እዚ ውሑድ ዳታ ብምጥቃም፡ ጽሑፍ ጥራይ እተንብቡሉ መርበብ ሓበሬታ ቢቢሲ ትግርኛ እዩ። ምሉእ ኣሳእልን ቪድዮታትን ንምርኣይ ድማ ቀንዲ መርበብ ሓበሬታና ተጠቐሙ።
መራሒ ሰሜን ኮርያ ስለምንታይ ኣብ ልዕሊ ዘይስሩዕ ቋንቋ፣ ጂንስን ናይ ደገ ፊልምታትን ኲናት ኣዊጁ?
መንግስቲ ሰሜን ኮርያ ኣብ ቀረባ ዘተኣታተዎ ሓድሽ ሕጊ ዝኾነ ይኹን ናይ ደገ ጽልዋ ካብ ሃገሩ ንምርሓቕ ዝዓለመ’ዩ። እታ ሃገር ናይ ደገ ፊልምታት ዝረኣየ፣ ኣከዳድንኡ ብናይ ደገ ዝተጸለወን ዘይምዕሩይ ቋንቋ ዝተጠቐመን ዜግኣ ከቢድ ቅጽዓት ከምዝጽበዮ ወግዓዊ ገይራ’ላ።
ዩን ሚ-ሶ፡ ሓደ ናይ ደቡብ ኮርያ ድራማ እናረኣየ ዝተረኸበ ሰብኣይ ብሞት ክቕጻዕ ከሎ ክትርእይ ከላ፡ ዕድሚኣ ገና 11 ዓመት ነይሩ።
ሽዑ እቲ ሰብኣይ ብሞት ክቕጻዕ ከሎ ኩሎም ጎራብቱ ናብ ደገ ወጺኦም ክሪኡ’ዩ ተገይሩ።
“ነዚ እንተዘይጌርካ [ወጺእኻ ነቲ ቕትለት እንተዘይሪኢኻ] ክሕደት ሃገር ከምዝፈጸምካ’ዩ ዝቑጸር” ክትብል፡ ንቢቢሲ ተዛሪባ።
ኣባላት ጸጥታ ሰሜን ኮርያ፡ ከምዚ ዝበለ ቪድዮ ሓቢእኻ ምእታው መቕጻዕቲ ሞት ከምዘኸትል ነቶም እቲ ሰብኣይ ክቕተል ከሎ ንምርኣይ ዝተኣከቡ ሰባት የጠንቅቕዎም ምንባሮም ከኣ ትዝክር።
“እቲ ኣዒንቱ ብጨርቂ ክሽፈን ዝተገበረ ሰብኣይ ኩልጊዜ ይዝከረኒ፤ ንብዓቱ ክጸርር ከሎ ክሳብ ሎሚ ይረኣየኒ። እቲ ኩነታት ነዓይ ስንባደ ዝፈጠረለይ’ዩ። ኣዒንቱ ዝተሸፈነሉ ጨርቂ ብንብዓቱ ጠልቅዩ ነይሩ” ትብል።
“ኣብ ዓንዲ ገይሮም ተኲሶም ቀቲሎምዎ” ክትብል ድማ ነቲ ዝረኣየቶ ኩነታት ትዝክር።
“ኲናት ብዘይ ኣጽዋር”
ኩልጊዜ ኣብ ኣዋጅ ዕጽዋ፣ ኣገልግሎት ኢንተርኔት ዘይብላ፣ ማሕበራዊ መራኸቢታት ምጥቃም ኣብ ዘይከኣለላን ህዝቢ ነቲ መንግስቲ ዝደልዮ ጥራሕ ንኽሰምዕ ብምሕሳብ ቁጽጽር ዝግበረለን ውሑዳት መደብራት ቴሌቪዥን ኣብ ዘለዉኣ ሃገር ምንባር ሕሰብዎ። ኣብ ሰሜን ኮርያ ዘሎ ህይወት ነዚ ይመስል።
ኣብዚ እዋን ከኣ መራሒ እታ ሃገር ኪም ጆንግ-ኡን ሓድሽ ሕጊ ብምትእትታው ተወሰኽቲ ፀቕጥታት ይገብር ኣሎ።
ሚድያታት ደቡብ ኮርያ፣ ኣሜሪካን ጃፓንን ብብዝሒ ዝከታተል ሰብ ቕጽዓት ሞት ይጽበዮ። እናረኣየ ዝተረኸበ ድማ ክሳብ 15 ዓመታት ይእሰር።
