ኣብ ስዑድ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ብዝተፈጥረ ምስሕሓብ ዋጋ ነዳዲ ይውስኽ ኣሎ

ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ስዑዲ ዓረብን ብመጠን እቲ ከፍርየኦ ዘለወን ዓቐን ነዳዲ ስለዘይተሰማምዓ ንመበል ሻድሻይ ዓመት ብተኸታታሊ ዋጋ ነዳዲ ዓለም ብዘይምቁራጽ ይንህር ከምዘሎ ተገሊጹ።

ብሰንኪ እዚ ከኣ ኣብ መንጎ ወራስ ዓራት ስዑዲ ዓረብ መሓመድ ቢን ሳልማንን ልኡል ኣቡ ዳቢ መሓመድ ቢን ዛይድን ነቓዓት ከምእተፈጥረ ይሕበር ኣሎ።

እተን ብሰደድ ነዳዲ ዝፍለጣ 23 ሃገራት ኦፐክን ከም ሩስያ ዝኣመሰላ መሓዙት እቲ ማሕበርን ምስ ኮሮናቫይረስ ብዝተሓሓዝ ንዝሓለፈ 18 ኣዋርሕ ተኣኪበን ክዝትያ ብዘይምኽኣለን ንናህሪ ዋጋ ነዳዲ ኣጋዲዱዎ ኣሎ።

ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን፡ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ንዝመጽእ ሸሞንተ ኣዋርሕ እተፍርዮ መጠን ነዳዲ ክትንኪ: ኦፔክን መራሕቲ ስዑዲ ዓረብን ሩስያን ንዘቕረብዎ እማመ ምስ ነጸገቶ እዩ እቲ ጸገም ተጋሂዱ።

ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ምህርቲ ነዳዲ ክትውስኽ ወይ ክትንኪ ንዝቐርበላ ዘሎ ሕቶ ክትዘራረበሉን ኣብዚ እዋን ዝያዳ ነዳዲ ከተፍሪ ድላይ ከምዘለዋን ናጽነት ክወሃባ ከምዝግባእን እያ ትገልጽ። ስዑዲ ዓረብን ሩስያን ግን በቲ ኢሜሬይትስ እትብሎ ኣይሰማምዓን እየን።

ሚኒስተራት እተን ናይ ቀረባ መሻርኽቲ ዝዀና ሕቡራት ኢማራትን ስዑዲ ዓረብን ብዛዕባ ኣብ ፍርያት ጸዓት ነዳዲ ዘለዎም ፍልልያት ኣብ ቅድሚ ህዝቢ ምስ ተዛረቡ እቲ ፍልልይ ተጋሂዱ።

ኣብ ዋሽንግተን ኣብ ዝርከብ ማእከል ስትራተጂካዊ ኣህጉራዊ መጽናዕትታት ዝዓዪ ቤን ካሂል፡ "እቲ ናዕቢ ኣዝዩ ዘደንጹ እኳ እንተ ኾነ ፡ ምናልባት እቲ ባእሲ ዘይተርፍ እዩ ነይሩ" ይብል።

"ኣቡዳቢ ነዳዲ ናይ ምፍራይ ዓቕማ ክብ ንምባል ብዙሕ ወፍሪ እያ ኣካይዳ። ብዙሕ ገንዘብ እውን ኣውጺኣ። ኣብዚ እዋን ከኣ ጠለብ ነዳዲ ክብ ኢሉ ኣሎ። ስለዝኾነ ከኣ እያ ሕቡራት ኢማራት ምህርታ ከተዕቢ ብዘይምኽኣላ ኣበሳጭዩዋ ዘሎ" ክብል ወሲኹ ይገልጽ።

ክልተ ልዑላን

ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራትን ዝነበረን ኣዝዩ ጥቡቕ ሽርክነት፡ ንሓያሎ ዓመታት፡ ንጂኦፖለቲካዊ ዝምድናታት ሃገራት ዓረብ ብፍሉይ ጸልዩዎን ቀሪጹዎን እዩ።

ኣብ መንጎ ወራሲ ዓራት ስዑድ ዓረብ ልኡል መሓመድ ቢን ሳልማንን ልዑል ኣቡ ዳቢ መሓመድ ቢን ዛይድን ዘሎ ብሕታዊ ምትእስሳር፡ ነቲ ኪዳንን ዝምድናን ኣብ ምሕያል ዓቢ ጽልዋ እዩ ነይሩዎ።

ክልቲአን ሃገራት ነቲ ኣብ የመን ንሽዱሽተ ዓመታት ዝቐጸለ ውግእ ሓድሕድ፡ ንሓይልታት መንግስቲ ደጊፈን ተዋሲአን እየን።

ግን ከኣ እቶም ከም ወከልቲ ነናይ ገዛእ ሃገሮም ዝረኣዩ ክልቲኦም መራሕቲ ነናይ ገዛእ ርእሶም ጥሙሕ ኣለዎም።

ንሓያሎ ዓመታት ኣብ ስትራቴጂካዊ ጉዳያት ውሁድ ምትሕብባር ተራእዩ። ብ2015 ኣብ የመን ኣንጻር እቲ ብኢራን ዝድገፍ ሑቲ ሓያል ወተሃደራዊ ጥምረት ዓረብ መስሪቶም። ኣብ 2017 እውን ኣብ ልዕሊ ቐጠር ዲፕሎማስያዊ ንግዳውን ማዕቀብ ኣንቢሮም።

እንተዀነ፡ ቅድሚ ክልተ ዓመት ኣቢሉ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ዝበዝሕ ሰራዊታ ካብ የመን ምስ ሰሓበት ስዑዲ ኣይተሓጎሰትን - በዚ ከኣ እቲ ዝምድና ክሕርፍፍ ጀሚሩ።

