ብሩዋንዳ ዝሕገዝ ሰራዊት ሞዛምቢክ ንኣገዳሲት ወደባዊት ከተማ ካብ ዕጡቓት መንዚዑ

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ናብ ሞዛምቢቅ ዝተልኣኹ ወተሃደራት ርዋንዳ

ምንጪ ስእሊ, Reuters

ወተሃደራት ሩዋንዳን ሞዛምቢክን ሓንቲ ወሳኒት ወደባዊት ከተማ ካብ ዕጡቓት ብምምንዛዕ መሊሶም ከም ዝተቖጻጸሩ ሓደ ወተሃደራዊ ሓላፊ ሩዋንዳ ተዛሪቡ።

እታ ወደባዊት ከተማ ኣብ ኣፍሪቃ እቲ ዝዓበየ ዕቑር ሃፍቲ ነዳዲ ኣብ ዝርከቦ ግዝኣት ካቦ ዴልጋዶ'ያ ትርከብ። ሰራዊት ሞዛምቢክ ከኣ ነታ ግዝኣት መሊሱ ኣብ ቁጽጽሩ ንምውዓል ይዋጋእ ኣሎ።

እዛ፡ ሞቺምቧ ዳ ፕረይዛ ዝተባህለት ወደብ ኣዝያ ኣገዳሲትን ናይቶም እስላማዊ ዕጡቓት ናይ መወዳእታ መዋፈሪ ቦታ ከም ዝነበረትን ይንገረላ።

እንተኾነ፡ እቶም ዕጡቓት ዛጊድ ብዛዕብ እዚ ዝሃቡዎ ርኢይቶ የለን።

ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ሩዋንዳ፡ ነቶም እስላማዊውያን ዕጡቃት ንምውጋእ ንሞዛምቢክ ንምድጋፍ ሓደ ሽሕ ወተሃደራት ከም ዝለኣኸት ኣፍሊጣ ነይራ።

በቲ ጎንጺ ልዕሊ 3 ሽሕ ሰባት እንትቕተሉ፡ 820 ሽሕ ሰባት ድማ ተመዛቢሎም ተባሂሉ።

ሰራዊት ሩዋንዳ "እታ ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ኣብ ኢድ እቶም ዕጡቓት ኣትያ ቀንዲ መዋፈሪ ኮይና ዝጸንሓት ከተማ ብወፍሪ ናይ ክልቲኤና ሃገራት ሓይልታት ጸጥታ ኣብ ኢድና ኣትያ ኣላ" ክብል ኣብ ትዊተር ጽሒፉ።

ወሃቢ ቃል እቲ ሰራዊት ኮሎኔል ሮናልድ ርዊቫንጋ፡ እታ ወደባዊት ከተማ ናይቶም ዕጡቓት ናይ መወዳእታ ግዝኣት እያ ነይራ ክብል ንኤኤፍፒ ተዛሪቡ።

ክልቲኦም ሰራዊት፡ ኣብ ልዕሊ እቶም እስላማዊ ዕጡቓት ዝጀመርዎ ናይ ሓባር ወተሃደራዊ ወፍሪ ከም ዝቕጽልሉ ወሲኹ ተዛሪቡ።

ሰራዊት ሞዛምቢክ ንዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓመታት ምስቶም ዕጡቓት ክዋጋእ'ኳ እንተጸንሐ፡ ክዕወት ኣይከኣለን ነይሩ ተባሂሉ።