እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ተመራመርቲ፡ ኣብ ሰሜናዊ ዋልታ እታ ኣዝያ ጫፍ ዝኾነት ደሴት ረኺቦም
ተመራመርቲ ኣብ ሰሜናዊ ዋልታ ናይ ምድሪ እታ ኣዘያ ጫፋ ዝኾነት ደሴት ከምዝረኸቡ ኣፍሊጦም።
እታ ደሴት ናይ ሰሜናዊ ዋልታ ጫፍ ምዃና ብኣጋጣሚ'ዩ ተፈሊጡ።
እቶም ተመራመርቲ ኣብታ ኣብ 1978 ዝተረኸበት ኦዳቅ ዝተብሃለት ደሴት ንምርምር ዝኾኖም ቅምሶ ንምእካብ ኣብ ዝኸድሉ፡ እታ ዝዓለቡላ ደሴት ካብ ጫፍ ሴማናዊ ዋልታ 800 ሜትሮ ጥራይ ርሒቓ ከምእትርከብ ከስተብህሉ ኽኢሎም።
እታ 1800 ትርብዒት ሜትሮ [60 ብ 30 ሜትሮ) ስፍሓት ዘለዋ ደሴት ኣካል ናይ ግሪንላንድ ኮይና፡ እታ ናብ ጫፍ ሰሜናዊ ዋልታ ዝቐረበት ደሴት ምዃና እቶም ተመራመርቲ ገሊጸም።
መራሒ እቶም ተመራመርቲ ሞርተን ራሽ ከምዝበሎ፡ እታ ደሴት ተመራመርቲ ዴንማርክን ስዊዘርላንድን ብጽምዲ ኣብ ዝገበርዎ ዝነበሩ መጽናዕቲ ምርካባ ኣበሲሩ።
ኣብ ዩኒቨርስቲ ግሪንላንድ መምህር ኮይኑ ዝሰርሕ ሞርተን ራሽ ናይቲ ወፍሪ ምርምር መስራቲ'ውን እዩ።
"ውጥንና ንደሴት ኦዳቅ ምጽናዕ እዩ ነይሩ፡ ደሴት ኦዳቕ ክሳብ እዚ ንሕና ዝገበርናዮ ምርምር እታ ኣብ ሰሜናዊ ዋልታ እትርከብ ደሴት እናተብሃለት እያ ክትጽዋዕ ጸኒሓ" ይብል።
እቶም ተመራመርቲ ኣብታ ደሴት ናይ ዝርከቡ ፍጥረታት'ዮም ቅምሶ'ዩ ዕላማ ወፍሮም።
እቶም ሽዱሽተ ተመራመርቲ ብሄሊኮፕተር ኣብ ከባቢ ደሴት ኦዳቅ ምስ በጽሑ ኣብቲ ከባቢ ቦሶላ [ሓባሪ ኣንፈት] ስለዘይሰርሕ ነታ ደሴት ከምዝሰኣንዋ ይገልጹ።
"ስለዝሰኣንናያ ነታ ደሴት ክንደልያ ጀሚርና፡ ድሕሪ ደቓይቕ ብዙሕ ዝረአ ነገር ዘይብሉ ጭቃ ዝበዝሖ ቦታ ረኺብና፡ ብብረድ ዝተኸበበት ደሴት እያ" ይብል ሞርተን ራሽ።
ብምስዓብ "ኣብ ከምዚ ኣጋጣሚ ኢና ናይ ኣብ ሰሜን ዋልታ እታ ኣዝያ ጫፍ ዝኾነት ደሴት ከምዝረኸብና ክንፈልጥ ክኢልና" ይብል።
ሞርተን ራሽ "ኣብ ሰሜናዊ ዋልታ ኣብታ ኣዝያ ጫፍ ዝኾነት ደሴት ብእግሮም ካብ ዝረገጹ ሽዱሽተ ሰባት ምዃነይ ኣዝየ ሕጉስ እየ" ኢሉ።
እቶም ተመራምርቲ እታ ደሴት 'ኳከርታክ ኣቫንራልክ' ተባሂላ ክትጽዋዕ'ዩ ድሌቶም፡ ኳከርታክ ኣቫንራልክ ብቋንቋ ግሪንላንድ፡ ኣብ ጫፍ ሰሜን ትርከብ ደሴት ማለት'ዩ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ነበር ዶናልድ ትራምፕ ኣብ 2019 ኣብ ዝሃቦ ቃል፡ ኣመሪካ ንክፋል ሰሙናዊ ዋልታ ናይ ምግዛእ ድሌት ከምዘለዋ እኳ እንተገለጸ፡ ዶባታ ክሳብ ጫፍ ሰሜን ዝዝርጋሕ ዴኒማርክ ግን፡ ነቲ ሕቶ ምንጻጋ ዝዝከር እዩ።