ኣብ ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ቴሌኮም ዘቕርብ ተወሳኺ ትካል ዘለዎ ተስፋን ስግኣትን

ኣብ ኢትዮጵያ ኣገልግሎት ቴሌኮም ዘቕርብ ተወሳኺ ትካል ዘለዎ ተስፋን ስግኣትን

ሰራሕተኛ ባንኪ ዝኾነ ነባሪ ከተማ ጅማ መሓመድ ኣባጋሮ፡ ሞባይል ስልኩ ኩሉ ነገሩ ከም ዝኾነት ይዛረብ።

ንርክባት ካብ እትህቦ ኣገልግሎት ብተወሳኺ ንዕድጊትን ምንቅስቓስ ገንዘብን እውን ዝለዓለ ረብሓ ከም ዘለዋ ይገልጽ።

እዚ ንምግባር ግን ኣገልግሎት ኢንተርኔት ክህልው ናይ ግድን ከም ዝኾነ ብምሕባር ሓድሽ ኣቕራቢ ኣገልግሎት ቴሌኮም ናብ ኢትዮጵያ ምምጽኡ ጽቡቕ ዕድል ከም ዝኾነ ይዛረበ።

“ውድድር ክህልው ከሎ ጽሬት ኣገልግሎት ይውስኽ ዋጋ ግን ይንክይ። ኣነ ኣብ ጽሬት ከትኩሩ’ዮም ዝብል እምነት ኣለኒ። ጽቡቕ ቴክኖሎጂ መጺኡ ህዝብን ሃገርን ተረባሕቲ ዲጂታላዊ ስግግር ዝኾኑሉ ዕድል ሒዙ ክመጽእ እዩ” ክብል የረድእ።

ዓውዲ ቴሌኮም ንናይ ደገ ትካላት ዝኸፈተት ኢትዮጵያ፡ ጥምረት ዝተፈላለዩ ትካላት ንዝኾነ ፍቓድ ምሃብ ኣግልግሎት ቴሌኮም ኣብ ቀረባ እዋን ከምዝሃበት ይፍለጥ።

ካብቶም ኢትዮጵያ ኣቕሪባቶም ዝነበረት ክልተ ጨረታታት ነቲ ሓደ ዝተዓወተ ከኣ ጥምረት ሽድሽተ ትካላት ዝኾነ ‘ግሎባል ፓርትነርሺፕ ፎር ኢትዮጵያ’ ዝብል ስያመ ዘለዎ ትካል’ዩ።

ኬንያዊ ኩባንያ ሳፋሪኮም፣ ቮዳፎንን ሲዲሲ ግሩፕን ካብ ዩናይትድ ኪንግደም፣ ቮዳኮም ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ከምኡ’ውን ሲሚቶምን ዲኤፍሲን ካብ ደቡብ ኣፍሪቃ ናብ ኣገልግሎት ዓውዲ ቴሌኮም ኢትዮጵያ ንምእታው ፍቓድ ከም ዝረኸቡ ይዝከር።

ውድድር . . .ቴክኖሎጂ፣ ጽሬትን ዋጋን

ነባርነታ ኣብ ኬንያ ዝኾነት ኣብ ‘ግሎባል ሻትዳውን’ ኣካያዲት ስራሕ ፖሊሲ ኣፍሪቃ ዝኾነት ብርሃን ታዬ፡ እዞም ሓደሽቲ ኣቕረብቲ ኣገልግሎታት ቴሌኮም ህዝቢ ክራኸብ ካብ ምግባር ብተወሳኺ ንቑጠባ እታ ሃገር ከም ዘነቓቕሑ ትዛረብ።

“ንኣብነት ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከቡ ከም ራይድን ፈርን ዝበሉ ኣገልግሎት ታክሲ ዝህቡ ትካላት ምስ ዓማዊሎም ዝራኸቡሉ መገዲ ስልክን ኢንተርኔትን ብምጥቃም’ዩ። ብተወሳኺ ድማ ኣብዚ እዋን ትማሃሮ ብሰንኪ ለበዳ ኮሮናቫይረስ ትምህርቶም ብኢንተርኔት ዝከታተሉሉ ኩነታት’ዩ ዘሎ። ንሱ ጥራሕ’ውን ዘይኮነስ ኣብዚ እዋን ናይ ኩላህና ህይወት ምስ ኢንተርኔት ዝተትሓሓዘ ኮይኑ’ሎ” ትብል

