እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ኣውሮጳ ንምጽናሕ ዲግሪታት ዝድርድሩ ዘለዉ ኣፍሪቃውያን
ናይጄሪያዊት ተመሃሪት ሞዱፔ ኦሱንኮያ ብሊንከዲን ጥራይ ልዕሊ 200 ጊዜ ስራሕ ተመዝጊባ ክሳኽዐላ ኣይከኣለን።
በዚ ምኽንያት ከኣ ኣብ ቤልጂየም ክትጸንሓሉ እትኽእል ዕድል ጊዜ ይኣኽሎ ከም ዘሎ ትፈልጥ።
ዝረኸበቶ ናይ ተምሃሮ ቪዛ መዓልቱ ክኣክል ሰለስተ ኣዋርሕ ጥራሕ ስለ ዝተረፎ ኣብ ቅድሚኣ ዝጽበያ ነገር እንተሃለወ ዕድል ስራሕ ምርካብ ወይ ካብታ ሃገር ምውጻእ’ዩ።
ግን ከኣ ካልእ ተወሳኺ ዕድል ኣሎ፤ ንሱ ድማ ሳልሳይ ዲግሪ ንምሓዝ ትምህርቲ ምቕጻል ኮይኑ ኣብ 2017 ካብ ሃገራ ካብ እተወጽእ ሳልሳይ ዲግሪ ይኸውን ኣሎ።
“ንዶክትሬት ክቕጽል ድልየት ኣይነበረንን ግን ከኣ ናብ ዓደይ እንተተመሊሰ ኣብኡ ዝጽበየኒ ዕድል ስራሕ የለን” ክትብል እታ ጓል 28 ዓመት ንቢቢሲ ተዛሪባ።
ብሰንኺ ዘሎ ስእነት ስራሕ - ሓደ ካብ ሰለስተ ካብ መናእሰይ ብዘይስራሕ ኮፍ ክብል ይግደድ።
በዚ ምኽንያት ዝበዝሑ ናይጀርያውያን ናብ ሃገሮም ኣብ ክንዲ ምምላስ ኣብ ደገ ንዘለዉ ዕድላት ክጥቀሙ ይመርጹ።
ከምኡ ብምዃኑ ድማ ሞዱፔ ኦሱንኮያ ጎኒ ንጎኒ ምስቲ ገና ኣብ ቤልጂየም ዘይዛዘመቶ ማስተርስ ዲግሪ ኣብ ኢስቶኒያ ዶክትሬት ዲግሪ ንምቕጻል ተመዝጊባ’ላ።
ናብ ኢስቶኒያ ክትኸይድ ዝመረጸትሉ ምኽንያት ድማ ኣብ ቤልጂየም ዕድል ስራሕ ኮነ ትምህርቲ ዶክትሬት ዲግሪ ክትረክብ ዘይምኽኣላ እዩ።
“ዕድላት ትምህርቲ ናብቲ መወዳእታ ዘብጽሑ መገዲታት እዮም። ፈጣሪ እንተይልዎ እቲ መወዳእታ ምናልባት ቀዋሚ ፍቓድ መንበሪ ክኸውን ይኽእል” ትብል።
እቲ ኣብ ዩኒቨርሲቲ ቴክኖሎጂ ታሊን ብዶክትሬት ዲግሪ ትቕጽሎ ትምህርቲ ንኣርባዕተ ዓመት ስለ ዝጸንሕ፤ ኣብ መወዳእታ ፍቓድ መንበሪ ክትሓትት ትኽእል’ያ።
ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ጥራይ ኣስታት 100 ሽሕ ናይጀርያውያን ንትምህርቲ ናብ ደገ ከም ዝወጽኡ ኣይሲኢኤፍ [ICEF] ዝተባህለ ዓለምለኸ ዕድላት ትምህርቲ ዘተሓባብር ትካል ዘውጽኦ ሓበሬታ የመልክት።
መብዛሕቲኦም ድማ ኣብተን ዝኸዱለን ሃገራት ቀዋሚ ነባርነት ንምርካብ ተስፋ ይገብሩ።
ብዛዕባ ኣፍሪቃ ኣብ ቤልጂየም
ፎሉዋኬሚ (ትኽክለኛ ስማ ኣይኮነን) ኣብ ቤልጂየም ትምህርታ ትከታተል ዘላ ካልእ ናይጄሪያዊት እያ።
“ሰባት ማስተርስ ዲግሪኦም ይውድኡ’ሞ፤ መሊሶም ትሕቲ ደረጃ ትምህርቶም ዝኾነ ተወሳኺ ዲፕሎማ ንምርካብ ትምህርቲ ይጅምሩ። ብድሕሪኡ ድማ ካልኦት ሰርቲፊኬታት ንምራካብ ይጽዕሩ። እዚ ኹሉ ዝግበር ሕጋውነት [ኣብታ ሃገር ናይ ምጽናሕ] ንኽህልወካ ብዝብል’ዩ” ክትብል ተረድእ።
ኣብ ናይጄሪያ ብኢኮኖሚክስ ቀዳማይ ዲግሪ’ኳ እንተነበራ ቤልጂየም ምስ ኣተወት ግን ካብ ታሕቲ ክትጅምር’ያ ወሲና።
