እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
“መሓዙተይ ንዘይምቕታል ካብ ኣይኤስ ኣምሊጠ”
ብኣሽሓት ዝቑፀሩ ሰገናት፡ ኣብ ሶርያ ብዛዕባ ዘሎ ኲናትን ሞትን ልዕሊ ኩሉ ምስክር እዮም። ብህይወት ንምንባር ብዝፈተኑ ቁፅሪ ድማ፡ ንሕማም ኣእምሮ ክሳጥሑ ይኽእሉ። ጋዜጠኛ ቢቢሲ ዓረብኛ፡ ንኣይኤስ ንዝሰዓበ ሞሓመድ ንምርካብ፡ ናብ በይሩት ከይዱ ነይሩ። ስሙን ድምፁን ምእንቲ ድሕንነቱ ተቐይሩ እዩ።