እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኮሮናቫይረስ፡ ኣፍሪቃ ኣብ ምምቕራሕ ክታበት ‘ድሕሪት ተሪፋ’- ውድብ ጥዕና ዓለም
ኣፍሪቃ ኣብ ምምቕራሕ ክታበት ኮሮናቫይረስ ካብ ካልኦት ኣህጉራት ንድሕሪት ከም ዝተረፈት ውድብ ጥዕና ዓለም ገሊጹ፡፡
ዳይሬክተር እቲ ትካል ዶክተር ቴድሮስ ኣድሓኖም ገብረእየሱስ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ነቲ እቲ ውድብ ኣብ መወዳእታ 2021 ኩለን ሃገራት 40 ሚኢታዊት ህዝበን ክኸትባ ዘውጸኦ ትልሚ ዘዐወታ ሃገራት ኣፍሪቃ ክልተ ጥራሕ ከም ዝኾና ኣፍሊጡ፡፡
እዚ ድማ ካብ ኩለን ኣህጉራት እቲ ዝተሓተ እዩ፡፡
ዛጊድ ኣብ መላእ ዓለም ልዕሊ 5.7 ቢልዮን ብልቃጥ ክታበት ኮሮናቫይረስ ከም ዝተውሃበ ዝገለጸ ዶክተር ቴድሮስ ኣብ ኣፍሪቃ ግና 2 ሚኢታዊት ጥራሕ ከም ዝተውሃበን ክታበታት ፍትሓዊ ብዝኾነ መንገዲ እንድሕር ዘይተኸፋፊሉ እቲ ቫይረስ ቅርጹ ክቐያይር ዕድል ከም ዝህቦ ኣፍሊጡ፡፡
በቲ ኣብ መጀመርታ 2020 ኣብ ቻይናዊት ከተማ ዉሃን ዝተርኣየ ኮቪድ-19፡ ኣብ መላእ ዓለም ዛጊድ ልዕሊ 224 ሚልዮን ሰባት ዝተለኸፉ ኮይኖም ኣስታት 4.6 ሚልዮን ሰባት በቲ ቫይረስ ምሟቶም ጸብጻብ ዩኒቨርሲቲ ጆንስ ሆፕኪንስ የመልክት፡፡
ኣገራት ኣመሪካ፣ ህንዲን ብራዚልን ዝለዓለ ቁጽሪ መልከፍቲ ዝተመዝገበለን ሃገራት ኮይነን ዓባይ ብሪጣንያ፣ ሩስያን ፈረንሳን ቀጺለን ዘለዋ ሃገራት እየን፡፡