እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፍሊፒናዊ ኮኸብ ተጓሳጣይ ማኒ ፓክዮ ንፕረዚደንትነት ክወዳደር እዩ
ፍሊፒናዊ ኮኸብ ተጓሳጣይ ማኒ ፓክዮ ኣብቲ ኣብ ዝቕጽል ዓመት ዝካየድ ፕረዚደንታዊ መረጻ ክወዳደር እዩ፡፡
ፓክዮ ኣብቲ ነታ ሃገር ዝመርሕ ዘሎ ውድብ ፒዲፒ-ላባን ብዘሎ ሓደ ጉጅለ እዩ ክወዳደር ተሓጽዩ ዘሎ፡፡
እቲ ኣብ ዓውዲ ጉስጢት ደሚቑ ዝርከብ ወዲ 42 ዓመት ሰብኣይ፡ ኣብ ፓርላማ ፊሊፒንስ ሰናተር እዩ።
ነታ ሃገር ዝመርሕ ዘሎ ኣዘራራቢ ፕረዚደንት ሮድሪጎ ዱተርተ ንተወሳኺ እብረ ከይወዳደር ዝተኸልከለ ኮይኑ፡ ብገለ ኣባላት ሓደ ተቓዋሚ ውድብ ግና ንምክትል ፕረዚደንት ክወዳደር ተመሪጹ ኣሎ፡፡ እንተኾነ እዚ ተመሊስካ ስልጣን ንምሓዝ ዝግበር ፈተነ እዩ ዝብል ነቐፌታ ኣስዒብሉ እዩ፡፡
ምስ ዱተርተ ብምዃን ንፕረዚደንትነት ክወዳደር ዝተሓረየ ከሪስቶፈር ቦንግ ጎ ግና ንዱተርተ ብምትካእ ፕረዚደንት እታ ሃገር ንምዃን ፍቓደኛ ኣይኮነን፡፡
ክሪስቶፈር ጎ ነቲ ሕጸ ምንጻጉ ስዒቡ ጓል ፕረዚደንት ዱተርተ፡ ሳራ ዱተርተ ኣብ ናቱ ቦታ ክትኣቱ ከምእትኽእል ይግመት፡፡
ማኒ ፓክዮ ኣብ ዓውዲ ጉስጢት፡ ኣብ ሸሞንተ ምድባት ክብደት ጎብለል ዓለም ክኸውን ዝኸኣለ ብሕታዊ ተጓሳጣይ እዩ፡፡
ኣብ ቀረባ መዓልቲ ኣብ ዘካየዶ ውድድር ብኩባዊ መጋጥምቱ ዝተስዓረ ፓክዮ፡ ጉስጢት ደው ንምባል ይሓስብ ከምዘሎ ተዛሪቡ ነይሩ፡፡
ንፕረዚደንታዊ ውድድር ኣብ ዝተሓጸየሉ ድማ ‘‘ ኣነ ተቓላሳይ እየ፤ ኩሉ ሻብ ድማ ኣብ ውሽጢ መጓሰጢ ቀለበትን ካብኡ ወጻእን ክቃለስ እየ’’ ብምባል ነቲ ሕጸ ተቐቢልዎ፡፡
ንሱ ኣንጻር ድኽነትን ብልሽውናን ከምዝጉስጉስ እውን ተዛሪቡ፡፡
አብ ሃገሩ ጽቡቕ ሽም ዘለዎ ፓክዮ፡ ካብ ጓል ፕረዚደንት እታ ሃገር ሳራ ዱተርተ-ካርፕዮ ብርቱዕ ንሕንሕ ከጋጥሞ ከምዝኽእል ይግመት፡፡
እንተኾነ ኣየናይ መሓውር ውድብ ፒዲፒ-ላባን ነቲ ኣብ 2022 ዝካየድ መረጻ፡ ብኮምሽን መረጻ እታ ሃገር ኣፍልጦ ከምዝረክብ ኣይተፈለጠን፡፡