እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሴካፋ፡ ሃገራዊት ጋንታ ብሩንዲ ንኤርትራ ሰለስተ ብባዶ ስዒራታ
ትማሊ ብሰንኪ ብርቱዕ ዝናብ ኣብ መበል 46 ደቂቕ ዝተቛረጸ ግጥም ሴካፋ ትሕቲ 23 ዓመት ኣብ ምድብ ክልተ ዝርከባ ሃገራውያን ጋንታታት ኤርትራን ብሩንድን፡ ሎሚ ካብ ሰዓት 11፡00 ናይ ንጉሆ ጀሚሩ ተኻይዱ።
ትማሊ ኣብ ዝተኻደ ጸወታ ቅድሚ ዕረፍቲ እዘን ሃገራውያን ጋንታት ኣብ መበል 15 ደቂቕ ሃገራዊት ጋንታ ብሩንዲ ዝረኸበታ ቅላዕ መቕጻዕቲ ቁጽሪ 19 ተጻዋታይ ሃገራዊት ጋንታ ብሩንዲ ሽሚርማና እስማዒል ናብ ሽቶ ቀይርዋ ኣብ መወዳእታ ጸወታ ቅድሚ ዕረፍትን ድሕሪ ዕረፍትን ዝናብ ስለዝበርተዐ ግን ማእከላይ ዳኛ ነቲ ጸወታ ከቋርጾ ተገዲዱ።
ካብ ትማሊ ተሰጋጊሩ ሎሚ ሰዓት 11 ቅድሚ ቀትረ ክካየድ መደብ ዝወጽኣሉ ጸወታ ሃገራውያን ጋንታታት ኤርትራን ብሩንድን ነቲ ትማሊ ከውድአኦ ዘይክኣላ 44 ደቃይቕ ንምምላእ እየን ናብ ሜዳ ወሪደን።
ንጸወታ ዓብሊሎም ዝጀመሩ ተጻወትቲ ሃገራዊት ጋንታ ብሩንዲ ሸቶ ከመዝግቡ 7 ደቓይቕ ጥራይ እዩ ወሲድሎም፡ ተጻዋታይ ሩኩንዱ ኢብራሂም ካብ ጸጋማይ ኩርናዕ ተቆሪጻ ዝመጽኣቶ ኩዕሶ ናብ ጎል ቀይርዋ ብሩንዲ ክልተ ኤርትራ ዜሮ።
ኣብ መበል 67 ደቒቕ ተጻዋታይ ጋንታ ኤርትራ ሮቤል ተክለሚካኤል ጽቡቕቲ ፈተነ እኳ ኣንተነበረ ሸቶ ክትኮነሉ ኣይክኣለትን።
ኣብ መበል 73 ደቂቕ'ውን ኣብ ልዕሊ ሃገራዊት ጋንታ ኢትዮጵያ ሰለስተ ሸቶታት ዘመዝገበ ዓሊ ሱሌማን ዝፈተነ ቅላዕ ዓንዲ ልዳት ሃሪማ ተመሊሳ።
ኣብ መበል 83 ደቂቕ ሃገራዊት ጋንታ ብሩንዲ ብመንግዲ ሀከዚማን ዒሳ ብርእሲ ዘመዝገባ ሸቶ ተሓጊዛ ዓወታ ከተውሕስ እንከላ ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ኣብ ዝተረፋ ደቓይቕ ሸቶ ከተመዝግብ ብዘይምእኽኣላ ጸወታ ብዓወት ሃገራዊት ጋንታ ብሩንዲ 3 ብዜሮ ተዛዚሙ።
ኣብ ምድብ 2 ዝርከባ ኤርትራ፤ ኢትዮጵያን ብሩንድን ብሩንዲ ነቲ ምድብ ብሰለስተ ነጥብን ሰለስተ ጸብለልታ ሽቶን ክትመርሖ እንከላ፡ ኢትዮጵያ ብሓደ ነጥቢ ብዘይ ናይ ጎል ዕዳ ኣብ ካልኣይ ኤርትራ ኸኣ ብሓንቲ ነጥቢ ሰለስተ ጎል ዕዳ ኣብ ሳልሳይ ደረጃ ትርከብ።
ክልቲኡ ናይ ምድብ ጸወታኣ ዝዛዘመት ሃገራዊት ጋንታ ኤርትራ ናብ ዝቅጽል ዙር ናይ ምሕላፍ ተክእሎኣ ኣዝዩ ዝማህመነ እኳ እንተኾነ፡ ሃገራዊት ጋንታ ብሩንዲ ንኢትዮጵያ ብገፊሕ ክትስዕራ፡ ከምኡ'ውን እተን ኣብ ምድብ ሓደን ምድበ ሰለስተን ካልኣይ ኮይነን ውድድረን ዝዛምም ክልተ ጋንታታት ልዕሊኣ ናይ ጎል ዕዳ ክህልወን እያ ክትጽበ።
ኣብዚ ካብ 17 ሓምለ ጀሚሩ ኣብ ኢትዮጵያ ከተማ ባህርዳር ዝካየድ ዘሎ ውድድር ሴካፋ ትሕቲ 23 ዓመት ትሽዓት ሃገራት ኣብ ሰለስተ ምድብ ተኸፊለን እየን ውድድረን ዘካይዳ ዘለዋ።
ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር ኣብ ሰለስተ ምድብ ዝተኽፍላ ትሽዓተ ሃገራውያን ጋንታታት'የን ዝሳተፋ ዘለዋ
- ኣብ ምድብ ሓደ - ሃገራውያን ጋንታታት ኡጋንዳ፣ ታንዛንያን ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎን
- ኣብ ምድብ ክልተ - ኣአንጋዲት ሃገር ኢትዮጵያ፣ ብሩንድን ኤርትራን
- ኣብ ምድብ ሰለስተ - ሃገራውያን ጋንታታት ጅቡቲ፣ ደቡብ ሱዳንን ኬንያን ተመዲበን ኣለዋ
ኣብዚ ናይ ሎሚ ዓመት ውድድር ሴካፋ ትሕቲ 23 ዓመት ሃገራውያን ጋንታታት ሶማልያ፣ ሱዳንን ዛንዚባርን ኣይሳተፋንየን ዘለዋ።
ኣብዚ ውድድር፡ ሃገራዊት ጋንታ ዲሞክራስያዊት ሪፓብሊክ ኮንጎ ዕድምቲ ኮይና እያ ትሳተፍ ዘላ።