ኣብ ልዕሊ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ዝበጽሕ ዓመጽ ዝቃወም ሰላማዊ ሰልፊ ተኻይዱ

ኣብ ልዕሊ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ይፍጸም ኣሎ ንዝበልዎ ግፍዒ ዝቃወሙ ሰልፈኛታት ኣብ ፊት ኤምባሲ ስዑዲ ዓረብ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ድምጾም ኣስሚዖም።

እቶም ሰልፈኛታት ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያውያን ዝበጽሕ ማእሰርቲ፣ ግፍዕን መከራን መንግስቲ ስዑዲ ደው ከብሎ ከም ዝሓተቱ መራኸቢ ብዙሓን ውሽጢ ሃገር ጸብጺበን።

ኣብታ ብሃብቲ ነዳዲ ዝበልጸገት ስዑዲ ዓረብ ዝነብሩ ብኣማኢት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያን ክህልው እንከለው፤ መብዛሕትኦም ሕጋዊ ናይ ስራሕ ፍቓድ ዘይብሎም እዮም ብዝብል ኣብ ዝተፈላለየ እዋናት ንምንክልባትን ማእሰርትን ከም ዝተቓልዑ ይግለጽ።

ሓደ ሓደ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝነብሩ ኢትዮጵያን እቲ ኣብ ቀረባ እዋን ዘጋጥሞም ዘሎ ምንክልባት ዝተፈለየ ከም ዝኾነን ናይ መንበርን ስራሕን ወረቓቕቲ ንዘለዎም'ውን ከም ዘጠቓልል ይዛረቡ።

ኣብቲ ሎሚ ሰኑይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ተቓውሞ ሰልፈኛታት መንግስቲ ስዑዲ ኣብ ልዕሊ ኣብ ግዝኣቱ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ዝፍጽሞ ዘሎ "ማእሰርትን ምስቓይን ዝርከብዎ ካልእ ናይ ጭካነ ተግባራት" ደው ከብሎ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝርከብ ኤምባሲ እታ ሃገር ጻውዒት ኣቕሪቦም።

"ኣነውን ንወገነይ ድምጺ እየ" ብዝብል ጭርሖ ኣብ ዝተኻየደ ሰልፊ ዝተረኽቡ ሰባት፡ ኣብ ስዑዲ ኣብ ማእሰርቲ ኣብ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ደቂኣንስትዮ፣ ህጻናትን መንእሰያትን ይፍጸም ኣሎ ዝበልዎ ተግባር ደው ክብል ሓቲቶም።

ሓይልታት ጸጥታ ስዑዲ ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ሕጋውያን ኣይኮኑን ኣብ ዝብልዎም ስደተኛታት ብዘካይድዎ ግፋ ብዓሰርተታት ኣሽሓት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያን ኣብ ዝተፈላለዩ ኣብያተ ማእሰርቲ ከም ዝርከቡ ይግለጽ።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ ጸገም ዝርከቡ ዜጋታቱ ካብ ስዑዲ ዓረብ ናብ ሃገሮም ንምምላስ ይጽዕር ምህላውን ኣብ ዝተፈላለየ እዋን ብዙሓት ስደተኛታት ከምለሱ ከም ዝገበረን ይፍለጥ።

ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ዝሓሸ ናብራ ንምንባር ብዝብል ብጁቡትን ሶማልን ገይሮም ብዘይሕጋዊ መገዲ ስዑዲ ንምእታው ኣብ ዝፍትኑሉ ኣብ ባሕሪ ህይወቶም ከም ዝጠፍአ ብተደጋጋሚ ይግለጽ።

እቶም ሰሊጥዎም ናብ የመን ዝኣተው ናብ ስዑዲ ንምስጋር ንዕጡቓትን ንዘይሕጋውያን ኣሰጋገርትን ብዙሕ ገንዘብ ድሕሪ ምኽፋል ከቢድ ጸገማት ከም ዝገጥሞም ይዛረቡ።

ቢቢሲ ከምኡ'ውን ዝተፈላለዩ ዓለምለኻውያን ማዕከናት ዜናን ትካላት ተሓለቐቲ ሰብኣዊ መሰላትን ቅድም ኢሎም ዘውጽእዎም ጸብጻባት ከም ዝሕብርዎ፡ ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ኣብ ከባቢ ዶባትን ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ስዑድን ኣብ ኣሰቃቒ ኩነታት ተታሒዞም ኣለው።