ማዳጋስካር ንፕሬዝደንት ክቐትሉ ወጢኖም ዝበለቶም ጀነራላት ኣሲራ

ምንጪ ስእሊ, AFP
ኣብ ማዳጋስካር፡ ፕሬዝደንት እታ ሃገርን ንምቕታል ምስ ዝተኻየደ ዝፈሸለ ዕልዋ መንግስቲ ርክብ ኣለዎም ዝተባህሉ ላዕለዎት ኣዘዝቲ ሰራዊትን ሓለፍቲ ፖሊስን ተኣሲሮም።
እቲ ማእሰርቲ ሓሙሽተ ጀነራላትን ብርክር ዝበሉ ሓለፍቲ ፖሊስን ዝርከቡዎም 21 ሰባት ዘካተተ ኮይኑ፡ ብዛዕባ እቲ ዝሓለፈ ወርሒ ዝተኻየደ ፈተነ ቕትለት ጠሚቱ መርመራ ይግበረሎም ኣሎ።
ሰብ መዚ መንግስቲ ምስዚ ብዝተኣሳሰር ብረትን 250 ሽሕ ዶላርን’ውን ከም ዝሓዙ ማዕኸን ዜና እታ ሃገር ገሊጹ።
እቲ ኣብ ልዕሊ ፕሬዝደንት ኣንድሪ ራጆሊና ተኻይዱ ዝተባህለ ፈተነ ቕትለት ክሳብ ሕጂ ኣብታ ሃገር ስንባደ ፈጢሩ ይርከብ።
ማዳጋስካር፡ ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ካብ ዝሓለፈ ዓመት ጀሚሩ ኣብ ዕጽዋ ዘላ ሃገር ኮይና ደቡባዊ ዞባ እታ ሃገር ሓደጋ ዓጸቦ ከም ዘጋጠሞ ይንገር።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ሰብ መዚ ነቲ ፕሬዝደንት ሓዊሱ ብርክት ዝበሉ ሰባት “ንምጥፋእን ንምግላልን” ዝነበረ ውጥን ከም ዘፍሸሉ ይዛረቡ።
ቅድሚኡ’ውን ኣዛዚ ፖሊስ እታ ሃገር ንምቕታል ፈተነ ተገይሩ ነይሩ።
ካብ ሞንጎ እቶም ሕጂ ኣብ ቀይዲ ዝርከቡ፡ እቶም 12 “ኣባላት ሰራዊትን ኣዘዝቲ ፖሊስን ኮይኖም ሓሙሽተ ጀነራላት፣ ክልተ ካፒቴንን ሓሙሽተ ልኡኽ ዘይብሎም መኮንናትን ይርከቡዎም” ክትብል ዓቃቢት ሕጊ በርቲን ራዛፊያርቮኒ ገሊጻ።
ኣርባዕተ ካብቶም ዝተኣሰሩ ኣብ ጥሮታ ዝነበሩ ናይ ውሽጢ ዓድን ወጻእን ኣባላት ፖሊስን ሰራዊት ምክልኻልን ከም ዝኾኑን ሓሙሽተ ድማ ስቪላውያን’ዮም ኢላ።
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ብርክት ዝበሉ ነበርትን ወጻእተኛታት ተኣሲሮም’ዮም።
ወዲ 47 ዓመት ፕሬዝደንት እታ ሃገር ብ2007 ብሰራዊት ተሓጊዙ ናብ ስልጣን ከም ዝደየበ ይፍለጥ።
ብ2018 ኣብ ዝተኻየደ መረጻ ድማ ተዓዊቱ፤ እቲ መረጻ ግን ምትላል ዝተፈጸሞ’ዩ ተባሂሉ ይንቀፍ።
እዛ ኣብ ትሕቲ ግዝኣት ፈረንሳ ዝነበረት ሃገር፡ ብ1960 ካብ ፈረንሳ ናጻ ካብ እትወጽእ ንድሓር ነዊሕ ታሪኽ ዕልዋ መንግስትን ዘይምርግጋእን ዘለዋ ኮይና ትርከብ።




![ኣብቲ መበል 48 ሓፈሻዊ ዋዕላ ሕቡራት ሃገራት ንወኪል ኤርትራ ዝመርሐ ሽዑ ምኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ዝነበረ ማሕሙድ ኣሕመድ ሸሪፎ [ጸ]፡ ኣብ ጐድኑ ኣቶ የማነ ገብረኣብ፡ ኣቶ ሓጐስ ገብረሂወት፡ ብድሕሪኡ ኣቶ የማነ ገብረመስቀል፡ ኣቶ ኣሚን ሓሰንን ካልኦትን ይረኣዩ።](https://ichef.bbci.co.uk/ace/ws/400/cpsprodpb/1ffe/live/bf49b970-b354-11f0-ad84-99ce12c6004d.jpg.webp)







