ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ጃኮብ ዙማ፡ ማእሰርቲ ተፈሪድዎ

ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ጃቆብ ዙማ ን15 ኣዋርሕ ክእሰር ላዕለዋይ ቤት ፍርዲ እታ ሃገር በይኑ።

ዙማ፤ ባዕሉ ኢዱ ንፖሊስ ክህብ ሓሙሽተ መዓልታት ተዋሂብዎ ኣሎ፤ ከምኡ እንተዘይገይሩ ግና፡ ፖሊስ ኣብ ቀይዲ ከእትዎ ክፍቀደሉ ምዃኑ ተገሊጹ።

እዚ ማእሰርቲ፡ ዙማ ኣብ ስልጣን እንከሎ ኣጥፋፊእኻ ተባሂሉ ብዝቐረበሉ ምርመራ ብልሽውና፡ 'ናብ መጋባእያ ክቐርብ ዝወጽአሉ ትእዛዝ ብዘይምኽባር' ብዝብል ብመጻረዪ ሕገመንግስቲ እዩ ተበይንዎ።

ዙማ ኣብ ስልጣን እንከሎ፡ ብሰፊሕ ግዕዝይና ዝሕመ እንትኸውን፡ ከምኡ ድማ፡ ሰብ ሃፍቲ ምስ ፖለከኛታት ተሻሪኾም ውሳነታት መንግስቲ ብዝተፈላለዩ ውዲታት ይጸልዉ ምንባሮም እዩ ዝዝረብ።

እቲ ፕረዚደንት ነበር፡ በቲ ዝቐረበሉ ክሲ ሓደ ግዜ ጥራይ ናብ መጋባእያ ምቕራቡ ይዝረብ።

እቲ ብጀስቲስ ራይሞንድ ዞንዶ ዝምራሕ ምርመራ፡ ሕገመንግስታዊ ኣጻራዪ ኮሚቴ ኣብቲ ጉዳይ ጣልቃ ክኣቱ ሓቲቱ።

ምክትል ሓላፊት ሚኒስተር ፍትሒ እታ ሃገር፡ ኣብ ብያነ እቲ ቤት ፍርዲ ጸኒዓ ተረርቲ ቃላት ተጠቒማ ተዛሪባ።

ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ጃኮብ ዙማ፡ ኣብ ክንዲ ንትእዛዝ ቤት ፍርዲ ኣኽቢሩ ናብ መጋባእያ ምቕራብ፡ ንኽብሪ'ቲ ቤት ፍርዲ ዝትንክፍ ዘረባታት ኣስሚዑ ኢላ።

"ሕዚ ንዙማ ካብ ምእሳር ኣማራጺ የብለይን፤ ኣብዛ ሃገር ልዕልነት ሕጊ ከምዘሎ ንምርግጋጽ ተሪር መልእኽቲ ዘሕልፍ ውሳነ እዩ" ድማ ኢላ።

ዙማ ብተደጋጋሚ ንዝቐርበሉ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ብምንጻግ፡ ናይ ዝተዋደደ ፖለቲካዊ ውዲት ግዳይ ከምዝኾነ ዩ ክዛረብ ጸኒሑ።

ብኻሊእ ሸነኽ 5 ቢልዮን ዶላር ዘካተተ ኣብ 1990ታት ዝተፈጸመ ወተሃደራዊ ውዕል 'ዕድጊ ኣጽዋር' ግዕዝይና ፈጸሙ ንዝብል ክሲ ነጺግዎ'ዩ።ዙማ ኣብ ስልጣን እንከሎ፡ ብሰፊሕ ግዕዝይና ዝሕመ እንትኸውን፡ ከምኡ ድማ፡ ሰብ ሃፍቲ ምስ ፖለከኛታት ተሻሪኾም ውሳነታት መንግስቲ ብዝተፈላለዩ ውዲታት ይጸልዉ ምንባሮም እዩ ዝዝረብ።

እቲ ፕረዚደንት ነበር፡ በቲ ዝቐረበሉ ክሲ ሓደ ግዜ ጥራይ ናብ መጋባእያ ምቕራቡ ይዝረብ።

እቲ ብጀስቲስ ራይሞንድ ዞንዶ ዝምራሕ ምርመራ፡ ሕገመንግስታዊ ኣጻራዪ ኮሚቴ ኣብቲ ጉዳይ ጣልቃ ክኣቱ ሓቲቱ።

ምክትል ሓላፊት ሚኒስተር ፍትሒ እታ ሃገር፡ ኣብ ብያነ እቲ ቤት ፍርዲ ጸኒዓ ተረርቲ ቃላት ተጠቒማ ተዛሪባ።

ፕረዚደንት ደቡብ ኣፍሪቃ ነበር ጃኮብ ዙማ፡ ኣብ ክንዲ ንትእዛዝ ቤት ፍርዲ ኣኽቢሩ ናብ መጋባእያ ምቕራብ፡ ንኽብሪ'ቲ ቤት ፍርዲ ዝትንክፍ ዘረባታት ኣስሚዑ ኢላ።

"ሕዚ ንዙማ ካብ ምእሳር ኣማራጺ የብለይን፤ ኣብዛ ሃገር ልዕልነት ሕጊ ከምዘሎ ንምርግጋጽ ተሪር መልእኽቲ ዘሕልፍ ውሳነ እዩ" ድማ ኢላ።

ዙማ ብተደጋጋሚ ንዝቐርበሉ ትእዛዝ ቤት ፍርዲ ብምንጻግ፡ ናይ ዝተዋደደ ፖለቲካዊ ውዲት ግዳይ ከምዝኾነ ዩ ክዛረብ ጸኒሑ።

ብኻሊእ ሸነኽ 5 ቢልዮን ዶላር ዘካተተ ኣብ 1990ታት ዝተፈጸመ ወተሃደራዊ ውዕል 'ዕድጊ ኣጽዋር' ግዕዝይና ፈጸሙ ንዝብል ክሲ ነጺግዎ'ዩ።