እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
'ዝተጋደልኩሉ ምኽንያት ሕልምታተይ ንክሰምሩለይ'ዩ ነይሩ' ህብረት በርሀ
"ዝተጋደልኩሉ ምኽንያት ሕልምታተይ ንክሰምሩለይ፡ ከም ኵሎም ብጾተይ ሕልምታት ነይሮምኒ፣ ዕላማይ ካብ'ቲ ዝነበርናዮ ዓዘቕቲ መግዛእቲ ወጺእና፡ ሓቢርና ብተምሳልና ሓንቲ ሓራን ፍትሓዊትን ኤርትራ ንምህናጽ ነበረ። እንተኾነ ድሕሪ'ቲ ኹሉ ጻዕርን መስዋእትን.... ካብ'ቲ ባዕልና ሓራ ዘውጻእናዮ ሃገር ርሒቕና ኣብ ግዳም ዑቝባ ሓቲትና ንነብር ኣሎና። ዘይተጸበናዮ ኣደራዕ'ዩ ወሪዱና። ካብ'ቲ ኣብ ትሕቲ መግዛእቲ ኢትዮጵያ ዝነበርናሉ እዋን ዝኸፍእ እዋን መጺኡ። እቲ ዜሕዝን ፍጻሜ ኸኣ ደቅና ስለ ዝተለከሙ'ዩ። ናጽነት ተረኺቡ ክንቀስን ምተገብኣና፣ እቲ ክስዕብ ዝግብኦ ሓርነት ብዘይምርካብና ግን እንሆ ዓቢ ትራጀድያ … ንርኢ ኣሎና" ትብል ህብረት በርሀ።
ህብረት ብዕለት 19 ሓምለ 2001 ናይ ስንብታኣ ደብዳቤ ንመንግስቲ ኣረኪባ ካብ ስርሓ ባዕላ ተገለለት። ሽዑ ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሽወደን/ኖርወይ/ፊንላንድ ኰይና ተገልግል ነይራ።
እቲ ትሕዝቶ ደብዳቤኣ "እቶም ናይ ባዕለይ እምነታት ምስ'ቲ ብህ.ግ.ደ.ፍ. (ሰልፊ መንግስቲ) ዝምራሕ ዘሎ ስርዓት ይገራጨዉ ብምህላዎም ካብ ስርሐይ ክእለ መሪጸ ኣሎኹ" ዝብል ነበረ።
"ኣካዪዳ ህ.ግ.ደ.ፍ. ምስ ድልየት ህዝቢ ዘይሳነ ዀይኑ ረኺበዮ፣ ኰይኑ ድማ ናብ ዲሞክራስያዊ መንገዲ ዜምርሕ ስርዓት ከምዘይኰነ ተረዲኡኒ" ድሕሪ ምባል "ካብ ትካላዊ ኣሰራርሓ ዝወጸ፡ ግዝኣተ-ሕጊ ንኽትከል ዀነ ሕብረ-ሰልፋዊ ምርጫ ንኽተኣታቶ ዘፍቅድ ስርዓት ኣይኰነን" ትብል።
ኣብቲ እዋን'ቲ ኣለክስ ላስት ዝተባህለ፡ ኣብ ኣስመራ ተመዲቡ ዝሰርሕ ዝነበረ ናይ ቢቢሲ ጋዜጠኛ፡ "እቲ ናይ ኣምባሳደር ህብረት ካብ ስርሓ ንምልቓቕ ዝወሰደቶ ዉሳኔ፡ ንብዙሓት ኤርትራውያን ከም ዜሰንበዶም፡ ኣብ ልዕሊ'ቲ ገዛኢ ሰልፊ ሕቶታት ከም ዝሓድሮም ገይሩ ኣሎ" ኢሉ ነቲ ኵነታት ገሊጹዎ።
ህብረት በርሀ መኣስን ብኸመይን እያ ናብ ቃልሲ ተሰሊፋ? ናብ ህዝባዊ ግንባር'ዶ ጀብሃ?
