እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሱዳን ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ዶባዊ ምስሕሓብ ንምፍታሕ መንጎኝነት ቱርኪ ተቐቢላ
ሱዳን ነቲ ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ዶባዊ ምስሕሓብ ንምፍታሕ ቱርኪ ዘቕረበቶ ናይ ምሽምጋል ሕቶ ከም ዝተቐበለት ኣፍሊጣ፡፡
ሚኒስትር ጉዳይ ወጻኢ ሚሪያም ኣል-ሳዲቅ ኣል-ማህዲ ‘‘ኣቦ መንበር ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ዓብዱል ፈታሕ ኣል-ቡርሃን ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ናብ ቱርኪ ኣብ ዝተጉዓዘሉ እዋን፡ ነቲ ምስ ኢትዮጵያ ዝተፈጠረ ምስሕሓብ ዶብ ንምፍታሕ ብሰበስልጣን ቱርኪ ዝቐረበ ናይ ክነዛትየኩም ሕቶ፡ ተቐቢልዎ’’ ከም ዝበለት ማዕኸን ዜና ኣናዶሉ ጸብጺቡ፡፡
ሱና ብተመሳሳሊ ሱዳን ምስ ኢትዮጵያ ዘለዋ ዶባዊ ወጥሪ ንምፍታሕ ሕቶ ቱርኪ ከም ዝተቐበለት እታ ሚኒስተር ንጋዜጠኛታት ተዛሪባ ኢሉ፡፡
ኢትዮጵያ፡ ዋላ’ኳ ኣብዚ ጉዳይ ዝሃበቶ ምላሽ እንተዘይሃለወ፡ ሱዳን ካብቲ ድሕሪ ምጅማር ኲናት ትግራይ ዝሓዘቶ ከባቢታት ክትወጽእን እቲ ጸገም ብልዝብ ክፍታሕን ክትጽውዕ ጸኒሓ እያ፡፡
ኣቦመንበር ልኡላዊ ቤት ምኽሪ ሱዳን ዓብዱል ፈታሕ ኣል-ቡርሃን ዓብዱል ራሕማን፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ናብ ቱርኪ ተጓዒዙ ምስ ፕረዚደንት ኤርዶጋን ብምርኻብ ዓበይቲ ቁጠባዊ ስምምዓት ምፍራሙ ዝዝከር እዩ፡፡
ቀዳማይ ሚኒስተር ኣብዪ ኣሕመድ ብተመሳሳሊ ኣብ ወርሒ ነሓሰ ናብ ቱርኪ ተጓዒዙ ምስ ፕረዚደንት ኤርዶጋን ዝተፈላለዩ ክልትኣዊ ስምምዓት ተፈራሪሙ ነይሩ፡፡
ሱዳን ዝተቖጻጸረቶ መዋሰኒ ከባቢታት
ኢትዮጵያን ሱዳንን ዘዋስነን ነዊሕ ሓበራዊ ዶብ ንምጥራርን ሕጋዊ ቕርጺ ንምትሓዝን ሓበራዊ ኮምሽን ዶብ ኣጣይሸን ንዓመታት ክዛተያ ጸኒሐን እየን፡፡
ኮይኑ ግና ከምዚ ናይ ሎሚ ናብ ቅሉዕ ጎነጽ ከይኣተዋ ብሰላም እየን ጸኒሐን፡፡
ብፍላይ ኣልፋሽጋ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ልሙዕ ከባቢ ኢትዮጵያውያን እውን ዝሓርሱሉ ዝነበረ ኮይኑ ሱዳን ግን ሕቶ ይግበኣኒ ተልዕል ነይራ፡፡
ኣብ ልዕሊ ሓረስቶት መጥቃዕቲ ይፍጸም ስለ ዝነበረ ኢትዮጵያ ውሱን ሰራዊት ኣብቲ ከባቢ ኣዋፊራ ነይራ፤ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ግና ኩነታት ብፍጥነት ተቐያይሩ እተን ሃገራት ናብ ምፍጣጥ ኣትየን፡፡
