ምርጫ ዛምብያ፡ መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ሃካይንደ ሂቺለማ ተዓዊቱ

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ኣብ ዝተኻየደ ፕረዚደንታዊ ምርጫ መራሒ ተቓዋሚ ሰልፊ ሃካይንደ ሂቺለማ ምዕዋቱ ኮምሽን ምርጫ ዛምብያ ኣረጋጊጹ።

ሂቺለማ ነቲ ቀንዲ መቀናቕንቱ ዝኾነ ኣብ ስልጣን ዝርከብ ፕረዚደንት ኤድጋር ሉንጉ ብልዕሊ ሓደ ሚልዮን ድምጺ እዩ በሊጽዎ።

ሂቺለማ ንሻዱሻይ ግዜ እዩ ነታ ሃገር ንምምራሕ ዝተወዳደረ። ደገፍቱ ናብ ጎደናታት ርእሰከተማ ሉሳካ ብምውጻእ ሓጎሶም ይገልጹ ኣለው።

ሰብ መዚ ምርጫ ሰልፊ ግንባር ሓርበኛታት ካብ መደብራት ምርጫ ከም ዝተሰጎጉ ዝገልጽ ፕረዚደንት ሉንጉ እቲ ምርጫ ነጻን ፍትሓውን ኣይነበረን ክብል ኣቐዲሙ ከሲሱ ነይሩ።

ሰልፊ ሚስተር ሂቺለማ ዝኾነ ሰልፊ ሓድነት ንሃገራዊ ልምዓት ኣብ ዝሃቦ ምላሽ ግና እቲ መግለጺ "ናይቲ ካብ ስልጣን ዝውገድ ዘሎ ምምሕዳር ናይ መወዳእታ ናይ ቀቢጸ ተስፋ ተግባር'ዩ" ኢሉ።

ኣብቲ ምርጫ ንምስታፍ 7 ሚልዮን ሰባት ክምዝገቡ እንከለው፡ ሚስተር ሂቺሊማ 2,810,777 ድምጺ፡ ሚስተር ሉንጉ ድማ 1,814,201 ድምጺ እዮም ረኺቦም።

ንሽዱሽተ ዓመታት ኣብ ስልጣን ዝጸንሐ ምምሕዳር ፕረዚደንት ሉንጉ፡ ብግህሰት ሰብኣዊ መሰላት፡ ብልሽውና፡ ምንቁልቋል ቁጠባን እናወሰኸ ብዝመጽአ ሽቕለት ኣልቦነትን ይንቀፍ።