ኣብታ ሃገር እትጸንሓሉ ጊዜ ንምንዋሕ ብዝብል ሰለስተ ዓመት ዝጸንሕ ናይ ቢዝነስ ማኔጅመንት ትምህርቲ ጀሚራ።
ብድሕሪኡ ድማ ክልተ ዓመት ዝወስድ ማስተርስ ዲግሪ ቀጺላ።
ፍቓድ ቀዋሚ ነባርነት እትረኽብሉ ዕድል ክሳብ ዘጋጥማ ትምህርታ ከም እትቕጽል ትዛረብ።
“ኣፍሪቃዊት ኮይነ ኣብ ቤልጂየም ብዛዕባ መጽናዕትታት ኣፍሪቃ ይመሃር ኣለኹ፤ እዚ ድማ የሕርቐኒ” ትብል ካልእ ናይጀርያዊት ኢፎማ (ትኽክለኛ ስማ ኣይኮን)።
ንሳ ኣብ 2019 ናብታ ሃገር ካብ እትኣትው ካልኣይ ማስተርስ ዲግሪኣ ኣብ ምክትታል ትርከብ።
“ብዙሕ ዝሻቐለሉ ጉዳይ ኣይኮነን፤ እንታይ ክገብር ከም ዘለኒ ንምውሳን ዘጥፍኦ ዘለኹ ጊዜ እዩ” ክትብል ነቲ ዘላትሉ ኩነታት ትገልጾ።
ኣብ ቤልጂየም ንትምህርቲ ዝኽፈል 1200 ዶላር ዓመታዊ ክፍሊት ከምኡ’ውን ንናብርኦም ዘውጽእዎ ወጻእታት ምስቲ ኣብ ካልኦት ሃገራት ኣውሮጳ ዘሎ ክነጻጸር ከሎ ነቶም ናይጄሪያውያን ተምሃሮ ዝሓሰረ ብምዃኑ ነታ ሃገር ይመርጽዋ።
“ንናብራ ዝወጽእ ወጻኢ ትሑት’ዩ፤ ብወርሒ ክሳብ 300 ዩሮ ኢኻ ተውጽእ” ትብል ሞዱፔ።
ነቶም ካብ ዝሓሸ ገንዘባዊ ዓቕሚ ዘለዎም ናይጀርያውያን ስድራ ዝመጽኡ ግን ከም ካናዳ፣ ብሪጣንያን ኣሜሪካን ዝበላ እንግሊዝኛ ዝዝረበለን ሃገራት ተመረጽቲ እየን።
ኣብተን ሃገራት ልዕሊ 13 ሽሕ ናይጄሪያውያን ተመሃሮ ከም ዘለዉ ይግለጽ።
ካናዳ ካብ ብሪጣንያ
ኣብ ብሪጣንያ ዝርከቡ ናይጄሪያውያን ተምሃሮ ቑጽሮም ካብ እዋን ናብ እዋን እናነከየ ይመጽእ’ዩ ዘሎ።
ኣብ 2013/14 ካብ ዝነበሮ 18,020 ኣብ 2017/18 ናብ 10,540 ኣንቆልቊሉ’ሎ።
ከምኡ ክኸውን ካብ ዝገበሩ ምኽንያታት እቲ ሓደ ከኣ ወጻእተኛታት ተምሃሮ ድሕሪ ምዝዛም ትምህርቲ ንኽልተ ዓመት ናብ ሃገሮም ከይተመለሱ ንኽሰርሑ ዝወሃቦም ዝነበረ ቪዛ ስለ ዝተልዓለ’ዩ።
ንትምህርቲ ዝኽፈል ገንዘብ ዝተሓተ ካብ ምዃኑ ብተወሳኺ ብዙሕ ከይተጨናነቕካ ዝርከብ ቪዛ ከምኡ’ውን ብድሕሪ ትምህርቲ ዘሎ ዕድል ስራሕን መንበሪ ፍቓድን ተምሃሮ ንካናዳ ዝመርጹሉ ምኽንያት ከም ዝኾነ ይግለጽ።
ኣብ ብሪጣንያ ዜጋታት እታ ሃገር ወይ ዜጋታት ካልኦት ኣውሮጳውያን ሃገራት ንትምህርቲ ካብ ዝኸፍልዎ ክፍሊት እቲ ናይጀርያውያን ተምሃሮ ዝኸፍልዎ ብሰለስተ ዕጽፊ ይበልጽ።
ግን ከኣ እቶም ናይጀርያውያን ነቶም ኣብ ብሪጣንያ ክቡራት ወይ ዘይብጽሑ ዝበሃለሎም ዕድላት ስራሕ ናይ ምርካብ ዕድሎም ኣዝዩ ዝተሓተ እዩ።
ቋንቋ እንግሊዝኛ ቀዳማይ ቋንቁአን ኣብ ዘይኮና ሃገራት ዝህልዎም ስራሕ ናይ ምርካብ ዕድል ድማ ብዝያዳ ዝጸበበ ይኸውን።
ብዘይካ’ዚ ዓሌታዊ ኣድልዎ እውን ካልእ ተወሳኺ ብድሆ እዩ።
ቤልጂየም ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ፖሊሲ ኢሚግሬሽን ሓደ ምምሕያሽ ገይራ’ላ።
ንሱ ድማ ተምሃሮ ድሕሪ ምረቓ ስራሕ እናደለዩ ንሓደ ዓመት ከጸንሑ ዘኽእሎም ጊዚያዊ ቪዛ እዩ።