ኣባል ሃገራት ጉጅለ-7 ንናይ ቻይና ዓለም ለኻዊ ጸቕጢ ዝገትእ ትልሚ ሓንጺጸን

ቻይና ኣብ ማእከላይ ዕቤት ዘለዋን ኣብ ድኻታት ሃገራትን እትገብሮ ኣብ ህንጸት መሰረተ ልምዓት ዘድሃበ ኢንቨስትመንት ዝኣክል ንምቕራብን ውጥን ሓንጺጸን።

ፕሬዚዳንት አመሪካ ጆ ባይን ምስ መደብ ቻይና እንትነጻጸር ብልዑል ደረጃ ዝሐሸ ጽሬት ዘለዎ ዝበሎ ብሃገረ ኣመሪካ ዝተነድፈ ትልሚ እዩ ዕላዊ ገይሩ።

ዝተረፋ ካልኦት ኣባል ሃገራት ጉጅለ ሸውዓተ'ውን፡ ቻይና ኣብ ዓለም እትፈጥሮ ዘላ ጽዕንቶ ዝገትእ ኢለን ዝኣመናላኡ ፡ ውጥን ኣቕሪበን።

ይና ቤልት ኤንድ ሮድ ኢንሺየቲቭ (ቢአርአይ) ኣብ ብዙሓት ሃገራት ሃዲድ ባቡር፣ መንገድታትን ወደባትን ንምህናጽ ብዙሕ ቢልዮናት ዝግመት ድጋፍ ገንዘብ ክገብር ዝጸሐ እዩ።

እንተኾነ፡ እዚ መደብ ሃብታም ሃገራት፡ ነተን ድኻ ሃገራት ናብ ዘይወጽአኦ ዓዘቕቲ ዕዳ ኣእትዩ ተባሂሉ እዩ ዝንቀፍ።

ኣብ ዓዲ እደንግሊዝ ኮርንዌል ኣብ ዝተብሃለ ከባቢ ዝተሳለጠ ኣኼባ ጉጅለ 7 ኣብ ዘውጸኦ መግለጺ፡ ምስተን ሃገራት፡ ‘ጽሬት ዘለዎ ኢንቨስትመንት፤ ግልጽነት ብዝተመልኦ መልክዕ ምሕዝነታዊ ርክብ’ ምምስራት ከምዘድሊ እዩ ዘመልክት።

ይኹን’ምበር፡ እዚ ብጉጅለ ሸውዓተ ዝተነድፈ ሓድሽ ውጥን ኣብ ግብሪ ንምውዓል ገንዘብ ካበይ ከምዝርከቦ ኣይተነጸረን።

መራሒተ መንግስቲ ጀርመን ኣንኬላ ማርኬል፡ ምንጭን ኣመዳድባን እቲ ዘድሊ ወጻኢታት ንምዝራብ ግዜኡ ገና ምዃኑ ተዛሪባ።

ኣመሪካ ንዓመታት ዝኣክል፡ ቻይና ኣብተን ሃገራት እተካይዶ መዋእለ ንዋይ፡ ‘ናይ ዕዳ ዲፕሎማሲ’ ብዝብል ኣዝያ ክትነቕፋ ጸኒሓ እያ።

እዞም ብህንጸት ዲሞክራሲያዊ ስርዓት ዝፍለጡን ብቑጠባ’ውን ሃፍታም ዝበሃሉ ሃገራት ጉዕዞ ቻይና ንምግታእ ዝወጠንዋ ትልሚ ብተወሳኺ፡ ዓለም ብቐጻልነት ከጓንፋ ዝኽእል ለበዳ ንምክልኻል’ውን ውጥን ነዲፎም ኣለዉ።

እተን ሃገራት፡ ንኮቪድ-19 ንምክልኻል ዘኽእል ክታበት ኣብ ውሽጢ 100 መዓልታት ዝነበኣሰ እዋን ስጉምቲ ወሲደን እየን።

እዚ ውጥን፡ ምስቲ ኣብ ሰንበት ዝወጽእ ናይቲ ጉባኤ ጠቕላላ መግለጺ ሓቢሩ ክወጽእ ትጽቢት ዝግበረሉ እዩ።

እዚ ኣብ ካብሪስ ቤይ ሪዞርት ዝግበር ናይ ሰለስተ መዓልቲ ጉባኤ፡ ብቀዳማይ ሚኒስተር ቦሪስ ጆንሰን ዝሰናዳእ እዩ።

እቲ ብዓርቢ ዝጀመረ ዋዕላ ጉጅለ 7፡ ቀዳማይ ሚኒስተር ዓባይ ብርጣንያ ቦሪስ ጆንሰን ኣብ ዝኸፈተሉ፡ ኣብ ዓለም ዘሎ ዘይምዕሩይ ምቅረሐ ጸጋታት፤ ትሕተ ቅርጺ ጥዕና ማዕረ ክኸውን ክጸዓር ምዃኑ ብምምብጻዕ እዩ ፈሊምዎ።

ሃገራት ጉጅለ ሸውዓተ ንሃገራት ካናዳ፣ ፈረንሳ፣ ጀርመን፣ ጃፓን፣ ጣልያን፣ ዓባይ ብርጣንያን ኣመሪካን ዝሓቆፈ ኮይኑ፡ ኩሎም መራሕቲ እዘን ሃገራት ኣብቲ ኣኼባ ይሳተፉ ኣለዉ፡ ብዘይካ እዚ ክልተ ላዕለዎት ፖሎቲከኛታት ኣውሮጳዊ ሕብረት'ውን፡ ኣብቲ ኣኼባ ተረኺቦም ኣለዉ።

እንታይ ውጥናት'ዮም ወጺኦም ዘለዉ?

መራሕቲ ሃገራት ጉጅለ ሸውዓተ ቀዳም ዓሚቕ ምይይጥ ድሕሪ ምክያድ፡ ብሰንኪ ኮቪድ19 ክስዕብ ዝኽእል ሰብኣውን ቁጠባውን ዕንወት ብኣጋ ንምቁጻይ ዘኽእል 'ውዕል ካርቢስ በይ' ዝሰመይዎ ስምምዕ ፈሪሞም ኣለዉ።

ኮሮናቫይረስ ካብ ዝጅመር ብመሰረት ካብ ዩንቨርስቲ ጆንስ ሆፕኪንስ ዝተረኸበ ሓበሬታ፡ ክሳብ ሕጂ ልዕሊ 175 ሚልዮን ሰባት በዚ ሕማም ክልከፉ እንከለዉ፡ ልዕሊ 3.7 ሚልዮን ሰባት ሞይቶም።

መራሕቲ ጉጅለ 7 ኣገደስቲ እዮም ዝበልዎም መደባት ሰሪዖም ኣለዉ።

ኣብ መጻኢ ዝኾነ ዓይነት ለበዳ ምስ ዝኽሰት፡ ብኣግኡ ኣብ ውሽጢ 100 መዓልታት ክታበት ንኽዳሎ እኹል ምድላዋት ምግባርን ንውድብ ጥዕና ዓለም ዳግማይ ምስራዕን ምሕያልን ዝብል ነጥብታት ገለ ካብቲ ብመራሕቲ ሃገራት ጉጅለ ሸውዓተ ወጺኡ ዘሎ መደባት እዩ።