"ኣነ ብዛዕባ ፖለቲካ ብዙሕ እፈልጥ ኣይነበርኩን። ብመጀመርታ ንእስነት ነይሩ፣ ከም ኵሉ መንእሰይ ድማ ኣቓልቦይ ኣካይዳይን ብንእስነተይ'ዩ ዝምራሕ ነይሩ ክብል እኽእል። ዋላ'ኳ ጀብሃን ሻዕብያን፡ ብሓፈሽኡ፡ ንናጽነት ኤርትራ ይቃለሱ ከም ዝነበሩ እፈልጥን እቲ ዕላማ እድግፎን እንተ ነበርኩ፡ ካብኡ ሓሊፈ ግን ኣብ ሞንጎኦም ዝነበረ ፍልልያት ኣይፈልጦን ነይረ"
"ኣብቲ እዋን'ቲ፡ ብሰብዓታት ምዃኑ'ዩ፡ መብዝሕትኡ ሰብ ንክጋደል ክወጽእ ከሎ በቶም ኣብ ከባቢኡ ዝነበሩ ሰባት ተጸልዩ'ዩ ዝወጽእ ነይሩ። ኣነ ኸኣ ከምኡ፡ በቶም ኣብ ናተይ ዓንኬል ዝነበሩ ሰባት ተጸልየ ማለት'ዩ። ይዅን'ምበር፡ እቲ ዉሳኔ'ቲ ብወለንታይ ከም ዝወሰድኩዎ ኣስሚረ ክምስክረሉ እደሊ"
ህብረት ንሜዳ ቅድሚ ምውጽአ ንኣርባዕተ ዓመት ኣብ ከተማ ዀይና ብስቱር ንህዝባዊ ግንባር ትሰርሕ ከምዝነበረትን ንድሕሪት ተመሊሳ ክርእዮ እንከላ ክሳብ ክንደይ ሓደገኛን ናይ ህይወትን-ሞትን ፈተነ ምንባሩን ትገልጾ።
"ኣብቲ ዙርያይ ዝነበሩ ሰባት ናይ ሻዕብያ ጽልዋታት ስለ ዝነበሮም እቲ ጽልዋ'ቲ ኸኣ ናባይ ሰጊሩ ኢለ ክገልጾ እኽእል። ብዓቢኡ ኸኣ፡ ቅድሚ ንግንባር ብስቱር ምስርሕ ምጅማረይ ማለት'ዩ፡ ጕዳይ ተመስገን ነይሩ" ኢላ ወሰኸትሉ።
ተመስገን ሃይለ
ብመጀመርታ ሰብዓታት ህብረት ኣብ ኣስመራ ምስ ተመስገን ሃይለ ተፋለጠት። ተመስገን ስሩዕ ህዝባዊ ግንባር ኰይኑ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብስቱር ኤርትራውያን ኣብ ምውዳብን ንገድሊ ምሕጋዝን ዝነጥፍ ዝነበረ ሃገራዊ ነበረ።
ህብረት ኣብ ዩኒቨርሲቲ ኣዲስ ኣበባ መምህር ንኽትከውን ትምሃር ስለ ዝነበረት፡ ኣብኡ ምስ ተመስገን ምሕዝነታ ቀጸለት። ኣይጸንሑን፡ ብ1972 ሓዳር መስረቱ፣ ኣብ ዉላድ ከኣ በጽሑ። ንዉሉዶም ከኣ ካብራል በሉዎ። ተመስገን ናይ ጂኦሎጂ ተማራማሪ (ስነ-ምድሪ) ነበረ፣ ቀንዲ ስርሑ ኸኣ ኣብ ኣስመራ ስለ ዝነበረ ኣስመራ/ኣዲስ ኣበባ እናተመላለሰ ይነብር ነበረ።
ኣብ መፋርቕ 1973 ብዙሓት ኤርትራውያን ዝእሰሩሉ ዝነበረ እዋን ነበረ - ከም በዓል ብእመነት ጃዕፈር፡ እስጢፋኖስ ብሩኖ፡ ተስፋልደት ግርማይ ፡ ዮውሃንስ ሃብተስላሴ ... ወዘተ. ዝተባህሉ ኣብ ከተማ ኰይኖም ዝሰርሑ ዝነበሩ ተጋደልቲ ዝህደኑሉ እዋን ነበረ።
