እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኬፕ ታውን፡ ነበርቲ ካብ ሓደጋ ባርዕ ንምድሓን ይሃድሙ ኣለው
ሰራሕተኛታት ኣጥፋእቲ ሓዊ ደቡብ ፍሪቃ፡ ብሰንበት ኣብ ኬፕ ታውን ዝተላዕለ ባርዕ ጫካ ብምስጋእ ኣብ ውሽጢ ሰለስተ በዓል 17 ደርቢ ህንጻታት ዝነብሩ ሰባት ኣውጺኦም።
ነቲ 'ቴብል ማውንቴይን' ኣብ ዝተባህለ እምባ ዝተላዕለ ባርዕ ጫካ ብምስጋእ'ውን ብዙሓት ካብታ ከተማ ይወጽኡ ኣለው።
እቲ ሓዊ ብሰንበት ንጉሆ ኣብ ጥቓ ንዝኽሪ ፖለቲከኛ ሴሲል ሮዴዥ ዝተዳለወ መዘከርታ ተላዒሉ።
በዚ ምኽንያት፡ ሓደ ቤት ብልዒ ሙሉእ ንሙሉእ ክዓኑ እንከሎ፡ ታሪኻዊ ቤተ መጽሓፍቲ ዩኒቨርሲቲ ኬፕ ታውን'ውን ከቢድ ሓደጋ በጺሑዎ።
ኣስታት 250 ሰራሕተኛታት ኣጥፋእቲ ሓዊ፡ ምስቲ ዘሎ ሓያል ንፋስ እናተቓለሱ እቲ ባርዕ ጫካ ንምቁጽጻር ጻዕሪ ይገብሩ ኣለው።
ካብ ትማሊ ጀሚሩ ማይ ዝጽዓና ሄሊኮፕተራት እቲ ሓዊ ንምጥፋእ ጻዕሪ እንተገበራ'ውን ክሳብ ሕጂ ክዕወታ ኣይክኣላን።
ትካል ሃገራዊ ሕዛእታት ደቡብ ኣፍሪቃ፡ ሰራሕተኛታት ኣጥፋእቲ ሓዊ ብሰንበት ንጉሆ ሰዓት ሸውዓተ [ሰዓት ሓደ ኣቆጻጽራ ግእዝ] ብዛዕባ እቲ ሓደጋ ከም ዝሓበሩዎ ይገልጽ።
እቲ ኩነታት ኣየር ንፋስ ዝተሓወሶ ምዃኑን ዝቦቖሉ ሳዕርታት ብምድራቖምን እቲ ባርዕ ቀልጢፉ ንክጋፋሕ ከም ዝገበሩ ከኣ ገሊጹ።
በዚ ምኽንያት፡ እቲ ባርዕ ሓዊ ንምቁጽጻር ብውሑድ ሰለስተ መዓልታት ከም ዘድልዮም ሓቢሩ።
እምባ ቴብል ብዙሕ ግዜ ሓደጋ ሓዊ'ኳ እንተኣጋጠሞ፡ ኣብ ጥቕኡ ናብ ዝርከብ ዩኒቨርሲቲ ክዘምት ግን ፋልማዩ'ዩ።
ሰብ መዚ ከተማ ኬፕ ታውን ኮነ ኢሉ እቲ ሓደጋ ክልዓል ዝገበረ ውልቀሰብ ኣብ ቀይዲ ኣትዩ'ዩ ኢሎም።
"እቲ ሓዊ ኣብ ትሕቲ ቁጽጽር ኣይኣተወን። እቲ ንፋስ ድማ ነዚ ኣበርክቶ ገይሩ'ዩ" ይብል ምምሕዳር እታ ከተማ ዘውጽኦ መግለጺ።
ታሪኻዊ ትሕዝቶታት ዓንዮም
ኣብዚ ሕጂ እዋን ካብ ማእከል እታ ከተማ ውጽእ ኢሎም ዝርከቡ ኣብያተ ትምህርቲ'ውን ተመሃሮኦም ናብ ገዝኦም ክመልሱዎም ተኣዚዞም።
እቶም ሰለስተ በዓል 17 ደርቢ ተመሳሳልቲ መንበሪ ህንጻታት ዝርከብሉ ዲሳ ፓርክ ዝተባህለ ቦታ ዝነብሩ ሰባት ካብ ገዝኦም ክወጽኡ ተነጊሩዎም ኣሎ።
ድሕሪ እቲ ባርዕ ጫካ ዩኒቨርሲቲ ኬፕ ታውን ስለ ዝተዓጽወ'ውን ኣስታት ኣርባዕተ ሽሕ ተመሃሮ ካብቲ ከባቢ ክወጽኡ ተገይሩ።
እቲ ሓዊ 200 ዓመት ዘቑጸረ ክፍሊ ቤተ መጽሓፍቲ ጃገር ከምኡ'ውን ብርክት ዝበሉ ታሪኻዊ መጽሓፍቲ ኣፍሪቃ ኣዕኒዩ ኣሎ።
ይኹን'ምበር ገለ ታሪኻዊ መጽሓፍቲ ክድሕኑ ክኢሎም።
ኣስታት 3500 ታሪኻዊ መጽሓፍታት ከም ዝተቓጸሉ ግን ምፍላጥ ተኻኢሉ።
መሰል ዋንነቶም ኩሎም ስእልታት ዝተሓለወ'ዩ