እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ሃይቲ፡ ብቕትለት ፕረዚደንት ጆቭነል ሞይስ ‘ቀንዲ ዝጥርጠር’ ሰብ ከምዝኣሰረት ኣፍሊጣ
ፖሊስ ሃይቲ ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተፈጸመ ቕትለት ፕረዚደንት እታ ሃገር ብምውዳድ ቀንዲ ተጠርጣሪ እዩ ዝበሎ ዶክተር ከምዝኣሰረ ኣፍሊጡ፡፡
እቲ ኢማኑኤል ሳኖን ዝተባህለ ወዲ 63 ዓመት ሃይቲያዊ፡ ኣብ መጀመርታ ወርሒ ሰነ ‘‘ፖለቲካዊ ዕላማ’’ ሒዙ ብናይ ውልቀ ጀት ናብታ ሃገር ከምዝኣተወ ተገሊጹ።
ወዲ 53 ዓመት ጆቨነል ሞይስ፡ ኣብ ዝሓለፈ 7 ሰነ ብ 28 ዕሱባት ወጻእተኛታት፡ ኣብ መንበሪኡ ከምዝተቐተለ ፖሊስ ገሊጹ ነይሩ፡፡
በቲ መጥቃዕቲ ጉድኣት ዝበጸሓ በዓልቲ ገዝኡ ማርቲን ሞይስ ድማ ንሕክምና ናብ ኣመሪካ ተወሲዳ እያ፡፡
ንሳ እቶም ናብ ገዝኦም ጥሒሶም ዝኣተዉ ዕጡቓት ንበዓል ቤታ ብጠያይቲ ከምዝበሳስዕዎን፡ እቲ መጥቃዕቲ ብፍጥነት ስለዝተፈጸመ፡ በዓል ቤታ ‘‘ዋላ ሓንቲ ቃል’’ ክዛረብ ዕድል ከምዘይረኸበን ገሊጻ፡፡
ለውጢ ልእኽቶ
እቲ ሳኖን ዝተባህለ ውልቀ ሰብ ኣብ ቀይዲ ከምዝኣተወ፡ ትማሊ ሰንበት ፖሊስ ኣብ ርእሰ ከተማ እታ ሃገር ፖርታው ፕሪንስ ኣብ ዝሃቦ መብርሂ እዩ ተገሊጹ፡፡
እቲ ውልቀ ሰብ ናብታ ሃገር ብናይ ውልቀ ጄት ከምዝኣተወ ዝሓበረ ሓላፊ ፖሊስ ሊዮን ቻርለስ፡ ፈላማይ ዕላማ ነቲ ፕረዚደንት ምእሳር ከምዝነበረ ብምግላጽ ‘‘ዳሕራይ ግን እቲ ልኡኽቶ ተቐይሩ’’ ኢሉ፡፡ ዝርዝር ግን ኣይገለጸን፡፡
‘‘ንሕና ፡ ፖሊስ፡ ነቲ ወንጀል ምስፈጸሙ፡ ንግስጋሰ እቶም ሸፋቱ ደው ምስ ኣበልናዮ፤ ካብቶም ቀተልቲ ካብ ዝተደወሎም ሰባት ሓደ ክርስትያን ኢማኑኤል ሳኖን እዩ’’ ኢሉ፡፡
ንሱ ብግዲኡ ቀንዲ ሓንጸጽቲ ቅትለት ፕረዚደንት ጆቨነል ሞይስ ክኾኑ ይኽእሉ እዮም ተባሂሎም ናብ ዝጥርጠሩ ሰባት ከምዝደወለ እቲ ሓላፊ ፖሊስ ኣብሪሁ፡፡
ሓገዝ ኣመሪካ
ላዕለዋይ ልኡኽ ጉጅለ ሓለፍቲ ጸጥታን ፍትሕን ኣመሪካ፡ ኩነታት ጸጥታ ሃይቲ ንምዕዛብ ትማሊ ናብታ ሃገር ኣትዩ ኣሎ፡፡
እቲ ጉጅለ ምስቶም ሓድሕዶም ሕጋዊ መራሕቲ እታ ሃገር ከምዝኾኑ ዝገልጹ ዘለዉ ሰለስተ ፖለቲከኛታ እውን ክዘራረብ እዩ፡፡
ነቲ ቅትለት ስዒቡ፡ ኣመሪካን ውድብ ሕቡራት ሃገራትን ቀንዲ መሰረተ ልምዓት እታ ሃገር ንምሕላው ወታሃደራት ክልእኹ ሰበስልጣን ሃይቲ ሓቲቶም ነይሮም።
ኣብ መጀመርታ ነቲ ሕቶ ነጺግዎ ዝነበረ ምምሕዳር ባይደን፡ ኣብዚ እዋን ነቲ ኩነታት ብቐረባ ንምዕዛብ ወሲኑ ኣሎ፡፡
ጆቨነል ሞይስ፡ ካብ 2017 ኣኣ ጀሚሩ፡ ናይታ ኣብ ኣህጉረ ኣመሪካ ዝደኸየት ሃገር ፕረዚደንት ኮይኑ ጸኒሑ።
ጻንሒቱ ድማ ብሰንኪ ክሲታት ብልሽውናን ተቓውሞታትን ርግኣት ኣይነበሮን።
ተቓወምቲ እታ ሃገር ካብ መንበሩ ክወርድ ይጠልቡ ኣብ ዝነበሩሉ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት፡ እቲ ፕረዚደንት ንዕኡ ንምቕታልን መንግስቱ ንምዕላውን ዝተገበረ ፈተነ ከምዝፈሸለ ኣፍሊጡ ነይሩ፡፡
ነቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ዝተፈጸመ መጥቃዕቲ መን ኣዋዲድዎ? ንምንታይ? እቶም ቀተልቲ ብኸመይ ናብ መንበሪኡ ክኣትዉ ክኢሎም ዝብልን ካልእን ዛጊድ ኣይተመለሰን።
ሐዚ መን እዩ ንሃይቲ ዝመርሓ ዘሎ?
ሕገ መንግስቲ እታ ሃገር፡ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ካሊእ ፕረዚደንት ክመርጽ ኣለዎ እዩ ዝብል።
ኮይኑ ግና እቲ ኣብ ጥቅምቲ 2019 ክካየድ ዝነበሮ መረጻ ስለዝተናወሐ ክትዕ ኣልዒሉ ይርከብ።
ኣብታ ሃገር ዋላኳ ሓያሎ ተቓውሞታት እንተተገበሩ፡ እቲ ፕረዚደንት ብኣዋጅ እዩ ክገዝእ ጸኒሑ።
እቲ ኩሎም ዘይተረዳድኡሉ ቅዋማዊ ምምሕየሽ፡ እቲ ቀዳማይ ሚኒስተር ስልጣን ክሕዝ ከምዘለዎ እዩ ዝገልጽ።
እንተኾነ ሃይቲ፡ ጊዝያዊ ቀዳማይ ሚኒስተር ክላውዲ ጆሴፍን ሓድሽ ዝተመዘዘን ቃለ መሓላ ዘይፈጸመን ቀዳማይ ሚኒስተር ኤርያል ሄንሪን ኣለውዋ።
ብዓርቢ ድማ ሓደ ጉጅለ ፖለቲከኛታት ኤርያል ሄንሪ ተወካሊ ቀዳማይ ሚኒስተር ዝገበረ ጆሴፍ ላምበርት ፕረዚደንት ክኸውን ዝእዝዝ ውሳነ ኣሕሊፎም እዮም።