ህብረት ሓራስ ኣብ ዝነበረትሉ እዋን ናይ ጸጥታ ሰባት ንተመስገን ተኸታቲሎም ሓዝዎ፣ ኣብቲ እዋን'ቲ ተመስገን "ጥሒሻ" ዝበሃል መጽሔት ምስ ብጾቱ ዀይኑ ዘዳልወሉ ዝነበረ እዋን ነበረ። ኣብ ቤት ማእሰርቲ ኣሳቕዮም ከኣ ቀተልዎ - እዚ ብሓምለ 1973 ነበረ።
ኣማውታ ተመስገን ንብዙሓት ኤርትራውያን ዘጕሃየን ዜሻቐለን ፍጻሜ ነበረ። ተመስገን ከምቲ ኣባላት ጸጥታ ኢትዮጵይ ኣብ ጋዜጣ ዜስፈርዎ፡ ካብ'ቲ ዝነብረሉ ዝነበረ ፓላሶ (ሓሙሻይ ደርቢ) ንምህዳም ብሞስኮት ዘሊሉ'ዩ ሞይቱ ዚብል ዛንታ ሓሶት ምዃኑ ህብረት ትምስክር። እንተ ተመስገን ግን መሰናግልኡ ተሰይሩ፡ ብናይ ዉሽጢ ምድማይ (internal bleeding) ኢዩ ሞይቱ።
ኣማውታ ተመስገን'ምበኣር ኣብ ኢድ ኣባላት ጸጥታ ምስ ኣተወ ብክቱር ምቕጥቃጥ'ዩ ኣብ ኢዶም ምይቱ፣ ነቲ ሬሳኡ ድማ ኣብ ኣፍደገ ገዝኡ ከም ዝደርበይዎ ህብረት ትገልጾ። ሓካይም'ውን እቲ ሬሳ ተመስገን ብምሒር ምቕጥቃጥ'ምበር ካብ ፓላሶ ጸዲፉ ከም ዘይሞተ ኣብ ጸብጻብ መርመራ-ሬሳ ኣስፈሩዎ። ስለዚ እቲ ሓዳር ኣብ ዓመቱ ተዀልፈ።
ድሕሪ ሞት ተመስገን ህብረት ንወዳ (ወዲ ክልተ ወርሒ) ባዕላ ከተዕቢ ጀመረት፣ ኣብ ሽረ እንዳስላሴ (ታሕታይ ኣድያቦ) ዝርከብ ዝነበረ ትካል ስራሕ ስለ ዝረኸበት ድማ (ናይ ሕቡራት መንግስታት ናይ ሕርሻ ፕሮጀክት ምዃኑ'ዩ) ንትግራይ ገዓዘት። ኣብ ልዕሊ ስርሓ ድማ ብስቱር ንህዝባዊ ግንባር ነጢፋ ክትሰርሕ ጀመረት።
ኣብ ዓመቱ ንኣስመራ ብምግዓዝ ኣብ ባራቶሎ ወይ ከኣ እንዳ ዓለባ ዝበሃል ኩባንያ (ክፍሊ ምሕደራ ሰራሕተኛታት) እናሰርሐት ወዳ ተዕቢ ነበረት፣ ምስኡ ኸኣ ተደራቢ ስራሕ ሰውራ ተካይድ ነበረት። ከምኡ እናበለት ንሰለስተ ዓመት ሰርሐት፣ እቲ ደርጊ ዘተኣታትዎ ዝነበረ ፖለቲካዊ ወጥሪ ግን እናገደደ ስለ ዝኸደ ብ1978፡ ምስ ለምለም ክፍለ እትበሃል መሓዝኣ፡ ንሜዳ ኤርትራ ክትወርድ ወሰነት፣ ምስ ወዳ'ኳ ድኣ።
ህብረትን ገድሊ ኤርትራን
ታሪኽ ቤተ-ሰብ በርሀ ምስጉን ፍልይ ዝበለ'ዩ፣ ካብ'ቶም ትሽዓተ ደቆም ሸውዓተ ኣብ ስራሕ ገድሊ ብምእታዎም። ክልተ ካብኦም ተሰዊኦም። ህብረት ምስ'ቶም ዝተረፉ ኣሕዋታ ካብ መስዋእቲ ድሒና ጽንብል ናጽነት ክትርኢ በቕዐት።
