እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣብ ስዑድ ዓረብ ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ንስነ ኣእምሮኣዊ ጸገማት ከምዝተቓልዑ ገሊጾም
ኣብ ስዑድ ዓረብ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ብፖሊስ እናተሃደኑ ይእሰሩ ከምዘለዉ ንቢቢሲ ተዛሪቦም፡፡
ንልዕሊ ሓደ ዓመት ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዝጸንሑ ካልኦት ኢትዮጵያውያን ድማ፡ መንግስቲ ናብ ሃገሮም ክመልሶም ስለዘይከኣለ፡ ገሊኦም ብጭንቀት ንሕማምን ስነ ኣእምሮኣዊ ጸገማትን ከምዝተቓልዑ ገሊጾም፡፡
ኣብ ስዑድ ዓረብ፡ ፍሉይ ልኡኽ ኢትዮጵያን ኣምባሳደርን ሌንጮ ባቲ ምስ ሓለፍቲ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ እታ ሃገር ኣብ ጉዳይ ርክብ ክልቲአን ሃገራትን ኣብታ ሃገር ዘለዉ ስደተኛታትን ኣመልኪቶም ብኣቆጻጽራ ግእዝ ሰንበት 6 ሰነ 2013 ከምዝተዘራረቡ፡ እቲ ኤምባሲ ኣብ ፌስቡክ ገጹ ሓቢሩ ኣሎ፡፡
ኣብቲ ዘተ ብዛዕባ ኣብ ቤት ማአስርቲ ዝርከቡ፣ መንበሪ ፍቓዶም ግዘ ዝሓለፎን ብዘይሕጋዊ መገዲ ናብታ ሃገር ዝኣተዉን ኢትዮጵያውያን ከምዝተዘራረቡን ነቲ ጉዳይ ፍታሕ ንምሃብ ብሓባር ይሰርሑ ከምዘለዉን እቲ ሓበሬታ ኣመልኪቱ፡፡
መንእሰይ ነሚድ ዑስማን፡ ሹመሲ ተባሂሉ ኣብ ዝጽዋዕ ቤት ማእሰርቲ ጅዳ ንልዕሊ ሓደ ዓመት ተኣሲሩ፡፡
ንሱ ይሰርሐሉ ካብ ዝነበረ ከተማ ርያድ ተታሒዙ፡ ኣብ ገጠር ከባቢ ሪያድ ንሓሙሽተ ወርሒ ምስተኣሰረ ናብቲ ሕዚ ዝርከበሉ ቤት ማአሰርቲ ጅዳ ከምዝተዛወረ ይገልጽ፡፡
ኣብ ጅዳ ምስተኣሰሩ ዋላ‘ኳ ናብ ኢትዮጵየ ክምለሱ ድልየት እንተነበሮም፡ ዝሓተና ናይ መንግስቲ ኣካል ግን ኣይረኸብናን ይብል፡፡
‘‘ቅድሚ ሕዚ ካብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ዘዛርበና ሰብ እንተረኸብና ኢልና ንሰለስተ መዓልትን ልዕሊኡን ናይ ምግቢ ምሕሳም ኣድማ ጌርና ነይርና፡፡ ኮይኑ ግና ‘ግደፉዎም፤ ኣብኡ ይኹኑ’ ዝብል መልሲ ከምዝሃቡ ፖሊስ ነጊሮምና’’ ይብል፡፡
መንግስቲ ኢትዮጵያ ሰሙናዊ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ይመልስ ከምዘሎ እዩ ዝገልጽ፡፡
እዚ መንእሰይ ግና ‘‘ ከምቲ እንሰምዖ ዜና እንተኾይኑ መንግስቲ ዝበዝሕ ኣብ ርያድ ካብ ዝርከቡ እዩ ናብ ሃገር ዝመልስ ዘሎ፡፡ ንሕና ድማ ዝተፈላለየ ሕማማት ንዘለዎም ይመልስ ከምዘሎ ኢና ንሰምዕ፡፡ ካብዚ ወጻኢ ግን ካበይ ይወስድ ከምዘሎ ኣይርደአናን’’ ብምባል ቅረትኡ ይገልጽ፡፡
‘‘ ኣብዚ ኣብ ጅዳ ዘለና ንግለል ኢና፡፡ ኣብዚ ኣነ ዘለኹዎ ቤት ማአሰርቲ ብውሑድ 30 ሽሕ ኣለና፤ ኣብታ ዘለኹዋ ክፍሊ ድማ ልዕሊ 100 ሰባት ብሓደ ንነብር፡፡’’
ካልእ ቢቢሲ ዘዘራረቦ መሓመድ ኑር ያሲን ብወገኑ፡ ኣብ ከተማ ጅዳ ኣካላት ጸጥታ ንዜጋታት ኢትዮጵያ እናኣረዩ ይኣስሩዎም ከምዘለዉ ይገልጽ፡፡
ብፍላይ ካብ ዝሓለፈ ሰሙን እቲ ግፋ እናሓየለ ከምዝመጸ ዝገልጽ መሓመድ፡ ኣብታ መዓልቲ ልዕሊ 500 ዝኾኑ ኢትጵያውያን ከምዝተትሓዙ ይፈልጥ እየ ኢሉ፡፡
‘‘ነቶም ዝሓዞዎም ልዕሊ 500 ዝኾኑ ኢትዮጵያውያን ናብ ቤት ማእሰርቲ ኣይወሰዱዎምን፡፡ ኣብ ሓደ ቀጽሪ እዮም ኣቐሚጦምዎም፡፡ ንኢትዮጵያውያን ጥራሕ እዮም ዝደልዩ፡፡ ጥፍኣት ዝፈጸመ ካልእ ኣካል እኳ እንተኾነ እናተደለየ ዝእሰር ዘሎ ግን ናይ ኢትዮጵያ ዜጋ ጥራሕ እዩ’’ ይብል፡፡
