እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
ኢትዮጵያ፡ ኣብ ምዕራብ ሽዋ 10 ሰራሕተኛታት በዓል መዚ መጓዓዝያ እታ ሃገር ተቐቲሎም
ኣብ ኢትዮጵያ፡ ምዕራብ ሽዋ ዕጡቃት ኣብ ልዕሊ ኣብ ምስራሕ ጽርግያ ተዋፊሮም ዝነበሩ ሰራሕተኛታት ብዝኸፈትዎ ቶኵሲ 10 ሰራሕተኛታ ብዓል መዚ መጓዓዝያ እታ ሃገር ከምዝተቐተሉ ተገሊጹ።
ኣመሓዳሪ ምዕራብ ሸዋ ኣቶ ዲሪርሳ ዋቁማ ንቢቢሲ ከምዝሓበሮ፡ እቶም ሰራሕተኛታት ኣብ ወረዳ ሜታ ወልቂጤ፡ ቀበሌ ሎያ ጎዳኑ ካብቲ ክሰርሕዎ ዝውዓሉ ናብ ገዝኦም እናተመለሱ እንከለዉ ብ9 ሰነ 2013 ኣቆጻጽራ ግእዝ ሰዓት ሽዱሽተ ናይ ምሸት እቲ መጥቓዕቲ ከምዝወረዶም ገሊጹ።
ዲሪርሳ ዋቁማ፡ እቶም ብዕጡቓት ዝተቐተሉ ሰባት ናይ ኦሮምያን ናይ ፈደራልን ሰራሕተኛታት ብዓል መዚ መጓዓዝያ ዝኾኑ ትሽዓተ ሰባትን ሓንቲ ነባሪት እቲ ቀበሌን ከምዝኾኑ ሓቢሩ።
ነቲ መጥቃዕቲ ኣምልኪቱ ቢቢሲ ዘዘራረቦ ላዕለዋይ ዳይረክተር ብዓል መዚ መጓዓዝያ ኢትዮጵያ ኣቶ ሃብታሙ ተገኝ ብወገኑ፡ ሰራሕተኛታት እቲ ብዓል መዚ ዝኾኑ ዓሰርተ ሰባት ዕጡቓት ከምዝቐተልዎም ኣረጋጊጹ።
ኣቶ ሃብታሙ "እቲ መጥቃዕቲ ኣብ ምዕራብ ሽዋ፡ ሜታ ወልቂጤ ኣብ ዝብሃል ቦታ እዩ ኣጋጢሙ፡ ዝርዝር ሓበሬታ ኣይመጽኣናን ዘሎ" ኢሉ።
ብመሰረት ቢቢሲ ዝረኸቦ ሓበሬታ፡ እቶም ስራሕተኛታት ዝተበላሸወ ጽርግያ ኣዐርዮም ኣማስይኦም እናተመለሱ እንከለዉ፡ ዕጡቓት ነታ ተሳፊሮማ ዝነበሩ መኪና ደው ኣቢሎም'ዮም ነቲ ቅትለት ፈጺመሞ።
ካብቶም ዝተቐተሉ ሓደ መሃንድስ፡ መራሒ መኪና ከምኡ'ውን ብዓል ቦያ ማሽነሪ ከምዝርከብዎም'ውን ቢቢሲ ኣረጋጊጹ።
ኣመሓዳሪ ምዕራብ ሸዋ ኣቶ ዲሪርሳ፡ እቶም ሰራሕተኛታት "መኡርጋ ኣብ ዝብሃል ቦታ ክሰርሑ ውዒሎም ጎሮ ናብ ዝብሃል ቦታ እናተመለሱ እንከለዉ'ዮም በቶም ዕጡቓት ብዘሰቅቕ ኣገባብ ተቐቲሎም" ኢሉ።
ኣስክሬን ናይ መወትቲ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ናብ ዝርከብ ሆስፒታል ቅዱስ ጳውሎስ ከምዝተወሰደን ንስድራ ግዳያት መርድእ ከምዝተለኣኸ ዝገለጸ ኣቶ ዲሪርሳ እቲ ኣስክሬን ሎሚ ዓርቢ ናብ ስድርኦም ክርከብ ምዃኑ ሓቢሩ።
ካብቶም ብዕጡቓት ዝተተሓዙ ሰተራሕተኛታት ብዓል መዚ መጓዓዝያ ክልተ ሃዲሞም ነብሶም ከምዘድሓኑ'ውን ኣቶ ዲሪርሳ ሓቢሩ።
ኣቶ ዲሪርሳ ነቲ መጥቃዕቲ "ኦነግ-ሸኔ እዮም ፈጺመሞ" እኳ እንተበለ፡ ብዛዕባ እቲ ዝተፈጸመ ቅትለት ኣመልኪቱ ግን ኦነግ-ሸኔ ዝሃቦ ሓበሬታ የለን።
ካብ ግንባር ሓርነት ኦሮሞ ተፈንጪሉ ዝወጽአ ጉጅለ ኦነግ-ሸኔ፡ ንገዛእ ርእሱ ሰራዊት ሓርነት ኦሮሞ ኢሉ እዩ ዝጽውዕ፤ እዚ ጉጅለ ብባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢትዮጵየ ግብረ ሽበራዊ ጉጅለ ተባሂሉ ኣብ መዝገብ ሰፊሩ ዝርከብ ኮይኑ: ኣብ ዝተፈፈላላየ ክፋላት ኦሮምያ መጥቃዕቲ ምስ ዝፍጸሙ ሽም እዚ ጉጅለ ወትሩ እዩ ዝልዓል።