ስድራ-ቤት ህብረት፡ ምናዳ ኣዲኣ - ኣደይ ሂማን - ከም ኣደ መጠን ደቀን ሓደ-ብሓደ ንሜዳ ክኸዱ ክዕዘባ ብጓሂ ዕድሚአን እናሓጸረ ይኸይድ ከም ዝነበረ ህብረት ትዝክር። እቲ ዓቢ ገዛ ጥርሑ ስለ ዝተረፈ ኣደይ ሂሙን ምስ መቝጸራያ ክቃለሳ ይውዕላ ነበራ።
"ኣደይ ዓንዲ ገዛና'ያ ነይራ" ትብል ህብረት። ወሲኻ ድማ "ኣደይ ፈቃርን ለጋስን ተቐባል-ጋሻን'ያ ነይራ" ኢላ ብናይ ናፍቖት ዘረባ ወሰኸትሉ።
"ኣብ ሜዳ ዝነበርኩሉ እዋን ኣደይ ኣብቲ ጥርሑ ዝተረፈ ገዛና መዓልቲ-መዓልቲ ዓራትና ኣንጺፋ ትጽበየና ነይራ" ብምባል ትዝክረን። "ካብ ሜዳ ምስ ተመለስኩ እቲ ክፍለይ ከም ዝነበሮ ክረኽቦ፡ እታ ዝፈትዋ ቦርሳይ ከኣ ኣብ ኣርማድዮ ኣብ'ታ ዝገደፍኩዋ ተንጠልጢላ ጸንሐትኒ፣ ከፊተ እንተፈተሽኩዋ ድማ መዘወሪ-ፍቓድ መኪና ኣብኡ ረኸብኩዎ" ኢላ በተን ከይቐበጻ ደቀን ካብ በረኻ ክምለሱ ዝጽበያ ዝነበራ ኣዲኣ ተዘንቱ።
"ካብ ኩሉ ዝገረመኒ፡ ኣደይ ካብ ሜዳ ምስ ተመለስኩ መጽሓፍ ጸሎት ከተንብብ ምስ ረኸብኩዋ ኣዝዩ ገረመኒ፣ ኣብ ጊዜ ደርጊ፡ ከም'ተን ካልኦት ኣዴታት፡ መሃይምነት ኣጥፊኣ ኣብ ምንባብ በጽሐት። ሽዑ'ዩ ኣደይ ጽምኢ ትምህርቲ ከም ዝነበራ ዝተርድኣኒ፣ ኣብ ገዛ ዝነበርናሉ ኣዋን ባዕላትና ዘይመሃርናያ ኸኣ ኣተሓሳሰበኒ" ኢላ ንኣዲኣ ብኣድናቖት ትዝክረን። ኣደይ ሂሙን ብ 2000 ካብዛ ዓለም ተፈልየን።
ተዘክሮታት ኣቦኣ'ውን ከምኡ - ጻዕረኛን ስልጡንን ኣቦ ምንባሮም ትዝክሮም። ከም መምህር፡ ከም ናይ ሕጊ ሰብ ኰይኖም ኣብ ኢትዮጵያን ኤርትራን ዜገልገሉ ናይ ሕጊ ክኢላ ምንባሮም ትገልጾም። ግራዝማች በርሀ ናጽነት ርእዮም'ዮም፣ ግናኸ እቲ ብሓምለ 1994 ኣብ ማይሓባር ብስንኩላን ተጋደልቲ ዝተኻየድ ሾበሮ፡ መንግስቲ ኸኣ ሓይሊ ተጠቒሙ ኣብ ልዕሊኦም ዝወሰዶ ጨካን ስጕምቲ ኣዝዩ ከም ዜሕዘኖም ህብረት ትዝክር። ጸኒሖም'ውን በቲ "ኣብ ኤርትራ ዝተኣታተወ ስርዓት፡ ካብ ሕጊ ወጻኢ ዝካየድ ዝነበረ ማእሰርትን ግፍዕን ይሓዝኑ ከም ዝነበሩ ብቀረባ ዝፈልጡዎም ኵሎም ይምስክሩሎም'ዮም" ትብል። ኣ፡ ብ2007'ዮም ካብዛ ዓለም ተፈልዮም።
ህብረት ናይ ሜዳ ጦብላሕታ ተካፍል
