“ኢማራት ዓረብ ተኣሲሮም ንዘለዉ ተጣበቕቲ መሰላት ተሳቒ ኣላ” ሕቡራት ሃገራት

ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ተኣሲሮም ዝርከቡ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ብመንግስቲ ይሳቀዩ ኣለዉ ዝብል ጸብጻብ ከምዝበጽሖ ሕቡራት ሃገራት ገሊጹ።

ፍልይቲ ልእኽቲ ሕቡራት ሃገራት ሜሪ ሎውሎር፡ እቶም ብመንግስቲ ተኣሲሮም ዘለዉ ሓሙሽተ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ኣብቲ ክሳብ 40 ዲግሪ ሴንትግሬድ መጠን ሙቐት ዘለዎ ቤት ማእሰርቲ ብዘይ ዝኾነ መዝሓሊ ብኸቢድ ተታሒዞም ከምዘለዉ ገሊጻ።

እቶም ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት ንዝሓለፈ ሸሞንተ ዓመታት ብኸቢድ ስቃይ ከምዝሓለፍዎ እትገልጽ ሜሪ ሎውሎር፡ መንግስቲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ብቅልጡፍ ክፈትሖም ጸዊዓ ኣላ።

መንግስቲ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ነቲ ብሕቡራት ሃገራት ዝወጽአ ክሲ፡ ዝኾነ መልሲ ኣይሃበሉን።

እቶም ኣብ ማእሰርቲ ዝርከቡ ተጣበቕቲ ሰብኣዊ መሰላት መሓመድ ኣል ሞንሱር፤ ሓሰን መሓመድ ኣል ሓማድ፤ ሓዲፍ ራሺድ ዓብዱላሂ ኣል ኦዊድ፤ ዓሊ ኣልክንዲን ሳሊም ሓምዶን ኣልሻሂን ዝብሃሉ ኮይኖም፡ ኣካል ናይቶም ዩኤኢ94 ተባሂሎም ዝጽውዑ 94 ጠበቓታት፤ መምሃራን ዩኒቨርስቲን ተምሃሮን ኮይኖም፡ መንግስቲ ክትዓልዉ ሓሲብኩም ተባሂሎም፡ ኣብ 2013 ንዓሰርተ ዓመታት ክእሰሩ ዝተፈረዱ እዮም።

ሜሪ ሎውሎር ኣብ ጸብጻባ፡ ኣተሓሕዝኦም ኣዝዩ ሕማቅ ከምዘሎ ብምግላጽ፡ "ዘእስር ምኽንያት'ውን ኣይነበሮምን" ኢላ።

ብምስዓብ "ኣዝዩ ዘሻቅል ጸብጻብ እዩ ዝብጽሓና ዘሎ፤ ኣብ ልዕሊኦም ብዙሕ ዓይነት ምስቓይ ይብጽሕ ኣሎ" ትብል።

እቶም እሱራት ኣብቲ ልሳብ 40 ዲግሪ ሴንቲግሬድ ዝበጽሕ ሙቐት ዘለዎ ቦታ ኩሉ መሳኹቱ ኣብ ዝተዓጸወ ክፍሊ ብዘይ ብርሃንን ዝኾነ መዝሓሊ [ኣየርኮንዲሽን] ኣብ ዘይብሉ ክፍሊ ብርሃን ጽሓይ ኣብ ዘይርእይሉ ተሓይሮም ከምዘለዉ እያ፡ ሜሪ ሎውሎር ትገልጽ።

ኣብ 2011 ኣብ ሰሜን ኣፍሪቃ ምንቅስቓስ ቀውዒ ዓረብ ምስ ተጀመረ፡ ሕቡራት ኢማራት ዓርብ ነቶም ምስ ሙስሊም ብራዘርሁድ ርክብ ኣለዎም ዝበለቶም ኣለ ፒስላህ ዝብሃሉ እስላማዊ ጉጅለ መንግስቲ ንምዕላው ውጥን ኣለዎም ብምባል ክትሃድኖም ጀሚራ።

ብድሕሪ እቲ ክስተት ኣብ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ሰለማዊ ሰልፍን ምቋም ፖሎቲካዊ ሰልፍታትን ብሕጊ ተኣጊዱ።

ወዲ 31 ዓመት ብርጣንያዊ መመህር ማቴው ሄጅ ሰላዪ ኢኻ ተባሂሉ ኣብ ሕቡራት ኢማራት ተኣሲሩ ዝነበረ እዩ፡ ንሱ ኣብ 2018 ተኣሲሩ እንከሎ ኣእምሮኣዊ ስቅያት ይብጽሖ ምንባሩ እዩ ገሊጹ።

ቢቢሲ ካብ ቤት ጽሕፈት ሚድያ ሕቡራት ኢማራት ዓረብ ነዚ ሕጂ ተላዒሉ ዘሎ ክሲ ኣምልኪቱ መልሲ ንኽረክብ ዝገበሮ ፈተነ ኣይሰለጦን፤ እንተኾነ እታ ሃገረ ንተመሳሳሊ ክስታት ብተደጋጋሚ ክትነጽጎ ጸኒሓ እያ።