ሰሜን ኮርያ ፈተነ ነዊሕ ርሕቐት ባላስቲክ ሚሳኤል ኣካይዳ

ሰሜን ኮርያ ፈተነ ነዊሕ ርሕቐት ባላስቲክ ሚሳኤል ኣካይዳ

ምንጪ ስእሊ, KCNA

ሰሜን ኮርያ ፈተነ ንመብዛትትኡ ከባቢታት ጃፓን ክወቅዕ ዝኽእል ናይ ነዊሕ ርሕቐት ክሩዝ ሚሳይል ከምዘካየደት ኣገልግሎ ዜና እታ ሃገር ጸብጺባ፡፡

ከም ጸብጻብ ኬሲኤንኤ ኣብቲ ቀዳመ ሰንበት ዝተኻየደ ፈተነ፡ ኣስታት 1500 ኪሎ ሜትር (930 ማይልስ) ዝጎዓዙ ሚሳይላት ተራእዮም እዮም፡፡

እቲ ፈተነ ንውሳነ ቤት ምኽሪ ጸጥታ ዘይጠሓሰ ኮይኑ፡ ቅድሚ ሕዚ ዘካየደቶም ፈተነታት ግን ኣደዳ ከበድቲ ማዕቀባት ገይሮምዋ እዮም፡፡

ስምምዕ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ፈተነ ባላስቲክ ሚሳኤል ኣይኽልክልን፡፡

እቲ ፈተነ እታ ብሕጽረት መግብን ቁጠባዊ ቅልውላውን ዝተሃሰየት ሃገር ሐዚ እውን ኣጽዋር ኲናት ናይ ምምዕባል ዓቕሚ ከምዘለዋ ዘመላኽት እዩ፡፡

ማዕከን ዜና ሰሜን ኮርያ ኬሲኤንኤ እቲ ፈተነ ክሩዝ ሚሳይል ድሕነት እታ ሃገር ንምውሓስ ተወሳኺ ረብሓ ከምዘለዎ ክትሕብር እንከላ ኣመሪካ ግና ሰሜን ኮርያ "ወታሃደራዊ መደባታ ኣብ ምምዕባልን ንጎረባብታን ማሕበረሰብ ዓለምን ሓደጋ ኣብ ኣብ ምዃንን ቀጺላ ከምዘላ" ዘመላኽት እዩ ኢላ፡፡

ብተወሳኺ መሻርኽታ ንዝኾና ደቡብ ኮርያን ጃፓንን ናይ ምክልኻል ውፉይነታ ሐዚ እውን ጽኑዕ ከምዝኾነ ጠቒሳ፡፡

ምክልኻል ደቡብ ኮርያ ብወገኑ እቶም ዝተወንጨፉ ሚሳይላት ዝምልከት ምስ ሰብመዚ ድሕነት ኣመሪካ ዓሚዩቕ መጽናዕቲ የካይዱ ከምዘለዉ ምግላጹ ወኪል ዜና ዮንሃፕ ኣቃሊሓ፡፡

ላዕለዎት ሰብመዚ ኣመሪካ፣ ደቡብ ኮርያን ጃፓንን ኣብዚ ሰሙን ተራኺቦም ኣብ ከይዲ ደው ምባል ምምዕባል ኑክሌር ሰሜን ኮርያ ክዝትዩ እዮም፡፡