ካቶሊካውያን ኣቡናት ኣመሪካ፡ ፕረዚደንት ባይደን ቅዱስ ቁርባን ከይቅበል ኣብ ዝኽልክል ሰነድ ኣይተሰማምዑን

ካቶሊካውያን ኣቡናት ኣመሪካ፡ ፕረዚደንት ጆ ባይደን ኣብ ምንጻል ጥንሲ ብዘለዎ ቅዋም፡ ቅዱስ ቁርባን ከይቅበል ዝኽልክል ሰነድ ንምጽዳቕ ድምጺ ድሕሪ ምሃቦም ዘይምርድዳእ ከምዝሰፈነ ተገሊጹ፡፡

ጉባኤ ካቶሊካውያን ኣቡናት ኣመሪካ፡ ምንጻል ጥንሲ ንዝድግፉ ፖለቲከኛታት ኣመልኪቱ መምሃሪ ሰነድ ነዳሉዶ ኣብ ዝብል ብመርበብ ሓበሬታ ኣብ ዘካየድዎ ኣኼባ ክረዳድኡ ኣይከኣሉን፡፡

ቅዱስ ቁርባን ኣብ ካቶሊካዊት ቤተ ክርስትያን እቲ ዝለዓለ ቦታ ዝወሃቦ ስርዓት እዩ፡፡

ኣማኒ እታ ቤተ ክርስትያን ዝኾነ ፕረዚደንት ባይደን ድማ ኣብ መንፈሳዊ ኣገልግሎታት እታ ቤተ-ክርስትያን ብስሩዕ እዩ ዝሳተፍ፡፡

እቲ ፕረዚደንት ንድምጺ እቶም ኣቡናት ኣመልኪቱ ኣብ ዝሃቦ መልሲ ‘‘ እዚ ውልቃዊ ጉዳይ እዩ፤ ተግባራዊ ዝኸውን ኣይመስለንን’’ ኢሉ፡፡

ቫቲካን ብተመሳሳሊ ንምንቅስቓስ እቶም ኣቡናት ተቓዊማ ኣላ፡፡

ድሕሪ እቲ ብሓሙስ ዝተገብረ ክትዕ ምኽትል እቲ ጉባኤ ኣባ ቪግነሮን፡ እቲ ሰነድ ብ 168 ድጋፍን፣ 55 ተቓውሞን ከምዝሓለፈ ገሊጹ፡፡

ድሕሪ እዚ ድማ ካህናት ኣመሪካ ተኸፋፊሎም ኣለዉ፡፡

ኣቡን ሳንድያጉ ኣባ ሮበርት ማክኢልሮይ፡ እዚ ሰነድ ቅዱስ ቁርባን ከም ‘‘ኣጽዋር’’ ናብ ምጥቃም ከምርሕ ከምዝኽእል ኣጠንቂቑ፡፡

ኮይኑ ግና ኣቡን ኦረጎን ኣባ ሊየም ኬሪ ፡ ‘‘ ንኣስተምህሮ እታ ቤተክርስትያን ብዝቃወም ፕረዚደንት‘‘ እታ ቤተ ክርስትያን ‘‘ ኣብ ዘይተለመደ ኩነታት’’ ከምዘላ ተዛሪቡ፡፡

እቲ እቶም ኣቡናት ዘዳለዉዎ ሰነድ፡ በቲ ናይ ሰረተ-እምነት ኮሚተ ኣቡናት ኣመሪካ ክጸድቕ እዩ፡፡ እንተኾነ ከም ሃገራዊ ፖሊሲ እምበር ኣገዳዲ ሕጊ ኣይክኸውንን፤ ምኽንያቱ ነፍስወከፍ ኣቡን ኣብ መደቡ ክኸልክሎ ዘለዎ ኣካል ባዕሉ ናይ ምውሳን ስልጣን ስለዘለዎ፡፡

እቲ ሰነድ ኣብቲ በብክልተ ዓመት ዝካየድ ዋዕላ ካቶሊካውያን ኣቡናት ኣመሪካ ክትዕ ክካየደሉ እዩ፡፡