ሓላፊ እስለማዊ ጉጅለ 'ኣይኤስ' ኣብ ሳሃራ ከምዝተቐተለ ፕረዚደንት ማክሮን ገሊጹ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ሓላፊ ናይቲ ኣብ ዝበዝሓ ክፋል ሳህራ ዝንቀሳቐስ እስላማዊ ጉጅለ ኣይኤስ ብወተሃደራት ፈረንሳ ከምዝተቐተለ ፕረዚደንት ፈረንሳ ኢማኑኤል ማክሮን ገሊጹ።
ፕረዚደንት ኢማኑኤል ማክረን ብትዊተር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ቅትለት ሓላፉ ኣይሲስ ኣብ ሳህራ ኣድናን ኣቡ ዋሊድ ኣለ ሳህራዊ "ኣብ ሳህለ ሳህራ ኣንጻር ግብረሽበራውያን ኣብ ዝግበር ቃልሲ ዓቢ ዓወት እዩ" ኢልዎ።
ሰራዊት ፈረንሳ፡ ብስለያ ናይ ኣመሪካ እናተሓገዝ ኣብቲ ዞባ ንዓመታት ንጅሃዳውያን ጉጅለታት ኣብ ምህዳን ክምዝርከቡ ይፍለጥ።
መሓውራት ናይቲ ኣይሴስ ዝተሰመየ እስላማዊ ዕጡቕ ኣብ ሃገራት ማሊ፡ ኒጀር፡ ጫድን ቡርኪናፋሶን ዘስፋሕፈሐ ምኳኑን፡ ነተን ሃገራት ናይ ጸጥታ ስግኣታት ኣኸቲልለን ከምዘሎ ብተደጋጋሚ ይግለጽ እዩ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