"እቲ ዘይዝረበሉ ጕዳይ፡ ስድራ-ቤታት ተጋደልቲ ክሳብ ክንደይ ከም ዝተሳቐ'ዩ፣ ንዓይ'ውን ስቅያት ወለድይ ምሳይ ብቀረባ ስለ ዝተኣሳሰር ክነግረሎም ጉቡእ ኣሎኒ ... ብተጋደልቲ ጥራይ ምዝራብ ቅኑዕ ኣይኰነን፣ ስድራይ'ውን ተጋዲሎም'ዮም።"
ወሲኻ "ሓዋይ ተኪኤ ንሰውራ ክብል ከመይ ኢሉ ከም ዝሞተ፡ ሓወይ ሰሎሙን ኣብ ቤት ማእሰርቲ (ኣለም በቃኝ) ከመይ ኢሉ ከም ዝሞተ ... መን ይንገረሎም? ኣደይ ከብዳ ሓቚፋ ዘሕለፈቶ ሽግር ቀሊል ኣይኰነን ... እቶም ፍጻሜታት፡ እንኮላይ ቅሉውላው ወለደይ፡ ዓቢ ክፋል ገድላና'ዩ" ኢላ ደገመቶ።
ጸኒሓ "ናብ ሕቶኻ ክምለስ፡ ሜዳ ኤርትራ ድኣ ኵሉ ነይሩዎ ... ኣብቲ ኪደት እቲ ዝዓበየ ጸላዊ ነገር ብጻይነት'ዩ ነይሩ" በለት። ወሲኻ፡ "ከምዚ ሕጂ ክሕደት ብጻይካ ከይመጸ፡ ኣብ ሜዳ ንብጻይካ ትሓልፈሉ ዝነበረ እዋን ነበረ፣ ብጻይነት እቲ ዝለዓለ ክብርናን መብጽዓናን መሰረት መንነትናን'ዩ ነይሩ።"
"ኣብ ሜዳ ዝተሞከርኩዎም ነገራት ብዙሓት'ዮም" ኢላ ናብ ሕቶና ተመልሰት። ብዊና ዝፍለጥ ኣብ እግሪ ናቕፋ ዝተኸልናዮ ቤት ትምህርቲ እዝከረኒ፣ ኣብኡ ከም መምህር ኰይነ ኣገልጊለ፣ ጽፈት ሓላፊና ብጻይ ጉርጃ ኣጸቢቐ እዝክሮ።
"ካልኦት ንልበይ ዝነኽኡ ፍጻሜታት'ውን ኣሎዉ፣ ምፍራስ ናደው፡ እወ! ንኽንዕወት መገዲ ዝጸረገ ዓወት፣ ኣስመራ ምእታው ... ክንደይ'ሞ ኢለ ክጽብጽበልካ?
"ሚርያም ሓጎስ ኣብ ጊዜ ገድሊ ኣብ ክፍሊ ዜና ዝነበረትሉ እዋን ኵሉ ጊዜ እዝከረኒ - ሚርያም በዚ ዘሎ ስርዓት ካብ እትእሰር እንሆ ዕስራ ዓመታ ኰይኑዋ ... ብጽሒት ገድሊ ከምዚ ክኸውን'ዶ ምተገብአ?" በለት።
"መራሕትና ዘንት-እለት መጻኢት ኤርትራ ከመይ ከም እትመስል ክነግሩና ይዝከረኒ ... ኣብ ናጻ ኤርትራ ዝሰፍን ፍስሃ፡ ዝተኣታቶ ዲሞክራስያዊ ስርዓት፡ ዝነግስ ፍትሒ፡ እንሓፍሶ ምህርቲ ... እንታይከ ዘይበሉ ... ምስ'ዚ ሕጂ እንርእዮ ዘሎና ጨሪሱ ዘይመጣጠን፡ መዓንጣ ዝበትኽን ... " ክትብል ናይ ልባ ኣውጽአት።
"ካብራል ወደይ እዝክሮ" በለት። "ሞት ብጾትካ ቀሊል ኣይኰነነን፣ ሞት ዉሉድካ ግን ዝተፈልየ'ዩ ... "። ካብራል ኣብ ሽድሽተ ዓመቱ ኣብ ሜዳ ኤርትራ፡ ኣብ እንዳ ሕጻናት፡ ህብረት ኣብ ዘይነበረትሉ እዋን ብሕማም ኣንቅጺ (መኒንጂታ) ብምፍላዩ ብርቱዕ ሓዘን ኣለዋ።
ህብረት ድሕሪ ናጽነት ...
