ኢትዮጵያውያን ኣትሌታት ንኦሎምፒክ ቶኪዮ ከመይ ተዳልዮም ኣለዉ?

ኣብ ውድድራት ኦሎምፒክ ቶኪዮ ካብ ሕሉፍ እዋናት ዝሓሸ ውጽኢት ንምምዝጋብ ከም ዝተዳለዉ ኣትሌታትን ኣሰልጠንትን ኢትዮጵያ ንቢቢሲ ተዛሪቦም።

እቲ ኣብ ጃፓን ቶኪዮ ዝካየድ ውድድራት ኦሎምፒክ ድሕሪ ጽባሕ ዓርቢ [23 ሓምለ 2021] ዝጅመር ኮይኑ ንኽልተ ሰሙን ክጸንሕ’ዩ።

ፌደሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ 35 ኣትሌታት ብምሓዝ ናብ ቶኪዮ ዝጓዓዝ ኮይኑ እቶም ኣትሌታት ኣብ 7 ዝተፈላለዩ ርሕቐታት ከም ዝወዳደሩ ተፈሊጡ’ሎ።

ናይ 5 ሽሕ 10 ሽሕን ርሕቐት ክብረወሰን ዓለም ዝሓዘት ኣትሌት ለተሰንበት ግደይ እውን ኣባል እቲ ኢትዮጵያ ትልእኾ ጉጅለ ኮይና’ላ።

ንምዃኑ ብወገን ኣትሌታት ዝተገበረ ምድላው እንታይ ይመስል? እንታይ ውጽኢት ትጽቢት ይግበር? ንዝብሉ ሕቶታት ምላሽ ንምርካብ ንገለ ኣትሌታት፣ ኣሰልጣንን ፕረዚደንት ፌደሬሽን ኣትሌቲክስን ኣዘራሪብና ኔርና።

ሰለሞን ባረጋ

ሰለሞን ንሃገሩ ወኪሉ ዝወዳደረሉ ርሕቐት 10 ሽሕ ሜትር’ዩ።

“ጽቡቕ ውጽኢት ክነምጽእ ኢና ኢለ እሓስብ። ክሳብ ሎሚ ኣብ 5 ሽሕ ሜትር ይወዳደር ነይረ። ኣብ 10 ሽሕ ተወዳዲረ’ኳ ዘይፈልጥ እንተኾንኩ [ስልቲ] ኣገይይኦም ግን እፈልጦ’የ። ክብረወሰን ምስ ዘለዎም ኬንያውያንን ኡጋንዳውያንን እየ ክወዳደር” ክብል ንቢቢሲ ተዛሪቡ።

እቲ ናይ 10 ሽሕ ሜትሮ ርሕቐት ውድድር ዓርቢ 23 ሓምለ 2021 ከም ዝካየድ ተፈሊጡ’ሎ።

ኣብዚ ውድድር ከኣ ብዘይካ ሰለሞን፡ ዮሚፍ ቀጀልቻን በሪሁ ኣረጋዊን ዝበሃሉ ኣትሌታት ንኢትዮጵያ ክውክሉ እዮም።

ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ናይ ኦሎምፒክ ውድድራት [ሪዮን ለንደንን] ብ 5ን 10ን ሽሕ ሜትሮን ተሸላሚ ወርቂ ዝነበረ መሓመድ ፋርህ ንተሳታፍነት ዘብቅዖ ሰዓት ከማልእ ብዘይምኽኣሉ ኣብ ቶኪዮ ኣይሳተፍን።

ደራርቱ ቱሉ

ኣትሌት ደራርቱ ቱሉ ኣብ ትሕቲ ሳህራ ካብ ዝርከባ ሃገራት ንፈለማ እዋን ኣብ ውድድራት ኦሎምፒክ ወርቂ ዝረኸበት ፈላሚት ጸላም ኣፍሪቃዊት ምዃና ይፍለጥ።

ሎሚ ድማ ንፌደሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ብምውካል ናብ ቶኪዮ ክትኸይድ’ያ።

“ገለ ጸገማት’ኳ ዘይሰኣኑ እንተኾኑ ምድላውና ግን ጽቡቕ እዩ። ኩሉ ዓወት ንምርካብ ተዳልዩ’ዩ ዝመጽእ ስለዚ ንሕና’ውን ንዓወት ተዳሊና ኣለና” ክትብል እታ ፕረዚደንት ፌደሬሽን ኣትሌቲክስ ኢትዮጵያ ተዛሪባ።

እቲ ፌደሬሽን ኣብ ውሽጢ ዓድን ወጻእን ካብ ዝተገበሩ ውድድራት ብዝወሰዶ ገምጋም መሰረት ኣብ ኦሎምፒክ ቶኪዮ ዝሳተፉ ኣትሌታት ክምልምል ኪኢሉ’ሎ።

“ፈጣሪ እንተሓጊዙና ውጽኢት ክነምጽእ ኢና ኢልና ንሓስብ። ለበዳ ኮቪድ-`19 ግን ከምልብና ከይንሰርሕ ኣተኣጓጒሉና እዩ” ኢላ ኣትሌት ደራርቱ።

ሹራ ቂጣታ

ኣትሌት ሹራ ቂጣታ ኣብ ኦሎምፒክ ንፈለማ እዋን’ዩ ክሳተፍ።

ሹራ ኣብ ውድድር ማራቶን ንኢትዮጵያ ዝውክል ኮይኑ “ንሃገርን ንውልቅናን ወርቂ ክነምጽእ ኣለና ብዝብል ኢና ንዳሎ ዘለና” ኢሉ።

ቅድሚ ሓደ ዓመት ኣብ ማራቶን ለንደን ንኬንያዊ ኢሊዩድ ኪፕቾጌ ብምስዓር ወርቂ መዳልያ ዝወሰደ እዚ ኣትሌት፤ ኣብ ለንደን እውን ምስቲ ወናኒ ክብረ ወሰን ማራቶን ክራኸብ’ዩ።

ምስ ሹራ ንኢትዮጵያ ዝውክሉ ኣትሌታት ከኣ ሌሊሳ ደሲሳን ሲሳይ ለማን ኮይኖም ኣለዉ።

ኣሰልጣኒ ሁሴን ሺቦ

ዋና ኣሰልጣኒ ነዊሕ ርሕቐት ዝኾነ ኮማንደር ሑሴን ሺቦ ኣብ ኦሎምፒክ ንኣትሌታት ሒዙ ክሳተፍ ከሎ እዚ ናይ ቶኪዮ ንሻድሻይ ጊዚኡ እዩ።

“ዝለዓለ ውጽኢት ንምምዝጋብ ኣትሌታትና ኮኑ ንሕና ብኣካልን ብስነልቦናን ድልዋት ኢና” ክብል ንቢቢሲ ርእይትኡ ሂቡ።

ኣሰልጣኒ ሑሴን ብ5ን 10ን ሽሕ ሜትሮ ንዝሳተፉ ኣትሌታት’ዩ ክመርሕ።

“ብደቂ ኣንስትዮን ደቂተባዕትዮን ዝሳተፉ ኣርባዕተ ጉጅለ ክመርሕ’የ። ቀዳማይን ካልኣይን ደረጃ ንምሓዝ ተሊምና ንሰርሕ ኣለና” ኢሉ።

ወሲኹ ቅድሚ ሎሚ ካብ ዝተመዝገበ ውጽኢት ዝሓሸ ኣብ ኦሎምፒክ ቶኪዮ ከም ዝምዝገብ ተስፋ ከም ዝገብር ተዛሪቡ።