እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ዛኪ ኣንዋር፡ ኣብ ነፋሪት ኣመሪካ ተንጠልጢሉ ካብ ኣፍጋኒስታን ንምውጻእ ዝፈተነ ስፖርተኛ ሞይቱ
ሰብ መዚ ኣፍጋኒስታን ሓደ መንእሰይ ተጻዋቲ ኩዕሶ እግሪ ካብ መዕርፎ ነፈርቲ ካቡል ትብገስ ኣብ ዝነበረት ወተሃደራዊት ነፋሪት ኣመሪካ ወዲቑ ህይወቱ ከም ዝሓለፈ ኣረጋጊጾም።
ወዲ 19 ዓመት ዛኪ ኣንዋር ተጻዋታይ ሃገራዊት ጋንታ መንእሰያት ኣፍጋኒስታን ዝነበረ እዩ።
ካልእ ዝርዝራት ኣማውታኡ ግና ኣይተገለጸን።
ጣሊባን ንኣፍጋኒስታን ደጊሙ ምስተቖጻጸረ፡ ሃገራት ምዕራብ ዜጋታተንን ምስኦም ዝሰርሑ ዝነበሩ ኣፍጋናውያንን ንምውጻአእ ኣብ ዝጓየያሉ ዝነበራ እዋን ብኣሽሓት ዝቑጸሩ ሰባት ናብ መዓርፎ ነፈርቲ ካቡል ክውሕዙ ተራእዮም።
ብሰኑይ ብኣማኢት ዝቑጸሩ ሰባት ኣብ ጎድኒ ነፋሪት ሓይሊ ኣየር ኣመሪካ ኣብ መብረሪ ጽርጊያ ክጎዩ ዘርእይ ቪድዮ ኣብ ማሕበራዊ መራኸቢታት ተዘርጊሑ። ገሊኦም ኣብታ ነፋሪት ክሓኹሩ ተራእዮም።
እታ ነፋሪት ድሕሪ ምብጋሳ እንተወሓደ ክልተ ሰባት ካብ ኣየር ወዲቖም ከም ዝሞቱ መራኸቢ ብዙሓን እታ ሃገር ጸብጺበን።
ሓይሊ ኣየር ኣመሪካ ብወገኑ እታ ነፋሪት ኣብ ቀጠር ምስ ዓለበት ኣስከሬናት ኣብ ገለ ክፋላት እታ ነፋሪት ኣስከሬናት ምርካቡ ኣረጋጊጹ።
ኣብ ሚኒስትሪ ትምህርቲ ዳይሬክተር ጀነራል ኣካለዊ ምንቅስቓስን ስፖርትን በቲ ንኣንዋር ዘጋጠሞ ከም ዝሓዘነ ብፌስቡክ ኣብ ዘመሓላለፎ መልእኽቲ ገሊጹ።
ኣስታት 4500 ወተሃደራት ኣመሪካ ነቲ ኣብ ርእሰ ከተማ ካቡል ዝርከብ ኣህጉራዊ መዕርፎ ነፈርቲ ካርዛይ ንግዚኡ ተቖጻጺሮምዎ ኣለው።
ሓይልታት ጣሊባን ነቶም ናይ መገሻ ሰነዳት ዘይብሎም ኣፍጋናውያን ናብቲ መዓርፎ ነፈርቲ ከይኣትው ክኽልክሉ እንከለው፤ እቶም ግቡእ ሰነዳት ዘለዎም'ውን ንምሕላፍ ብዙሕ ከም ዝጽገሙ ይግለጽ።
ፕረዚደንት ኣመሪካ ጆ ባይደን ነቲ ኣመሪካ ካብ ኣፍጋኒስታን ዝወጸትሉ ኣገባብ ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ ርእይቶ እቲ ዝበለጸ ውሳነ ምዃኑ ገሊጹ።
ንሱ ወሲኹ፡ ወተሃደራት ኣመሪካ ነቲ ምውጻእ ዜጋታት ከፈጽሙ፤ ኪንዮ እቲ ምስ ጣሊባን ስምምዕ ዝተገበረሉን ተተሊሙ ዝነበረን 31 ነሓሰ ኣብታ ሃገር ክጸንሑ ከም ዝኽእሉ ተዛሪቡ።