እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ጀርመን፡ ኣብ ገዝኡ ታንኪ ዝተረክቦ ጡረተኛ ብገንዘብ ተቐጺዑ
ኣብ ጀርመን ዝርከብ ሓደ ጡረተኛ፡ ታንኪ ሓዊሱ ብርክት ዝበለ ኣጽዋራት ኣብ መንበሪ ገዝኡ ሓቢኡ ክውንን ስለ ዝተረኸበ ገበነኛ ተባሂሉ።
እዚ ወዲ 84 ዓመት ውልቀሰብ ማእሰርቲ 14 ኣዋርሕ ክፍረዶ እንከሎ ልዕሊ 269 ሽሕ ዶላር’ውን ክኸፍል ተፈሪዱ።
ብ2015፡ ሰብ መዚ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ከተማ ሂከንዶርፍ ኣብ ዝርከብ መንበሪ ገዛ እቲ ተኸሳሲ ኣብ ካልኣይ ኲናት ዓለም ዝነበረ ታንክን ካልኦት ወተሃደራዊ ናውታትን ረኺቦም’ዮም።
ሰራዊት እታ ሃገር እዞም ኣጽዋራት ኣብ ምውጋድ ሓጊዙ’ዩ።
ብሰኑይ ቤት ፍርዲ እቲ ብመሰረት ሕጊ ሚስጢራውነት ሽሙ ዘይረቑሖ ውልቀሰብ ኣብ ውሽጢ ክልተ ዓመት እቲ ታንኪ ክሸጦ ወይ’ውን ብልግሲ ከረክቦ ከምኡ’ውን እቲ ኣብ ገዝኡ ዝተረኸበ መድፍዕ ጸረ ነፈርቲ ናብ ቤተ መዘክር ክኣቱ ኣዚዙ።
ጠበቓ እቲ ተኸሳሲ፡ ቤተ መዘክር ኣመሪካ ነቲ ኣብ እዋን ካልኣይ ኲናት ዓለም ዝነበረ ታንኪ ክዕድጎ ድልየት ከም ዘርኣየ ገሊጹ።
ብዙሓት ሙሁራት ታሪኽ ኣመሪካ፡ እቲ ታንኪ ኣብቲ ግዜ ኣብ ውግእ ካብ ዝውዓሉ ጀርመን ዝተጠቐመትሎም ፈጣን ተሽከርካሪ’ዩ ይብሉ።
እቲ ጠበቓ ወሲኹ ኣብ ጀርመን ጥንታዊ ናውታት ዝእክቡ ብርክት ዝበሉ ኣካላት፡ ሽጉጥን ጠበንጃን ዝርከቡዎም ካልኦት ትሕዝቶታት ንምእካብ ጠለብ ኣርእዮም’ዮም ምባሉ ጸብጻባት ካብታ ሃገር ሓቢሮም።
ሰብ መዚ ጀርመን፡ ብ2015 ሓበሬታ ምስ በጽሖም’ዮም ኣብ መንበሪ ገዛ እቲ ውልቀሰብ መርመራ ኣካይዶም።
ነቲ ታንኪ ኣብ ምውጻእ ኣስታት 20 ወተሃደራት ክሳተፉ እንከለው ትሸዓተ ሰዓት ወሲዱሎም።
ማዕኸናት ዜና ጀርመን ከም ዝበሉዎ፡ እቲ ውልቀሰብ ኣብ ሓደ ክረምቲ ነቲ ታንኪ ገይሩ ኣብ በረድ ክሓርስ ተራእዩ ነይሩ።