ናይጀርያ፡ ኣሽሓት ኣባላት ዕጡቕ ጂሃዳዊ ጉጅለ ቦኮ-ሓራም ንሰራዊት መንግስቲ ኢዶም ሂቦም

ኣብ ናይጀርያ ኣስታት 6000 ኣባላት ናይቲ ጂሃዳዊ ጉጅለ ቦኮሓራም ኢዶም ከምዝሃቡ ሰራዊት'ታ ሃገር ኣፍሊጡ።

እቶም ኣብ ዝሓለፈ ሳምንታት ኢዶም ዝሃቡ ኣዘዝቲ፡ ተራ ተዋጋእቲን ቤተሰቦምን ዝርከብዎም ምዃኖም እቲ ሓበሬታ ገሊጹ።

ጎረቤት ሃገር ካሜሩን'ውን ኣብዚ ቀረባ እዋን፡ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ኣባላት ናይቲ ቀጻሊ መጥቃዕትታት ብምፍጻም ኣብቲ ዞባ ከቢድ ጸጥታዊ ጸገም ዝፈጠረ ጉጅለ ኢዶም ከምዝሃቡ ገሊጻ ነይራ'ያ።

መራሒ ናይቲ ጉጅለ ኣብ ዝሓለፈ ግንቦት ምቕታሉን ሓይልታት መንግስቲ ኣብ ልዕሊኦም ዘካይድዎ ዘለዉ ስርሒታትን ኢዶም ንምሃብ ኣገዲድዎም ክኸውን ከምዝኽእል ሰብመዚ ተዛሪቦም።

ድሕሪ ሞት ኣቡባካር ሻኩ፡ ዝበዝሑ ኣባላት እቲ ጉጅለ፡ ወይ ኢዶም ሂቦም ወይ ድማ ናብቲ ተቐናቓኒኦም ዝነበረ ካልእ ጂሃዳዊ ጉጅለ ዳዕሽ ምዕራብ ኣፍሪቃ ከምዝተጸምበሩ ይግለጽ።

እቶም ኢዶም ዝሃቡ ዕጡቓት፡ ናብ ሕብረተሰብ ቅድሚ ምጽንባሮም፡ ካብ ሕሉፍ ኣተሓሳስባ ከናግፎም ዝኽእል ተሓድሶ ክወስዱ ከምዝጀመሩ ሰብመዚ ሓቢሮም ኣለዉ።

ይኹን እምበር፡ ገለ ናይጀርያውን፡ እቶም ዕጡቓት ናብ ሕብረተሰብ ምጽንባሮም ሓደጋ ከምዘለዎ ስግኣቶም ይገልጹ።

ጸብጻባት ሕቡራት ሃገራት ከምዝብሎ፡ እቲ ጉጅለ ኣብ 2009 ኣትሒዙ ኣብ ናይጀርያን ሓያሎ ካልኦት ሃገራት ናይቲ ዞባን ኣብ ዘካየዶም መጥቃዕትታት ልዕሊ 300,000 ሰባት ከምዝተቐትሉን፡ ብሚልዮናት ዝቑጸሩ ካልኦት ካብ መንበሪኦም ከምዝተፈናቐሉን ይፍለጥ።

ጉጅለ ቦኮሓራም ኣብ ሰሜናዊ-ምብራቕ ናይጀርያን ኣብቲ ከባቢ ዝርከብ ዞባታት ካልኦት ሃገራትን ዝንቀሳቐስ ኮይኑ፡ ቀጻሊ ጭውያታት ክፍጽም ምጽንሑ ይዝከር።