እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዕልዋ ጊኒ፡ ሚኒስተራት ዞባዊ ውድብ ኢኮዋስ ምስ መራሕቲ ዕልዋ ንምዝርራብ ኮናክሪ ኣትዮም
ሕብረት ኣፍሪቃ ብሰንኪ'ቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ዝተኻየደ ዕልዋ መንግስቲ ንኣባልነት እታ ሃገር ከምዝሰረዘ ኣፍሊጡ።
ክፍሊ ጉዳያት ፖለቲካ፡ ሰላምን ጸጥታን ናይቲ ሕብረት ሎሚ ብትዊተር ኣብ ዝሃቦ ሓበሬታ፡ ንጊኒ ኣብ "ኩሉ ንጥፈታታን ፈጸምቲ ኣካላትን" ከይትሳተፍ ከምዝኣገዳ ገሊጹ።
ባይቶ ጸጥታ ሕቡራት ሃገራት ነቲ ውሳነ ክርዕሞ'ውን ሕብረት ኣፍሪቃ ጸዊዑ'ሎ።
ብኮለነል ማማዲ ዶምቦያ ዝተመርሑ ወተሃደራት ንፕረዚደንት ኣልፋ ኮንደ ብምዕላዉ ኣብ ዝሓለፈ ሰንበት ስልጣን ምቁጽጻሮም ይዝከር።
ዞባዊ ውድብ ምዕራብ ኣፍሪቃ፡ ኤኮዋስ'ውን ንኣባልነት ጊኒ ከምዝሰረዘ ኣፍሊጡ ነይሩ'ዩ።
መራሕቲ'ቲ ዞባ፡ ካልኦት መራሕቲ ኣፍሪቃን፡ ከምኡ'ውን ዋና ጸሓፊ ሕቡራት ሃገራት ኣንቶንዮ ጉተረዝ ነቲ ዕልዋ ኮኒኖሞ ኣለዉ።
ሚኒስተራት እቲ ዞባ፡ እታ ሃገር ናብ ቅዋማዊ ስርዓት እትምለሰሉ ኑታት ምስ መራሕቲ ናይቲ ዕልዋ ንምዝርራብ ናብ ርእሰከተማ ኮናክሪ ኣትዮም ኣለዉ።
እንተኾነ ግን፡ ብዙሕ ህዝቢን መራሕቲ ተቓወምቲ ሰልፍታትን ነቲ ዕልዋ ደገፎም ይገልጹ ምህላዎም ጸብጻባት ካብታ ከተማ ሓቢሮም።
ፕረዚደንት ኣልፋ ኮንደ ቅዋማዊ ምምሕያሽ ብምክያድ ንሳልሳይ እብረ ስልጣን ምሓዙ ሓያል ተቓውሞ ከምዘስዓበሉ ይፍለጥ።
መራሕቲ ናይቲ ዕልዋ ብወገኖም፡ ግዝያዊ መንግስቲ ከምዝምስረት ብምግላጽ፡ ኣስታት 100 እሱራት ፖለቲካ ፈቲሐም ኣለዉ።
ኣብ ምዕራብ ኣፍሪቃ፡ ነዚ ሓዊሱ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት ጥራይ 4 ዕልዋታት ተኻይዱ'ሎ።