ህብረት፡ ጽንብል ናጽነት ምስ ዘሓለ፡ ሽግራት ክቐላቐሉ ከም ዝጀመሩ ኣግሂዳ ትዛረበሉ። ነዚ ዘሎ ስርዓት ድማ "ፍልልያት ዘተኣታተወ ስርዓት" ኢላ ብምግላጽ፡ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ሞንጎ ተጋዳላይን ገባርን፡ ተጋዳላይን ዋርሳይን፡ ደቂ ዉሽጥን ዲያስጶራን፡ ኣብ ወገን ዝተመስረቱ ፍልልያት፡ ንምሁራን ምውሳን፡ ሓደ ብሓደ ትጽብጽቦ።
"ስለምንታይ'ዩ እቲ ጋግ ተፈጢሩ?" ንዚብል ሕቶ "እቶም ርክባት - ኣብ ሞንጎ ተጋዳላይን ገባርን - በዚ ዘሎ ስርዓት ስለ እተመዝመዙ'ዮም" ኢላ ትገልጾም። "ንሕና ክንጋደል ከሎና ጥቕምን ረብሓን ሓፋሽ ህዝብና ኣብ ቅድሚት ሰሪዕና ኢና ተጋዲልና፣ ሃገር ሓራ ኣውጺእና ንኽንገዝእ ትልሚ ኣይነበረናን፡ ዲሞክራሲ ንከነተኣታቱ'ምበር! ድሕሪ ናጽነት ዝተኸሰቱ ፍጻሜታት ግን ነቲ ዕላማ'ቲ ከንጸባርቑ ኣይከኣሉን። ህዝቢ ክደናገርን ትሒም-ትሒም ክብልን ድማ ናይ ግድን'ዩ" ትብል ህብረት።
"እዚ ሕጂ ንዕዘቦ ዘሎና ኣፈላላይ - ኣብ ሞንጎ ተጋዳላይን ገባርን፡ 'ይከኣሎን' 'ዋርሳይን'፡ ኣብ ዉሽጥን ግዳምን ዝነበር ሰብ፡ ህግደፍን ዘይህግደፍን ... ወዘተ. ኣይኰነንዶ ነቲ ተሸቝሪሩ ዝግዛእ ዘሎ ህዝቢ ነቲ ኣብ ግዳም ኰይኑ ዝቃወም ዘሎ ህዝብና'ውን ከየደናገሮ ኣይተረፈን" ኢላ ወሰኸትሉ። "ተጋዳላይ ዝኸፈሎ ዕዳ ከይኣኽሎ ሕጂ ብጥርጠራን ሸርጠፍታን ብዓይኒ-ስርቅን ክጥመት ቅኑዕ ኣይኰነን። ከም ህዝቡ ኣደራዕ ወሪዱዎ'ኮ'ዩ!" በለት ኣትሪራ።
ፕረዚደንት ኢሳይያስ ግን ኣብ መበል ጽምብል 30 ዓመት ናጽነት፡ ኤርትራ ብሰንኪ ናይ ተጻባእታ ምትዕንቓፍ ከምቲ ዝደለየቶን ዝሓለነቶን እኳ እንተዘይኮነ ንኹሉ ተጻብኦታት ኣምኪና ነዊሕ ናይ ምዕባለ መገዲ ተጓዒዛ ከምዘላ እዩ ዝሕብር።
ህብረት ግን እቲ ስርዓት ንሲቪልን ምሁራት ዜጋታትን ዜዋስን ምዃኑ፡ ውዒሉ ሓዲሩ ግን ፍትሒ ክመጽእ ምዃኑ እዩ ትዛረብ።
ህብረት፡ ድሕሪ ናጽነት ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንሰለስተ ዓመት ድሕሪ ምስራሕ ትምህራታ ንምቕጻል ንሕ.መ.ኣ. (ማሳቹሴትስ) ተጓዕዘት፣ ኣብኡ ንክልተ ዓመት ድሕሪ ምጽናሕ ንኤርትራ ተመልሰት። ኣብ ሚኒስትሪ ወጻኢ - ኣብ ሰደቓ ኤውሮጳዊ ሕብረት - ድሕሪ ምስራሕ ከኣ ከም ኣምባሳደር ኤርትራ ኣብ ሽወደን/ኖርወይ/ፊንላንድ ተመዚዛ ኣገልገለት።
ብ2001 ኵነታት ኤርትራ እናኸፍአ ይኸይድ ብምንባሩ ምስ ዝተዓዘበት ነቲ ስርዓት ከተገልግል ሕልንኣ ስለዘይፈቐደላ ስርሓ ንክትገድፍ ናይ ስንብታ ደብዳቤኣ ንመንግስቲ ኣቕረበት። ብድሕሪኡ፡ ኣብ ስደት ምስ ሕቡራን መንግስታት ስራሕ ረኺባ ኣብ ሱዳንን ደቡብ ሱዳንን ኣገልገለት። ሕጂ ጥሮታ ወጺኣ ኣብ ሕ.መ.ኣ. ትነብር ኣላ።