ሓላፊ እስለማዊ ጉጅለ 'ኣይኤስ' ኣብ ሳሃራ ከምዝተቐተለ ፕረዚደንት ማክሮን ገሊጹ

ሰራዊት ፈረንሳ፡ ብስለያ ናይ ኣመሪካ እናተሓገዝ ኣብቲ ዞባ ንዓመታት ንጅሃዳውያን ጉጅለታት ኣብ ምህዳን ክምዝርከቡ ይፍለጥ

ምንጪ ስእሊ, AFP

መግለጺ ስእሊ, ሰራዊት ፈረንሳ፡ ብስለያ ናይ ኣመሪካ እናተሓገዝ ኣብቲ ዞባ ንዓመታት ንጅሃዳውያን ጉጅለታት ኣብ ምህዳን ክምዝርከቡ ይፍለጥ።

ሓላፊ ናይቲ ኣብ ዝበዝሓ ክፋል ሳህራ ዝንቀሳቐስ እስላማዊ ጉጅለ ኣይኤስ ብወተሃደራት ፈረንሳ ከምዝተቐተለ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ገሊጹ።

ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክረን ብትዊተር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ቅትለት ሓላፉ ኣይሲስ ኣብ ሳህራ ኣድናን ኣቡ ዋሊድ ኣለ ሳህራዊ "ኣብ ሳህለ ሳህራ ኣንጻር ግብረሽበራውያን ኣብ ዝግበር ቃልሲ ዓቢ ዓወት እዩ" ኢልዎ።

Skip X post
ንትሕዝቶ X ተፍቅድ ዶ?

እዚ ጽሑፍ ካብ X ዝተረኽቡ ትሕዝቶታት ኣሎዎ። እንተኾነ ኩኪስ ይዅን ካልእ ቴክኖሎጂ ክጥቀሙ ስለዝኽእሉ፡ ቅድሚ ምኽፋቱ ፍቓድኩም የድሊ። ፍቓደኛታት ቅድሚ ምዃንኩም፡ ነቲ ናይ X ፖሊሲ ኩኪስ ከምኡ’ውን ፖሊሲ ብሕትና ክተንብብዎ ትኽእሉ ኢኹም። ነዚ ትሕዝቶ ንምርኣይ፡ ‘እሰማማዕ’የ ቀጽል’ ዝብል ጠውቑ።

Warning: Third party content may contain adverts

End of X post

ሰራዊት ፈረንሳ፡ ብስለያ ናይ ኣመሪካ እናተሓገዝ ኣብቲ ዞባ ንዓመታት ንጅሃዳውያን ጉጅለታት ኣብ ምህዳን ክምዝርከቡ ይፍለጥ።

መሓውራት ናይቲ ኣይሴስ ዝተሰመየ እስላማዊ ዕጡቕ ኣብ ሃገራት ማሊ፡ ኒጀር፡ ጫድን ቡርኪናፋሶን ዘስፋሕፈሐ ምኳኑን፡ ነተን ሃገራት ናይ ጸጥታ ስግኣታት ኣኸቲልለን ከምዘሎ ብተደጋጋሚ ይግለጽ እዩ።