ሓላፊ እስለማዊ ጉጅለ 'ኣይኤስ' ኣብ ሳሃራ ከምዝተቐተለ ፕረዚደንት ማክሮን ገሊጹ

ሓላፊ ናይቲ ኣብ ዝበዝሓ ክፋል ሳህራ ዝንቀሳቐስ እስላማዊ ጉጅለ ኣይኤስ ብወተሃደራት ፈረንሳ ከምዝተቐተለ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ገሊጹ።

ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክረን ብትዊተር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ቅትለት ሓላፉ ኣይሲስ ኣብ ሳህራ ኣድናን ኣቡ ዋሊድ ኣለ ሳህራዊ "ኣብ ሳህለ ሳህራ ኣንጻር ግብረሽበራውያን ኣብ ዝግበር ቃልሲ ዓቢ ዓወት እዩ" ኢልዎ።

ሰራዊት ፈረንሳ፡ ብስለያ ናይ ኣመሪካ እናተሓገዝ ኣብቲ ዞባ ንዓመታት ንጅሃዳውያን ጉጅለታት ኣብ ምህዳን ክምዝርከቡ ይፍለጥ።

መሓውራት ናይቲ ኣይሴስ ዝተሰመየ እስላማዊ ዕጡቕ ኣብ ሃገራት ማሊ፡ ኒጀር፡ ጫድን ቡርኪናፋሶን ዘስፋሕፈሐ ምኳኑን፡ ነተን ሃገራት ናይ ጸጥታ ስግኣታት ኣኸቲልለን ከምዘሎ ብተደጋጋሚ ይግለጽ እዩ።