ኣብ ስዑድ ዓረብ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ኣብ ውሽጢ ሰሙናት ንምምላስ ጻዕሪ ይግበር ኣሎ ተባሂሉ

ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝርከቡ ኢትጵያውያን ስደኛታት ኣብ ውሽጢ ክልተ ሰሙን ናብ ሃገሮም ንምምላስ ጻዕሪ ይግበር ከም ዘሎ ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ኣፍሊጡ፡፡

ወሃቢ ቃል እቲ ሚኒስትሪ ኣምባሳደር ዲና ሙፍቲ ትማሊ ኣብ ዝሃቦ መግለጺ፡ ጉዳእ ኣብ ስዑዲ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን "ኣብ ሓጺር እዋን፡ እንተተኻኢሉ ኣብ ክልተ ሰሙን’’ መልሲ ክረክብ ከም ዝኽእል ተዛሪቡ፡፡

ንሱ ኣብ ስዑዲ ዓረብ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ንምምላስ፡ ምስ ሰበስልጣን እታ ሃገር ዝዘራረብ ኮሚቴ ተጣይሱ ናብታ ሃገር ከም ዘምረሐ ገሊጹ፡፡

ኣምባሳደር ዲና፡ ብዛዕባ እቲ ኣብዚ ሰሙን ዝተኻየደ መረጻ ዝምልከት ‘‘ህዝቢ ኢትዮጵያ ነቲ መረጻ ብሰላማዊ መንገዲ ብምክያድ’’ ጸገም ክፈጥሩ ናይ ዝደልዩ ሓይልታት ተንኮል ኣፍሺሉ እዩ ኢሉ፡፡

ብተወሳኺ ነቲ መረጻ ዝተዓዘቡ ኣካላት ቅድሚ መረጻን ኣብ እዋን መረጻን ዝተዓዘብዎም ነገራት እቲ መረጻ ተኣማኒ ከም ዝነበረ ዘርእይ ከም ዝኾነ መስኪሮም ኢሉ፡፡

ጉጅለ ተዓዛቢ መረጻ ሕብረት ኣፍሪቃ እውን፡ እቲ መረጻ ተኣማንን ሰላማውን ከም ዝነበረ ምግላጹ ጠቒሱ፡፡

ብኻልእ ወገን "ኣብ ትግራይ ከም ብሓድሽ ዝጀመረ ኲናት የለን’’ ዝበለ ወሃቢ እቲ ወሃቢ ቃል "መንግስቲ ኢትዮጵያ ንጹሃት ዒላማ ኣይገብርን’’ ብምባል ነቲ ኣብዚ ሰሙን ብመሰኻኽር ዓይንን ምስልታትን ተሰንዩ ዝቐርብ ዘሎ ክሲ ኣብ ማእከል ዕዳጋ ቶጎጋ ንጹሃት ዒላማ ዝገበረ ደብዳብ ነፈርቲ ነጺጉ፡፡

ኣብዚ ሰሙን ኣብ ዝተፈላለዩ ከባቢታት ትግራይ ሓያል ኲናት ከም ዘሎ ነበርቲ ዝፈላለያ ከተማታት ንቢቢሲ ገሊጾም ነይሮም፡፡

ኣብ ሰሙናዊ ጉዳያት መግለጺ ዝሃባ ኣምባሳደር ዲና ኣብ ጉዳይ ግድብ ህዳሰ፡ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ኣኼባ ክጽውዕ ሱዳን ደብዳበ ምጽሓፋ ብዝምልከት "ሕብረት ኣፍሪቃ እንታይ ገይሩኩም? ንምንታይ ስግር ባሕሪ ትኸዱ? እዩ መልስና’’ ኢሉ፡፡

ቤት ጽሕፈት ሚኒስተር ጉዳያት ወጻኢ ሱዳን፡ እቲ ግድብ ኣብ ህይወት ሚልዮናት ከስዕቦ ዝኽእል ጸቕጢ ንምዝታይ፡ ባይቶ ጸጥታ ውድብ ሕቡራት ሃገራት ህጹጽ ኣኼባ ክጽውዕ ሓቲቱ ነይሩ፡፡

ኣምባሳደር ዲና ግና "እቲ ሕቶ ግቡእ ዘይኮነን ንጻዕሪ ሕብረት ኣፍሪቃ ክብሪ ዘይህብን እዩ" ክብል ተቓዊሙዎ፡፡

ብተወሳኺ ሱዳን ኣብ ግዝኣት ኣብዬ ኣብ ምኽባር ሰላም ዝተዋፈረ ሰራዊት ኢትዮጵያ ክወጽእ ዘቕረበቶ ሕቶ ብዝምልከት ድማ፡ ኣኽባሪ ሰላም ናይ ምእታውን ምውጻእን ጉዳይ ሓላፍነት ውድብ ሕቡራት መንግስታት እምበር ናይ ካልእ ከም ዘይኮነ ዝሕብር መልሲ ሂቡ፡፡