እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኡጋንዳ፡ ተጠቀምቲ ኢንተርነት ካብ ሎሚ ጀሚሮም ግብሪ ክኸፍሉ ክኸፍሉ ዘግድድ ሓድሽ ኣተኣታትያ
ነበርቲ ኡጋንዳ ዝኾኑ ተጠቀምቲ ኢንተርነት ካብ ሎሚ ሓሙስ ጀሚሮም 12 ሚእታዊት ግብሪ ክኸፍሉ ክጅምሩ እዮም።
እዚ ሓድሽ ሕጊ ነቲ ኣብ 2018 ዝወጽአ ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚድያ ግብሪ ክኸፍሉ ዘገድድ ሕጊ ዝትክእ እዩ።
እዚ ሓድሽ ሕጊ ካብ ሎሚ ጀመሩ ምስ ምጅማር ባጀት ፍርቂ ዓመት ዓመተ 2021 እዩ ተግባራዊ ክኸውን።
እቲ ሕጊ ኣብ መጀመርታ ናይዚ ዓመት'ዩ ኣብ ባይቶ ቀሪቡ ተዘትይሉ ክጸድቅ ክኢሉ።
እቲ ኣገባብ ኣከፋፍላ፡ ተጠቀምቲ ንሞባይል 'ዳታ' ኣብ ዝገዝእሉ እቲ ንመንግስቲ ኣታዊ ዝኸውን ብቀጥታ ክቁረጾም'ዩ።
እንተኾነ ንትምህርታውን ሕክምናዉን ኣገልግሎታ ዝግዛእ 'ዳታ' ካብ ግብሪ ነጻ እዩ ክኸውን እኳ እንተተባህለ ብኸመይ ክፍለ ከም ዝኽልእ ግን ዝወጽአ መብርሂ የለን።
እቲ ኣብ 2018 ተጠቀምቲ ማሕበራዊ ሚድያ ግብሪ ክኸፍሉ ዘገድድ ሕጊ ምስ ተኣወጀ፡ ኣብ ወርሒ ሓምለ ናይቲ ዓመት ብህቡብ ተቃዋሚ ቦቢ ዋይን ዝምራሕ ብርቱዕ ህዝባዊ ተቃውሞ ተላዒሉ ምንባሩ ዝዝከር'ዩ።
መንግስቲ ነቲ ተቃውሞ ንምብታን ዝተጠቐመሉ ሓይሊ'ውን ዘይግቡእ'ዩ ነይሩ ተባሂሉ ይንቀፈሉ'ዩ።
ብዙሓት ኡጋንዳውያን ነቲ ብመንግስቶም ዝተነበረሎም ግብሪ ንዘይምኽፋል ቪፒኤን ዝብሃል ኣገባብ እዮም ዝጥቀሙ።
ብሰንኪ እዚ እቲ ሕጊ ክንድቲ ትጽቢት ዝተገበረሉ ገንዘብ ከእቱ ኣይከኣለን።
ኣታዊ ውሽጢ ሃገር ኡጋንዳ ኣብ ወርሒ ሓምለ 2019 ኣብ ዘውጽኦ ጸብጻብ፡ ካብ ዓመተ 2018-2019 ካብ ግበሪ ኣገልግሎት ማሕበራዊ ሚድያ 80 ሚልዮን ዶላር ክእክብ እኳ ወጢኑ እንተነበረ፡ 14 ሚልዮን ዶላር ጥራይ ከም ዝረኸበ'ዩ ሓቢሩ።
እዚ ተጠቀምቲ ኢንተርነት ግብሪ ክፈሉ ዘገድድ ሕጊ፡ ዓቢ ተቃውሞ'ዩ ዝገጥሞ ዘሎ።
ብፍላይ ኣብ ኢንተርኔት ዝምርኮስ ንኣሽቱ ትካላት ዘለዎም መንእሰያት ኣብ ልዕሊ እቲ ሓዲሽ ሕጊ ዘለዎም ተቃውሞ ብኣግኡ ይገልጹ ኣለዉ።