እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኣመሪካ፡ ኣብ ማያሚ ህንጻ ድሕሪ ምፍራሱ ሃላዋት 99 ሰባት ከም ዘይተፈለጠ ተገሊጹ
ኣብ ፍሎሪዳ ሰሜን ማያሚ በዓል 12 ደርቢ መንበሪ ህንጻ ፈሪሱ ብውሑድ ሓደ ሰብ ከም ዝሞተን ብዓሰርታት ድሃዮም ከም ዘይፍለጥን ሰብ መዚ ገሊጾም።
ዛጊት 102 ሰባት ሃለዋቶም ክረጋገጽ እንከሎ፡ ካልኦት 99 ግን ሕጂ'ውን ኣይተፈልጠን ክብል ከንቲባ ዳኒኤል ሌቪኔ-ካቫ ተዛሪቡ።
ኣብቲ ሽዑ እዋን ክንደይ ዝኣኽሉ ሰባት ኣብቲ ህንጻ ከም ዝነበሩ ኣይተፈልጠን።
ምኽንያት እቲ ንፍርቂ 139 ክፍሊታት እቲ ህንጻ ዘጥቅዐ ሓደጋ ምፍራስ እቲ ህንጻ ክሳብ ሕጂ ኣይተፈልጠን።
እቲ ህንጻ ብ1980 ዝተሰርሐ ምዃኑ ተገሊጹ።
ብርክት ዝበሉ ላቲን ኣመሪካውያን ስደተኛታት ደሃዮም ተሳኢኑ ከም ዘሎ ቆንስላቶም ይገልጹ።
ኣዝማድ ቀዳማዊት እመቤት ፓራጓይ ካብ ሞንጎ እቶም ምጥፍኦም ዝግለጽ ዘሎ ሰባት ከም ዝኾኑ ሰብ መዚ ፓራጓይ ሓቢሮም።
ሰራሕተኛታት ምድሓን ህይወት: ንቐዳማዊት እመቤት ሲልቫና ሎፔዝ ሞሬራሓፍታን በዓል ቤታን ምስ ሰለስተ ደቆምን ናይ ገዛ ሰራሕተኝኦምን ከም ዝጠፍኡ'ዩ ዝንገር ዘሎ።
35 ሰባት ካብቲ ዝተደርመሰ ህንጻ ክወጽኡ እንከለው፡ እቶም ዓሰርተ ዳህሳስ ተገይሩ ተሓኪሞም ተፋንዮም ክልተ ድማ ናብ ሆስፒታል ተላኢኾም።
ጉጅለታት ምድሓን ህይወት ግን ሕጂ'ውን ፍርስራስ እቲ ህንጻ ካብ ዝባን ግዳያት እናልገሱ ኣለሽኦም ቐጺሎም ኣለው።
ኣመሓዳሪ ፍሎሪዳ ሮን ዲሳንቲስ ኣገልግሎት ምድሓንን ምጥፋእ ሓውን ሕጂ'ውን "ይእልሹ ኣለው" ኢሉ።
ፕሬዝደንት ጆ ባይደን ብወገኑ እቲ ኣመሓዳሪ ኣዋጅ ህጹጽ ግዜ ክእውጅ ትጽቢት ከም ዝነበሮ ብምግላጽ ሰብ መዚ ኤጀንሲ ምምሕዳር ህጹጽ ግዜ ፌደራል ኣብ ምሕጋዝ ከም ዝነጠፉ ተዛሪቡ።
"ህዝቢ ፍሎሪዳ መንግስቲ ፌደራል ክገብሮ ዝኽእል: እትደልዩዎ ነገር ንምፍጻም ይጽበ'ዩ ዘሎ፤ ሕተቱና" ኢሉ።
'መስከረም 9/11 እዩ ዝመስል'
እዚ ኣብ ጎደና ኮሊንስ ዝርከብ: ፖሊስ 8777 ክብል ዘነጸሮ በዓል 12 ደርቢ ህንጻ ቻምፕሊን እዩ።
ሓደ ምስ ክልተ ኣሕዋቱ ካብቲ ህንጻ ዝወጽአ ሰብኣይ "ሓያል ድምጺ ሰሚዕና ኢና፤ ግን ድማ ናይ ሞተር ሳይክል እዩ መሲሉና ነይሩ። ድሓር መናዕ ኢልና እንተርኣና ግን ናባና ሸነኽ ዶሮና ይመጽእ ነይሩ" ኢሉ።
ወሲኹ "እንታይ እዩ ዝኸውን ዘሎ? ኢልና። ገጽና ብጨርቂ ሸፊንና ናብኡ ገጽ እንተኸድና፡ ሓለውቲ እቲ ህንጻ ተደርሚሱ'ዩ ኢሎምና" ክብል ንሲቢኤስ ተዛሪቡ።
ሓደ ንሲኤንኤን ቃሉ ዝሃበ ምስክር ዓይኒ ብወገኑ "ነቲ ብ9/11 ዘጋጠመ ሓደጋ እዩ ዝመስል" ክብል ምድርማስ እዚ ህንጻ ምስቲ ብመስከረም 2001 ኣብ ኒውዮርክ ኣብ ዝርከባ መናቱ ህንጻ ዘጋጠመ ሓደጋ ኣነጻጺሩ ገሊጹዎ።
ካልእ ንሲቢኤስ ንዝተዛረበ ነባሪ እቲ ከባቢ ድማ "መንጀመርታ እቲ ህንጻ ተነቓኒቑ፤ ድሓር ንክተለልዮ'ውን ዘጸግም ኮይኑ . . . ስቕ ኢሉ ማዕበል ዝመጽአ እዩ ዝመስል ነይሩ። እቲ ዶሮና ምስ ለገሰ ግን ዳርጋ ክልተ መሰለስ እቲ ህንጻ ፈሪሱ ርኢናዮ" ኢሉ።