ብርሃን ምስቲ ኣብ ዝተፈላለዩ ዘፈራት ስራሕ ዝተዋፈረ ኣዲስ ኣለማየሁ ‘ኣግልግሎት ዘቕርቡ ትካላት ምብዝሖምን ዝገብርዎ ፉኽክርን ንተገልገልቲ ከም ጽቡቕ ዕድል ዝቑጸር’ዩ’ ብዝብል ዝህቦ ሓሳብ ትሰማማዕ።

“ብፍላይ ሕጉን ፖሊሲኡን ዝተመዓራረየ እንተኾይኑ እቶም ትካላት ብውድድር ናብ ተጠቀምቲ ዝሓሸ ኣገልግሎት ከቕርቡ እዮም። እዚ ከኣ ብቐዳምነት ዝስራዕ ረብሓ እዩ” ክትብል ተብርህ።

ልዕሊ 100 ዓመታት ኣብ ኢድ መንግስቲ ዝጸንሐ እንኮ ኣቕራቢ ኣገልግሎት ቴሌኮም ዝኾነ ኢትዮ-ቴሌኮም ዝህቦ ኣግልግሎት ምእተን ውድድር ዝረኣየለን ሃገራት ኣፍሪቃ ክነጻጸር ከሎ ኣዝዩ ዝተሓተ ምዃኑ ትሕብር።

“ብኢትዮ ቴሌኮም ዝቐርብ ኣገልግሎት ን100 ሚልዮን ህዝቢ እኹል ኣይኮነን። ስለዚ ምምጻእ ናይቶም ሓደሽቲ ትካላት ብዙሕ ለውጢታት ክህልው ዝገብር’ዩ” ትብል።

“ብመንጽር ሰብኣዊ መሰላት ክሪኦ ከለኹ ኸኣ ዝሓሸ ኢንተርኔት ምህላዉ ከም ናጽነት ሓሳብካ ምግላጽን ሓበሬታ ምርካብን ዝበሉ መሰላት ክሰፍሑ ይገብር’ ክትብል ከኣ ወሲኻ ትገልጽ።

ኣብ ኬንያ፡ ዩኒቨርሲቲ ስትራትሞር ተመራማሪት ዝኾነት ብርሃን ኣዲሱ ብወገና እቲ ጥምረት ኩባንያታት ዝኾነ ትካል ናብ ኢትዮጵያ ምእታዉ ዕድል ስራሕ ከም ዝፈጥር ዘለዋ እምነት ትዛረብ።

“መንግስቲ ንኹሉ ዜጋ ዕድል ስራሕ ክፈጥር ኣይክእልን። ስልክን ኢንተርኔትን ከኣ ዕድል ስራሕ ክሰፍሕ ናይ ምግባር ተኽእሎ ኣለዎም። ንኣብነት ሳፋሪኮም ዝህቦ ኣገልግሎታት ብዙሓት ናብ ፈጠራ ስራሕ ክዋፈሩ ዝገበረ’ዩ” ትብል።

እንተኾነ እቶም ትካላት ናብ ኢትዮጵያ ክኣትዉ ኣብ ዝግበረሉ እዋን መምርሒ፣ ሕግን ፖሊሲን ብኣግባቡ ክትግበር ከም ዘለዎ ተስምረሉ።

ሓደሽቲ ‘ቢዝነሳት’

ንሓደሽቲ ጅማሮታት ቢዝነስ [‘ስታርትኣፕ’] ብሓሳብ፣ ብገንዘብን ዝተፈላለዩ ደገፋትን ኣብ ምጥንኻር ዝሰርሕ ኣዲስ ኣለማየሁ እቶም ትካላት ምምጽኦም ንኢትዮጵያ ከም ዝቕይራ እምነት ኣለዎ።

“ኣነ ንኢትዮጵያ ምስ ጎረቤት ሃገር ኬንያ እምበር ምስ ኣውሮጳን ኣሜሪካን ኣይኮንኩን ዘነጻጽራ። እቲ ዘሎ ክፍተት ኣዚዩ ሰፊሕ እዩ” ይብል።