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ወርሒ ጥቅምቲ ኣብ ትግራይ ኲናት ምውልዑ ስዒቡ ኢትዮጵያ ሰራዊታ ካብ ዶብ ሱዳን ምስ ኣንቀሳቐሰት፡ ሱዳን ወታሃደራታ ኣዋፊራ ነቶም ኢትዮጵያውያን ብምስጓግ ነቲ ከባቢ ተቖጻጺራቶ፡፡
ሰብ መዚ ሱዳን ድማ ዝበዝሕ ኣብ ትሕቲ ኢትዮጵያ ዝጸንሐ መሬቶም ከም ዘምለሱን ዝተረፈ እውን ከም ዝቆጻጸሩን ገሊጾም፡፡
ኢትዮጵያ ብወገና ሱዳን ዝፈጸመቶ ተግባር ወራር ከም ዝኾነ ብምኽሳስ፡ ካብቶም ዝተቖጻጸረቶም ከባቢታት ሰራዊታ ክትስሕብን እቲ ወጥሪ ብዘተ ክፍታሕን እናሓተት ጸኒሓ፤ ሱዳን ግን ኣይተቐበለቶን፡፡
ላዕለዎት ሰበስልጣን ክልቲአን ሃገራት ዘካየድዎም ዘተታትን ዝፈላለያ ሃገራት ዘቕረበኦ ጻውዒትን ፍታሕ ከየምጽኡ ድማ ኣዋርሕ ተቖጺሮም ኣለዉ፡፡
ዘሰሓሕብ ዘሎ ከባቢ ኣልፋሽጋ
ንክልቲአን ሃገራት ዘዋጥጥ ዘሎ ከባቢ ኣልፋሽጋ ንሕርሻ ዝሰማማዕ ልሙዕ ብምዃኑ ክልቲአን ሃገራት ዝሃርፈኦ እዩ፡፡
ስሉስ ማእዘን ኣልፋሽጋ (ኣልፋሽጋ ትርያንግል) ተባሂሉ ዝጽዋዕ እዚ ከባቢ ንኢትዮጵያ ብሰሜን ምዕራብ ግዝኣታ ንሱዳን ድማ ምስ ምብራቓዊ ግዝኣታ ዝዋሰን እዩ፡፡
መሬት ኣልፋሽጋ 250 ትርብዒት ኪሎሜትር ዝሽፍን 600 ሽሕ ኤከር ዝሓዘ ኮይኑ፡ ንልምዓት ወሰንቲ ዝኾኑ ከም ኣትባራ፣ ሰቲትን ባስላምን ዝበሉ ሩባታት ኣብ ቀረብኡ ይርከቡ፡፡
ሰብ መዚ ሱዳን ‘‘መንግስቲ ሱዳን ምስታ ሃገር ብዘለዎ ናይ ምትሕግጋዝን ስምምዕን መንፈስ እዩ ኢትዮጵያውያን ሓረስቶት ኣብቲ ከባቢ ከልምዑ ዝጸንሑ’’ እምበር እቲ መሬት ናትና እዩ ይብሉ፡፡
መንግስቲ ኢትዮጵያ ድማ ሉእላዊ መሬት ኢትዮጵያ ይህብ ኣሎ ዝብል ወቐሳ ቅድም ኢሉ እውን ካብ ህዝቢ ይቐርበሉ ነይሩ፡፡
ቅድም ክብል ክልቲኦም መንግስታት እቲ ዘሰሓሕብ ዶብ ደጊምካ ንምጥራር፣ ሓበራዊ ፕሮጀክትታት ንምጅማርን ናይቲ ከባቢ ህዝቢ ተረባሒ ንምግባርን ኣብ ስምምዕ በጺሖም ነይሮም፡፡
ኣብ 2014፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ኢትዮጵያ ዝነበረ ሃይለማርያም ደሳለኝን ፕረዚደንት ሱዳን ነበር ዑመር ኣልበሽርን፡ ንሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢታቶም ዶብ ዝጥረረሉ ናይ መወዳእታ መዓልቲ ክፍልጡ ኣዚዞምዎም ነይሮም፡፡
እንተኾነ እቲ ናይ ምጥራር ስራሓት ኣይተሳለጠን፡፡
ኣብዚ እዋን ድማ መብዛሕትኡ ከባቢታት ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ሱዳን ኣትዩ፡ ሰባት ይሰፍሩሉን መንግስቲ ሱዳን መሰረተ ልምዓት ይሃንጸሉን ኣሎ፡፡
እቲ ወጥሪ ካብ ዝጅመር ናብዚ እተን ሃገራት ዘተ እኳ እንተዘይጀመራ፡ መራሕተን ግን ናብ ኲናት ናይ ምእታው ድልየት ከም ዘይብሎም ክገልጹ እዮም ዝስምዑ፡፡