ኢማራት፡ ዋላ'ኳ ኣብ ልዕሊ መንግስቲ ደውሓ እምነት እንተዘይብላ ነቲ ኣብ ወርሒ ጥሪ ብስዑዲ ዓረብ ዝቐረበ ካብ ቐጠር ማዕቀብ ናይ ምልዓል እማመ ተቐቢላቶ እያ። ስዑዲ ዓረብ'ውን በቲ ሕቡራት ኢማራት ምስ እስራኤል ዝገበረቶ ምምስራት ንቡር ርክብ ኣይተሓጎሰትን።

ስዑዲ ዓረብ፡ ኣብ ዝሓለፈ ወርሒ ለካቲት ኩለን ዓበይቲ ኩባንያታት: ክሳብ 2024 ኣብ ዘሎ ግዜ ኩሉ ኣብያተ ጽሕፈተን ናብ ሪያድ ከግዕዘኦ፡ እንተዘይኮይኑ ስዑዲ ኮንትራተን ከምዘይተሐድሰለን መተሓሳሰብን መጠንቀቕታን ምሰውጽአት: እቲ ዝምድና መሊሱ ክሕርፍፍ ጀሚሩ። እዚ ከኣ ነታ ናይ ቁጠባ ማእከልን መነሃርያን ዝኾነት ዱባይ መጥቃዕቲ ከም ምፍጻም ኮይኑ ተራእዩ።

ኢማራት ነቲ ብኦፔክ ዝቐረብ ምድራት መፍረ መጠን ነዳዲ ምስነጸገቶ ስዑዲ ከኣ ንኮሮናቫይረስ ምኽንያት ብምግባር ናብ ኢማራት ዝግበር በረራ ኣቋሪጻቶ። እቲ ውሳነ ግን ቅድሚ ብዙሓት ገያሾ ንዕረፍቲ ናብ ዱባይ ዝኸድሉ እስላማዊ በዓላት ቅድሚ ምምጽኡ እዩ ተገይሩ።

ብዘይካዚ፡ ስዑዲ ዓረብ፡ ነቲ ካብ ዞባታት ናጻ ዕዳጋን ምስ እስራኤል ዝተኣሳሰር ናይ እታው ሸቐጣት ደው ከምእተብሎን ሓቢራ። እዚ ከኣ ነታ ሞዴል ነጻ ዕዳጋ ዝኾነት ኢሜሬት ዓቢ ጽፍዒት እዩ።

ቁጠባዊ ውድድር

ክልቲአን ሃገራት ብሰንኪ እቲ ኣብ ኦፐክን መሻርኽትን ዝለዓል ዘሎ ሰሓቦ ጉተቶ፡ ጽጋዕተኛታት መሸጣ ነዳዲ ጥራሕ ካብ ምዃን ንኽወጽኣ ናብ ካልእ ዓውዲ የቋምታ ኣለዋ።

ብልዑል መሓመድ ቢን ሳልማን እትምራሕ ዘላ ስዑዲ ዓረብ ኣብዚ እዋን ኣብ ከም ቱሪዝም ገንዘባዊ ኣገልግሎትን ቴክኖሎጂን ዝኣመሰሉ ጽላታት ክትወዳደረሉ እትኽእል ቁጠባዊ ስትራተጂ ስኢላ ኣላ።

"እታ ዓርሞሸሽ ሃገር ስዑዲ ዓረብ ሕጂ ትነቓቓሕ ኣላ። እዚ ከኣ ንኢማራት የተሓሳስቦም ኣሎ" ይብል፡ ኣብ ለንደን ኣብ ዝርከብ ቻታም ሃውስ ተሓባባሪ ዝዀነ ኒል ኪልያም ።

"ኣብ ውሽጢ 15 ክሳዕ 20 ዓመት ዘሎ ግዜ፡ ስዑዲ ዓረብ ናብ ንጡፍ ቊጠባዊ ሞዴል እንተተሰጋጊራ ንኢማራት ኣስጋኢ ክኸውን'ዩ።"

ስዑዲ ዓረብን ሕቡራት ኢማራት ዓረብን ኣብዚ ሓድሽ ውዕል ናይ ኦፔክ ክሰማምዓ ይኽእላ'ዶ ኣይክእላን ክሳብ ሕጂ ንጹር ኣይኮነን።

እንተዀነ ግን፡ እቲ ንቤተ-መንግስቲ ስዑዲ ዓረብ ቀረባ ዝኾነ ተንታኒ ዓሊ ሺሃቢ፡ እቲ ናይ ኢማራት ተሪር መርገጺ ንግዝዩኡ ንስዑዲ እኳ እንተሰንበዶም እቲ ዝምድነኦም ግን ውዒሉ ሓዲሩ ናብ ንቡር ምምላሱ ኣይተርፎን እዩ። ስዑዲ ከኣ ብፍላይ ኣብዚ እዋን ንሓባራዊ ስምምዕ ኣበርቲዖም ይጽዕሩ ከምዘለው ይሕብር።

"ኣብ ዝሓለፈ እዋን፡ ክልቲኦም ወገናት፡ ዝዓበየ ዘይምስምማዕ ነይሩዎም። ኩሉ ሳዕ ኣብ ዲፕሎማሲያዊ ዝምድና: ዋላ እውን ኣብ መንጎ ኣመሪካን ዓባይ ብሪጣንያን ውረድ ደይብ ኣሎ። ይኹን እምበር እቲ ኣብ መንጎአን ዝጸንሐን ዘሎን ዝምድና ኣዝዩ ጽኑዕ ስለዝኾነ ነባሪ ጉድኣት ከኸትል እዩ ዝብል ግምት የሎን" ይብል ።