ኣዲስ መስራቲ ናይቲ ‘ቃና’ ብዝብል ዝፍለጥ ጣቢያ ቴሌቪዥን እዩ።

ሓደሽቲ ናይ ቢዝነስ ዕድላት ናብ ምፍጣር ቅድሚ ክልተ ዓመታት ከም ዝኣተወ ዝዛረብ ኣዲስ እንተኾነ ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ኣግልግሎት ቴሌኮም ተስፋ ዘቑርጽ ከም ዝኾነ ኣይሓብአን።

“ንኣብነት ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ስራሕ ዝኣተወ ሓደ ሓሳብ ብሓደ መንእይን መሓዙቱን ዝማዕበለ እዩ። እዚ ቢዝነስ ኣብ ኣገልግሎት ቴሌኮም ዝተምረተ ኮይኑ ኣቑሑት ካብ ቦታ ናብ ቦታ የንቀሳቕስ። እዚ ዝፍጸም ከኣ ከምቲ ልሙድ ብዳላሎ ዘይኮንስ ብመተግበሪ [‘ኣፕሊኬሽን’] ኣቢልካ’ዩ። እዚ መተግበሪ ተጠቀምቲ ዝኸፍልዎ ተወሳኺ ገንዘብ ክተርፍ ዝገብር’ዩ” ክብል የረድእ።

እንተኾነ እኹል ኣገልግሎት ቴሌኮም እንተዘይሃልዩ፤ ቅልጡፍ ኢንተርኔት እንተዘይሃልዩን ዋጋ እንተዘይነክዩን ዋላ ዝኾነ ይኹን ሓሳብ እንተሃልወካ ናብ ዕዳጋ ምእታው ኣጸጋሚ ከምዝኾነ ድማ ወሲኹ ይገልጽ።

“ክልተ ወይ ሰለስተ ኣማራጺ ኣገልግሎት ዝህቡ ትካላት ኣብ ዝህልዉ ዋጋ ይንክይ፤ ኣገልግሎት እውን ይመሓየሽ። በዚ ድማ ተጠቀምቲ ተረባሕቲ ይኾኑ” ይብል

ንሓሳብ ኣዲስ ዘጠናኽር ርእይቶ ዘለዋ ብርሃን እዞም ትካላት ናብ ኢትዮጵያ ምእታዎም ነቲ ቀደሙ’ውን ድኹም ዝነበረ ንጥፈት ፈጠርቲ ዕድል ስራሕ ከነቓቕሖ ከም ዝኽእል ትዛረብ።

ምቁራጽ ኢንተርኔት

ኣዲስ “ንመጻኢ ናብ ዕዳጋ እነቕርቦ ቡንን ወርቅን ዘይኮን ርእሲ እዩ” ክብል ይዛረብ።

ነዚ ከብራህርህ ከሎ ከኣ “ሕዚ ብዘሎ ደረጃ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ጥራይ ሶፍትዌራት ዘማዕብሉ፣ መተግበሪታት [ኣፕሊኬሽን’] ዝፈጥሩ፣ ነዚ ስራሕቲ ሰሪሖም ንናይ ደገ ትካላት ዝሸጡ መናእይ ብዙሓት’ዮም። ጽፈት ኣግልግሎት ኢንተርኔት እናወሰኸ ክኸይድ ከሎን ዋጋ እንትንክይን ከምኡ’ውን መንግስቲ ነዞም መናእይ እንተደጊፉ እንታይ ክፍጥር ከም ዝኽእል ገምቱ” ይብል።

ኣብ ደገ ዘለዉ ትካላት ዝተፈላለዩ ስራሕቲ ናብ ኢትዮጵያ ዘይልእኹሉ ቀንዲ ምኽንያት እቲ ዘሎ ኢንተርኔት ዘተኣማምን ብዘይምዃኑ’ዩ።

