ማሕበር ቀይሕ መስቀል፡ ኣብ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣብ ኣፍሪቃ ልዕሊ 44 ሽሕ ሰባት ጠፊኦም

ኣብ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣብ ሃገራት ኣፍሪቃ ብዓሰርታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ከም ዝጠፍኡ ተገሊጹ።

ኣብዚ ሕጂ እዋን ኣብ መላእ ኣፍሪቃ ልዕሊ 44 ሽሕ ሰባት ምጥፍኦም ከም ዝተረጋገጸ ኮሚቴ ዓለምለኸ ቀይሕ መስቀል ኣፍሊጡ።

እቲ ኮሚቴ ንዓለም ለኸ መዓልቲ ምጥፋእ ኣመልኪቱ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ፡ ካብዚኦም እቶም 45 ሚኢታዊት ህጻናት ምዃኖም ሓቢሩ።

ካብዞም ጠፊኦም ዘለው 82 ሚኢታዊት ብምኽንያት ጎንጺ ይሕመሳ ካብ ዘለዋ ሃገራት ጥራሕ ምዃኖም እውን ይሕብር።

ኣብ ኣፍሪቃ ካብ ዝጠፍኡ ሰባት ብጠቕላላ ልዕሊ ፍርቂ ካብ ናይጄሪያ ኮይኖም፡ ኣብታ ሃገር ኣስታት 24 ሽሕ ሰባት ከም ዝጠፍኡ ተሓቢሩ።

ምጥፋእ ብዙሓት ሰባት ካብ ዘመዝገባ ካልኦት ሃገራት ኣፍሪቃ ድማ ኢትዮጵያ፣ ደቡብ ሱዳን፣ ሶማሊያ፣ ሊቢያ፣ ዲሞክራቲክ ሪፐብሊክ ኮንጎን ካሜሩንን ይርከብአን።

እቲ ኮሚቴ ኣብ ዘውጽኦ መግለጺ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብዝተልዓሉ ጎንጺታትን ካልኦት መጥቃዕታትን ቑጽሪ ኣብታ ኣህጉር ዝጠፍኡ ሰባት እናወሰኸ ምምጽኡ ሓቢሩ።

ብምኽንያት ዝርግሐ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ብዝተነብሩ እገዳታት፡ እቶም ዝጠፍኡ ንምርካብን ምስ ስድራቤቶምን ንምሕዋስን ዝግበር ጻዕሪ ከም ዝተዓናቐፈ'ኳ እንተገለጸ እቶም ዝጠፍኡ ሰባት ግን ዝተረስዑ ኣይኮኑን ኢሉ።