‘‘ ሰብ ኣብ ከተማ ክዛወር ኣይኽእልን፤ ሽዱሽተ መዓልቲ ኮይኑ ኣሎ፡፡ ውጽእ ኢልና ምግቢ ክንገዝእ ኣይንኽእልን፡፡ ኣነኳ ሕዚ ተሓቢአ እየ ዘለኹ፡፡’’
ብተወሳኺ ኣካላት ጸጥታ እታ ሃገር ንኢትዮጵያውያን እንትሕዙ ‘‘ከም ሰብ ዘይኮነስ ከም እንስሳ እዮም ዝወቕዑ’’ ክብል የረድእ መሓመድ፡፡
አቶም ዝተትሓዙ ክሳብ ሕዚ ኣብ ሓደ ቀጽሪ ከምዘለዉን ናብ ቤት ማእሰርቲ ሺሙሲ ከምዘይወሰድዎምን እውን ይሕብር፡፡
ንሕማም ንቃላዕ ኣለና
መንእሰይ ነሚድ፡ ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ እኹል ኣየር ስለዘይረኽቡ ንዝተፈላለዩ ሕማማት ይቃልዑ ከምዘለዉ ብምግላጽ ሕክምናዊ ኣገልግሎት እውን ከምዘይረኽቡ ይዛረብ፡፡
‘‘ዝሓመመ ሰብ ካብ ክፍልና ኣውጽኡልና እንተበልና እውን እሺ ኣይብሉን፡፡ ኮይኑ ግና ይገርፉናን ይቕጥቅጡናን፡፡ ብመግረፍትን ካልኦት ጉድኣታትን ኣእምሮኦም ዝሰሓቱ (ዝዓበዱ) ኣለዉ፡፡ ኣብዚ’ኳ ምሳይ ብውሑድ ኣርባዕተ ሰባት ኣእምሮኦም ስሒቶም ኣለዉ፡፡ ሕቶ እዞም መናእሰይ ናብ ዓዶም ክምለሱ እዩ፤ ሓደሽቲ እውን ይተሓዙ ኣለዉ፡፡ ቅድሚ ሐዚ ዝተኣሰሩ እውን ናብ ዓዶም ይምለሱ የለዉን’’ ብምባል ገሊጹ፡፡
ኣብ ርያድ ቅድሚ ኣርባዕተ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ዝተኣሰሩ ናብ ሃገሮም ይውሰዱ ከምዘለዉ ዝገልጽ እዚ መንእሰይ፡ ኣብ ጅዳ ንነዊሕ እዋን ዝተኣሰሩ ግን ከምዝተረስዑን እዚ ድማ ከምዘሕዘኖን ይዛረብ፡፡
‘‘መንግስቲ ክገልጽ እንከሎ ‘መንግስቲ ስዑድ ዓረብ ኣብ መጽንሒ ቦታ ዘጽነሖም’ እዩ ዝብል፡፡ ንሕና ግን ኣብ መጽንሒ ዘይኮነስ ንወዲ ሰብ ዘይሙቸን ክብሪ ኣብዘይብሉን ውሽጢ ገዛ ተዳጒንና ኢና ዘለና’’ ይብል፡፡
ምላሽ መንግስቲ ኢትዮጵያ
ቅድሚ ሕዚ መንግስቲ ኢትዮጵያ፡ ኣብ ስዑድ ዓረብ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ዘለዉን ናብ ሃገሮም ክምለሱ ዝደልዩን ኢትዮጵያውያን፡ በቢሰሙኑ ናብ ሃገሮም ይመልስ ከምዘሎ ይገልጽ ነይሩ፡፡ በዚ ድማ ብዙሓት ኢትዮጵያውያን ናብ ሃገሮም ተመሊሶም እዮም፡፡
ዋላኳ ብዛዕባ እቲ ኣድልዎ ይፍጸመና እዩ ዝብል ክሲ እቶም ስደተኛታት ዝተባህለ ነገር እንተዘየለ፡ መንግስቲ ኢትጵያ ምስ መንግስቲ ስዑዲ ሓቢሩ ይሰርሕ ከምዘሎ እዩ ዝገልጽ፡፡
ፍሉይ ልኡኽ መንግስቲ ኢትዮጵያን ኣብ ስዑድ ዓረብ ኣምባሳደርን ሌንጮ ባቲ፡ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያውያን ስደተኛታት ኣመልኪቱ ምስ ዝምልከቶም ሰበስልጣን ስዑዲ ከምዝተዘራረበ እቲ ኤምባሲ ገሊጹ እዩ፡፡
ኣብቲ ጉዳይ ስደተኛታት ኣመልኪቶም ዘካየድዎ ዘተ፡ ናብ ሃገሮም ክምለሱ ዝደልዩ ኢትዮጵያውያን፡ ብዘይ ቅጽዓት ገንዘብን ማእሰርትን ናብ ሃገሮም ምምላስ ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታት ከምዝተዘራረቡ ሓበሬታ እቲ ኤምባሲ የመልክት፡፡
ብተወሳኺ ብዛዕባ እቶም ኣብ ቀረባ እዋን ፖሊስ ገፊፉ ዝኣሰሮምን ኣተሓሕዛ ሰብኣዊ መሰላትን ብዝርዝር ከምዝተዛተዩን ኣብታ ሃገር ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ብጥንቃቐን ትዕግስትን ክጽበዩን እቲ ኣብ ርያድ ዝርከብ ኤምባሲ ኢትዮጵያ ኣብ ፌስቡክ ገጹ ገሊጹ ኣሎ፡፡