“ንኣብነት ሕዚ ኣብ ኣሜሪካ ስለ ዘለኹ ንብዙሓት ትካላት ከዘራርብ ከለኹ ‘ፈቲንናዮ ኢና፤ ብዙሓት ብቕዓት ዘለዎም መናእሰይ ከም ዘለዉ ንፈልጥ ኢና ግን ከኣ ኢንተርኔት የሰክፈና’ ይብሉኒ። ምቁርራጽን ድኹም ቅልጣፈን ኢንተርኔት’ዩ እቲ ቀዳማይ ጸገም። ካልኣይ ድማ ጎንጺ ብዝተወለዐ ቁጽሪ እቲ ኣገልግሎት ክቋረጽ ምግባር’ዩ” ክብል ርእይትኡ የጠናኽር።

ኣብ ዝተፈላለዩ እዋናት ጎንጽታት ከጋጥሙ ከለዉ ኢንተርኔት ምቁራጽ ኣብ ኢትዮጶያ ዝተለመደ ተግባር’ዩ።

በዚ ምኽንያት ከኣ ኮነ ኢለን ኢንተርኔት ካብ ሞንጎ ዘተኣጓጉላ ሃገራት ኣፍሪቃ ሓንቲ ኮይና ትጥቀስ።

እሞ እዚ ደኣ ነቶም ዝኣትዉ ሓደሽቲ ትካላት ስግኣት’ዶ ኣይኸውንን?

“ብመንጽር እቲ ክሳብ ሕዚ ዘሎ ተሞክሮ እንተሪኢናዮ፡ ንመጻኢ እውን ምቁራጽ ከም ዝህልው ዝግመት’ዩ። ስለዚ እቲ ጥምረት ኩባንያታት ዝኾነ ትካል ናብ ኢትዮጵያ ክኣትው ከሎ በዚ ክህሰይ ይኽእል’ዩ። እንተኾነ እቶም ትካላት ኢንተርኔት ኣብ ዝዕጸወሉ እዋን ‘ንምንታይ ተዓጽዩ?’ ንዝብል ሕቶ ሓበሬታ ናይ ምቕራብ ግቡእ ኣለዎም። ስለዚ እንተወሓደ ነዚ ግልጽነት ሒዞም ከምዝመጽኡ ኢና ንግምት” ትብል ብርሃን።

ኣሉታዊ ጽልዋ?

እዞም ትካላት ናብ ኢትዮጵያ ክመጽኡ ከለዉ ብኣውርኡ ንዝረኽብዎ ረብሓ ኣብ ግምት ብምእታው ከም ዝኾነ ብርሃንን ኣዲስን ሓሳቦም ይገልጹ።

እቲ ዕዳጋ ሰፊሕን ፍልጠት ዘለዎም መናእሰይ ብብዝሒ ዝርከቡሉን ስለዝኾነ ይመጽኡ ምህላዎም ይሕብሩ።

“ከም በዓልቲ ሞያ ሰብኣዊ መሰላት እቲ ከጋጥም ይኽእል’ዩ ዝብሎ ሓደጋ ናይ ሰባት ውልቃዊ/ምስጢራዊ ጉዳያት ዝምልከት ውሕስነት’ዩ። ንኣብነት ኢትዮጵያ ሕጊ ሓለዋ ውልቃዊ መረዳእታ [‘ፐርሰናል ዳታ ፕሮቴክሽን’] የብላን። ናይ 100 ሚልዮን ህዝቢ ሓበሬታን መረዳእታን ኣሕሊፍካ ክትህብ ከለኻ ብኸመይ ዝበለ መገዲ እዩ? ብኸመይ ዝበለ ሕጊ እዩ ክምራሕ? ዝብል ወሳኒ ነገር’ዩ” ትብል ብርሃን።

እቶም ትካላት ዝተራቐቐ ቴክኖሎጂታት ሒዞም ስለ ዝመጽኡ ነቲ ህዝቢ ብዘይኣገባብ ክብለጹሉ ከም ዝኽእሉ ስክፍትኣ ብምግላጽ፡ ጉዳይ ስለላ እውን ካልእ ዘሻቕል ነገር ከም ዝኾነ ትሕብር።

እቶም ኩባንያታት ቅድሚ ምእታዎም እዞም ጉዳያት ክጽንዑን ሕጊ ክወጽኣሎምን ከም ዝግባእ ብምዝኽኻር “መንግስቲ ምስዚ ብዝተኣሳሰር ዘውጽኦ ሕጊ ንረብሓ ህዝቢ ዝሕልው ክገብሮ ኣለዎ” ትብል።