ብኢንተርኔት ነፃ ዕድል ትምህርቲ ዝህባ ዓሰርተ ዓበይቲ ዩኒቨርስትታት ዓለም

ኣብ ዓለምና ኣብ ዘለዉ ፍሉጣት ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ኣቲኻ ምምሃር ኩሉ ዝምነዮ ዓብይ ፀጋ እዩ። ኣብዝሓ ዝረኽቦ ዕድል ግና ኣይኮነን።

እቶም ዝወሃቡ ዓይነታት ትምህርቲ ብዙሕ ስለዘኽፍሉ ጥራሕ ኣይኮነን። ንክቕበሉኻ ከቢድ ከይዲ ውድድር'ውን ክትሓልፍ ትግደድ።

ኣብ ርእሲ እዚ'ውን ብዙሓት ዓይነታት እቶም ትምህርቲ ቃለ መሓትት ክትገብር ይሓቱኻ።

ነዚ'ውን እዩ በብዓመቱ ብርክት ዝበሉ ተወዳደርቲ ከይተዓወቱ ዝተርፉ።

ይኹን ምበር ዕድመ ንኢንተርኔት ከምኡ'ውን ነዚ ተበግሶ ዝወሰዱ ትካላት። ሎሚ ክንዲ ፍረ ጣፍ ተይከፈልካ ምምሃር ከምዝከኣል ኣኽኢሎም። እዚ ከመይ ኮይኑ ? በዓል መንከ እዮም እቶም ትካላት?

1. ዩኒቨርሲቲ ኦክስፎርድ

'ታይምስ ሃየር ኢዱኬሽን' ዝበሃል ሓደ ናይ እንግሊዝ ፍሉጥ መፅሄት በብዓመቱ ኣብ ዘውፀኦ ደረጃ፥ ኦክስፎርድ ዩኒቨርሲቲ ካብ 1000 ውሸጢ ቀዳማይ ገይይሩ ሰሪዑዎ።

ክልተ ሃገራት ጥራሕ እየን ኣብ ላዕሊ እቲ ዝርዝር ተፀሪሐን፤ ሃገራት ኣሜሪካን እንግሊዝን። ስለዚ፡ ኣብዘን ሃገራት ዝወሃቡ ኮርስታት ምክትታል እንተደሊኹም፡ መብዛሕትኦም እቲ ትምህርቲ ብቋንቋ እንግሊዘኛ ዝህቡ'ዮም።

ኦክስፎርድ ዩኒቨርሲቲ ብኢንተርኔት ዝህቦም ነፃ ዕድላት ትምህርቲ ብፖድካስት፥ ብፅሑፍን ብቪድዮን ምምልካት ይከኣል። ስነ-ፅሑፍ፥ ጥበብ፥ ፍልስፍና፥ ቢዝነስን ሶሶሎጂን ይርከቡዎም።

2.ዩኒቨርሲቲ ካምብሪጅ

ኣብቲ ዝተጠቀሰ መፅሄት ኣብ ካልኣይ ደረጃ ሰፊሩ ዝርከብ እዩ።

ኣብዚ ትካል ካብ ዝወሃቡ ዓይነታት ትምህርቲ ቋንቋታት ቻይና፥ ጀርመንኛ፥ ዓረብኛ፥ ማርክሲዝም ከምኡ'ውን ከባብያዊ መፅናዕትታት ይርከቡዎም።

3. ኢንስትትዩት ቴክኖሎጂ ካሊፎርንያ

ካልቴክ እናተብሃለ'ውን ይፍለጥ። ፓሳዴና ኣብ ዝተብሃለት ከተማ ዝርከብ እንትኸውን፥ ብዝበለፀ ኣብ ሳይንስን ቴክኖሎጂን የትኩር።

ባዮሎጂ፥ ስነ-ከዋኽብት፥ ዑደት ፀሓይን፥ ኮምፒትር ሳይንስን ካብ መንጎ እቶም ዝወሃቡ ይርከቡዎም።

4. ዩኒቨርሲቲ ስታንፎርድ

መስራቲ ኣፕል ስቴቭ ጆብስ ኣብዚ ተማሂሩ እዩ፥ ዋላ'ኳ አቋሪፁ እንተወፀ። "ፋይንድ ዋት ዩ ላቭ" ብዝብል ኣብዚ ዩኒቨርሲቲ ዝገበሮ ታሪኻዊ ንግግር፥ እዚ ዩኒቨርሲቲ ብጣዕሚ ኣድኒቑ ተዛሪቡ።

ኣብዚ ትካል ካብ መንጎ ዝወሃቡ ፕሮግራማት ኮምፒትር ሳይንስ፥ መድሓኒት፥ ሁማኒቲን ይርከቡዎም።

5. ዩኒቨርሲቲ ማሳቼስትስ

እዚ ድማ ብጣዕሚ ዝተኸብረን ልዑል ግምት ዝወሃቦን ትካል እንትኸውን፥ ኣብ ኣመሪካ ማሳቼስትስ ኣብ ዝበሃል ክልል (ስቴት) ዝርከብ እዩ። ኣብዚ ማእኸል ካብ መንጎ ዝወሃቡ ዓይነታት ትምህርቲ ኤሌክትሮማግነቲክ፥ ፖለቲካል ሳየዕንስ፥ ኢኮኖሚክስ፥ ፕላኒኒነግ ከምኡውን፥ ሙዚቃን ይፅርሑ።

6. ዩኒቨርሲቲ ሃርቫርድ

እዚ ድማ ኣብ ኣመሪካ ካምብሪጅ ኣብ ዝተብሃለ ሳቴት ዝርከብ ኮይኑ ንህዝቢ ክፍቲ እዩ። ስነፅሑፍ፥ ጎንፂ፥ ስነ-ህንፃ፥ ሳይንስን ታሪክን ኣጣሚሩ ይህብ።

7. ዩኒቨርሲቲ ፕሪንስቶን

ብመሰረት ሓበሬታ እቲ ዝተጠቐሰ መፅሄት፥ እዚ ኣብ ኒው ጀርሲ (አመሪካ) ዝርከብ እንትኸውን ካብቶም ቀዳሞት ትካላት ትምህርቲ ዝጥቀስ እዩ።

ከም ፖሊቲካል ሳይንስ፥ ታሪክ፥ ሶሾሎጅን ዝኣመሰሉ ዓይነታት ትምህርቲ ድማ ይህብ።

8. ኮሌጅ ለንደን ኢምፐርያል

እዚ ኣብ ለንደን ዝርከብ ትካል ድማ ኣተሓሕዛ ሒሳብ፥ ኢኮኖሚክስ፥ ፋይናንስን ሒሳብን ዝኣመሰሉ ዓየዕነታት ትምህርቲ ይህብ።

9.ቺካጎ ኒቨርሲቲ

ታሽዓይ ደረጃ ሒዙ ዝርከብ እዚ ትካል ድማ ሶሻል ሳይንስ፥ ባዮሎጂ፥ ኢኮኖሚክስንና ቢዝነስን ዝኣመሰሉ ዓይነታት ትምህርቲ ብኢንተርኔት ብነፃ ይህብ።

10. ዩኒቨርሲቲ ፔንሲልቫንያ

ማርኬቲንግ፥ ባዮሎጂ፥ ኢኮኖሚክስ፥ ታሪክን ፍልስፍናን ዝኣመሰሉ ዓይነታት ትምህርቲ ኣብዚ ትካል ይወሃቡ።