽረት ነዳዲ ኣብ ኢንዳስትሪታትን ጠለብ ሃለኽቲ ነገራትን ኣሉታዊ ጽልዋታት ተፈጢሩ ምህላዉ ገሊጹ።
ቦሪስ ጆንሰን ኣብ ዝሃቦ መግለጺ "እቲ ኣጋጢምና ዘሎ ሕጽረት መራሕቲ ነዳዲ ዝጽዕና መካይን ዝጋነን ኣይኮነን፤ ብሓፈሻ ግን ብደረጃ ዓለም ሕጽረት መራሕቲ ዓበይቲ መካይን ኣሎ" ኢሉ።
ኣብ ገለ ገለ መዐደሊ ነዳዲ፡ መካይኖም ነዳዲ ንኽመልኡ ሪጋ ዝገበሩ ሰባት ክሳብ ኣስታት ኣርባዕተ ኪሎ ሜትር ዝነውሕ ሪጋ ተሰሪዖም ምንባሮም ተሓቢሩ።