እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ፊፋ ኣብ ልዕሊ ተጻወትቲ እንግሊዝ ዝተፈጸመ ጥቕዓት ምምርማር ጀሚሩ
ንመጻረይ ዋንጫ ዓለም ኣብ ዋና ከተማ ሃንጋሪ ቡዳፔስት ኣብ ዝተካየደ ጸዋታ ኩዕሶ እግሪ፡ እንግሊዛውያን ተጻወትቲ ራሂም ስተርሊንግን ጁድ ቤሊንግሃም ዒላማ ዘርኣዊ መጥቃዕቲ ኮይኖም ኔሮም።
ኣብ ቡዳፔስት ኣብ ዝርከብ ስታድየም ፑስካስ ኣሬና ኣብ ዝተካየደን እንግሊዝ ብሰፊሕ ኣፈላላይ ሸቶ ዝሰዓረትሉን ጸዋታ፡ ተጻወትቲ እንግሊዝ ካብ ተምልከትቲ ዝተፈላለዩ ነገራት ተደርብይዎም ኔሩ። እዚ ድሕሪ ዕረፍቲ ኣብ ዝነበረ ጸዋታ እዩ።ድሕሪ እቲ ጸዋታ ኣብ ልዕሊ ተጻወትታ መጥቃዕቲ ዝተፈጸማ እንግሊዝ፡ "ፈጺሙ ተቀባልነት ዘይብሉ" ብምባል ነቲ ተግባር ኮኒና።
ንጀርመናዊት ጋንታ ቦሪስያ ዶርትመንድ ተጻዋቲ ማእከላይ መስመር ዝኾነ ወዲ 18 ዓመት ቤሊንግሃም፡ ንጉዳይ ዓሌታዊ መጥቃዕቲ ኣመልኪቱ ብመገዲ ትዊተር ኣብ ዝሃቦ ርኢቶ፡ "ዝምልከቶም ሰብመዚ ግቡእ ስጉምቲ እንተዘይወሲዶም፡ እቲ ተግባር ኣካል እቲ ጸዋታ ኮይኑ ክውሰድ እዩ። ጽልኣት ንክሰፍን ክንገብር የብልናን" ኢሉ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ዓባይ ብሪጣንያ ቦሪስ ጆንሰን ብወገኑ፡ "ከምዚኦም ዝበሉ መሕፈርቲ ተግባራት ንዝንተኣለም ካብ ሜዳ ኩዕሶ እግሪ ንክእለዩ፡ ኣብ ልዕሊ ጥፍኣተኛታት ተሪር ስጉምቲ ክውሰድ ይግባእ" ብምባል ንፊፋ ሓቲቱ።
ፊፋ ትማሊ ዓርቢ ድሕሪ ሰዓት ከምዘፍለጦ፡ ኣብ ግጥም ኢንግሊዝን ሃንጋሪን ንዝነበረ ሪፖርት ድሕሪ ምምርማር፡ ነዚ ተግባር ናይ ስነ ስርዓት ስጉምቲ ንምውሳድ ዘክእል ከይዲ ምጅማሩ ኣፍሊጡ።
ዝኮነ ይኩን ዓሌታውነት፣ ኣድልዎን መጥቃዕትን ኣትሪሩ ዝቃወመሉ ቅዋሙ፡ ሕዚ'ውን ኣብ ቦትኡ ከምዘሎ ዝሓበረ ፊፋ፡ "ኣብ ኩዕሶ እግሪ ዘጋጥሙ ከምዚኦም ዓይነት ተቀባልነት ዘይብሎም ተግባራት ፈጺሙ ኣይዕገስን" ኢሉ።
ቅድም ክብል ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ኣውሮጳ፡ ደገፍቲ ሃንጋሪ ብዘርአይዎ ዓሌታዊ ተግባር፡ ሃገራዊት ጋንታ ሃንጋሪ ጸወትኣ ኣብ ዕጽው ስታድየም ክተካይድ ወሲኑ ኔሩ።
እንተኾነ፡ እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሓሙስ ዝተሳለጠ ጸዋታ ብፊፋ ዝካየድ ብምኳኑ፡ ውሳነ ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ኣውሮጳ ተግባራዊ ኣይኮነን፤ ደገፍቲ ድማ ኣብ ስታድየም ተረኪቦም ነቲ ጸዋታ ክከታተሉ ክኢሎም ኔሮም።
ማሕበር ኩዕሶ እግሪ ኣውሮጳ፡ ኣብቲ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ኣብ ዝነበረ ጸዋታ ብዘጋጠመ ተግባራት ዓሌታውነትን ኣድልዎን'ዩ ኣብ ልዕሊ ሃንጋሪ ቅጽዓት ዘንበረ።