ፖሊስ ኣውስትራልያ ኣንጻር ዕጽዋ ኮሮናቫይረስ ንዝተቓወሙ 218 ሰባት ኣሲሩ

ኣብ ሜልበርን 4 ሽሕ ዝኣኽሉ ሓያሎ ተቓወምቲ ንናይ ፖሊስ መስመር ምስጠሓሱ ፖሊስ መንብዒ ጋዝ ተጠቒሙ’ዩ። ከም ሳዕቤኑ ድማ 7 ኣባላት ፖሊስ ክድጉድኡ እንከለዉ 218 ተቓወምቲ ድማ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ፖሊስ ከምዝኣተዉ ተገሊጹ።

ኣብታ ዕጽዋ ንሓደ ወርሒ ዝተናውሐላ ከተማ ሲድኒ’ውን እንተኾነ ኣስታት ሓደ ሽሕ ፖሊስ ተዋፊሮም ነቲ ተቓውሞ ከምዝበተንዎ ተሓቢሩ።

እቲ ዕጽዋ ክናዋሕ ዝኸኣለ ድማ ሲድኒ ማእኸል ከተምኣ ዝገበረት ግዝኣት ኒው ሳውዝ ዌልስ 825 ሓድሽ መልከፍቲ ስለዘመዝገበት’ዩ። እዚ ድማ ኣብ ኣውስትራልያ ኣብ ውሽጢ 24 ሰዓታት ዝተመዝገበ እቲ ዝለዓለ ቁጽሪ ከምዝኾነ ተፈሊጡ።

ኣብ ርእሰ ከተማ ኵዩንስላንድ ዝኾነት ብሪስባኔ’ውን ልዕሊ 2 ሽሕ ሰባት ተኣኻኺቦም ሰለማዊ ሰልፊ ኣካይዶም። ፖሊስ ግዝኣት ቪክቶርያ ነቲ ኣብ ሜሌበርን ዝተወልዐ ናዕቢ ኮኒንዎ።

“ዋላ’ኳ ኣብ ገለገሊኡ ሰለማዊ ዝኾነ ተቓውሞታት እንተነበረ እቲ ዝበዝሕ ግን ኣብ ኣእምርኡ ከነዓዕብ’ዩ መጺኡ” ክትብል ወሃቢት ቃል መንግስቲ ምዝራባ ሲድኒ ሞርኒግ ሄራልድ ዝተብሃለ ጋዜጣ ጸብጺቡ።

ኣብ ምብታን እቶም ተቓወምቲ ዝተሳተፉ ፖላዊስ ተጻባእትን ሕንድያ ዘይብሉን ስጉምቲ ከምዝወሰዱ ዝሓበረት እታ ወሃቢት ቃል፡ እንተኾነ ንሱ ካብ ምግባር ካልእ ኣማራጺ ከምዘይነበሮም ኣዘኻኺራ።

እቶም ኣብ ቀይዲ ዝኣተዉ ሰባት ሕጊ ኮሮናቫይረስ ብምጥሓስ ነንሕድሕዶም 5,452 ዶላር ኣመሪካ ከምዝቅጽዑ ፖሊስ ዝሓበረ ኮይኑ ካልኦት 3 ሰባት ድማ ንፖሊስ ብምጥቃዕ ዝብል ክሲ ከምዝቐረበሎም ተገሊጹ።

ኣብ ቪክቶርያ ካብ ገዛኻ ናይ ዘይምውጻእ ኣዋጅ ዝተናውሐ ኮይኑ ዕላምኡ ድማ ነቲ ኣዝዩ ዝላባዕ ዘሎ ኮሮናቫይረስ ንምቁጽጻር’ዩ ተባሂሉ’ሎ። እቲ ኣብ ሲድኒ ዝተኻየደ ተቓውሞ 250 ሰባት ጥራይ ዝተሳተፍዎ ከምዝነበረ ይግለጽ።

ምክትል ኮምሽነር ፖሊስ ግዝኣት ኒው ሳውዝ ዌልስ ማል ላንዮን ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃቦ መብርሂ ሓደ ፖሊስ ብእቶም ተቓወምቲ ናብ ጽርግያ ተጎቲቱ ድሕሪ ምውሳዱ ከምዝተጎድአን ከም ሳዕቤኑ ድማ 47 ሰባት ኣብ ቀይዲ ምእታዎም ሓቢሩ።

ብሰንኪ እቲ ተቓውሞ ፖሊስ ናብ ከተማ ይኣትዋ ንዝነበራ ልዕሊ 38 ሽሕ መካይን ደው ከምዘበለን ፖሊስ ዝወሰዶ ስጉምቲ ሓሳብካ ብናጽነት ናይ ምግላጽ ንምግታእ እንተይኮነስ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ናይ ምዕጋት ስጉምቲ’ዩ ክብል እቲ ምክትል ኮምሽነር ተዛሪቡ።

እቲ ኣብ ከተማታት ሲድኒን ሜሌበርንን ዝተኻየደ ተቓውሞ ንምብታን ኣስታት 1500 ፖላዊስ ከምዝተዋፈሩን ኣባላት ፖሊስ ኣርኣያ ዝኾነ ዕዮ ከምዝወገኑን ሚኒስትር ፖሊስ እታ ሃገር ዴቪድ ኢልዮት ገሊጹ።

እቶም ተቓውምቲ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ንምግታእ ናይ ዕጽዋ ኣዋጅ ንሓደ ወርሒ ከምዝተናውሐ ምስተኣወጀ ኣብ ውሽጢ ሒደት ሰዓታት ደበኽ ኢሎም። ነበርቲ ሲድኒ ካብ ዝሓለፈ ወርሒ ሰነ ጀሚሮም ካብ ገዝኦም ንኸይወጽኡ ተኣዚዞም ዝነበሩ ኮይኖም እንተኾነ ግን ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን መጠን ረኽሲ ብዕጽፊ እዩ ወሲኹ።

ነቲ ብመንግስቲ ዝተኣወጀ ኣዋጅ እቶ እቶ ዝነቕፉ ሰባት እቲ ኣዋጅ ኣብ ምግታእ ኮሮናቫይረስ ውጽኢታዊ ከምዘይኮነ ይገልጹ።