ኣብ ቀረባ እዋን እቲ መራሒ ናብ ሃገራዊ መደብር ቴሌቪዥን ኣብ ዝለኣኾ ደብዳበ፤ ሊግ መናእሰይ እታ ሃገር ኩሎም መናእሰይ ካብ “ኣነዋሪ፣ ውልቃውነትን ጸረ ማሕበረሰባውነት ባህርያትን” ክዕቀቡ ክገብር ኣተሓሳሲቡ’ሎ።
ናይ ደገ ቋንቋታትን ስልቲ ኣዘራርባን ምጥቃም ከምኡ’ውን ንቕዲ ኣሰራርሓ ጸጉሪን ክዳንን ከኣ “ሓደገኛታት መርዚ” ክብል ገሊጽዎም።
‘ዘ ደይሊ ኖኤንኬ’ ዝተባሃለ ብኦንላይን ዝፍኖ ጋዜጣ ካብ ሴኤል ከምዝጸብጸቦ፡ ቅዲ ኣሰራርሓ ጸጉሮም ኣብ ስልቲ ሙዚቃ ኬ-ፖፕ ምስዘሎ ዘመሳሰሉን ስረኦም ልዕሊ ዓንካር-ዓንካሪቶም ዝኸበሱን ሰለስተ ኣብ ዓሰርተታት ዕድመ ዝርከቡ መናእሰይ ናብ ማእኸል ስልጠና ክኣትዉ ተገይሩ’ሎ። ቢቢሲ ነዚ ሓበሬታ ከጻርዮ ኣይከኣለን።
እዚ ኩሉ ዝኸውን ዘሎ ድማ ኪም ጆ-ኡን ኒኩሌራዊ ኣጽዋርን ሚሳይላትን ኣብ ዘይጥቀመሉ ኣዋጅ ኲናት ብምህላዉ’ዩ።
ተንተንቲ ከምዝብልዎ ከኣ፤ ኣብታ ሃገር ናብራ እናኸበደ ይመጽእ ብምህላዉ ዜጋታት ናይ ደገ ሓበሬታ ከይበጽሖም ንምዕጋት ብዝብል’ዩ ነዚ ዝገብር ዘሎ።
ሚልዮናት ዜጋታት ክጠምዩ ከምዝኽእሉ ኣብ ዝግመተሉ ዘሎ እዋን፡ ኪም ግን ንዜጋታቱ ብፕሮፓጋንዳ ከንብሮም’ዩ ዝጽዕር።
እታ ሃገር ብምኽንያት ለበዳ ኮሮናቫይረስ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ካብ እትዕጸው ንደሓር ኣይተኸፈተትን፤ ካብ ቻይና ዝኣትው ዝነበረ ሸቐጣን ካልእ ንግድን ዳርጋ ባይታ ዘቢጡ’ሎ።
እዚ ባዕላዊ ማዕቐባት ንቑጠባ እታ ሃገር ኣዝዩ ሃስይዎ ይርከብ። ኣብ መእተዊ እዚ ዓመት’ውን ፕረዚደንት ኪም ህዝቡ “ኣዝዩ ከቢድ ኩነታት” ከምዝገጠሞ ኣፍሊጡ ነይሩ።
እቲ ሕጊ ይሰርሕ’ዶ?
ቅድም ክብል ዝተፈላለዩ ምንጭታት ዘለዎም ሰሜን ኮርያውያን ጥራሕ ብፍላይ ካብ ቻይና ብሕቡእ ዝሰጋገሩ ፊልሚታት ናይ ምርኣይ ዕድል ይረኽቡ ነይሮም።
ንብዙሕ ዓመታት ከኣ ድራማታት ‘ብፍላሽ’ [‘ዩኤስቢ ስቲክስ’] ናብታ ሃገር እናኣተዉ ክረኣዩ ጸኒሖም’ዮም። እዚ ዝኾነሉ ምኽንያት ብቐሊሉ ክሕብኡን ብናይ መሕለፊ ቃል ክዕጸዉ ዝኽእሉ ብምዃኖምን እዩ።
ሚ-ሶ፡ ኣብቲ ትነብረሉ ዝነበረት ከባቢ ጎረባብታ ፊልሚታት ንምርኣይ ከመይ ይሽቑረሩን ከመይ ይጽገሙ ምንባሮምን ትዝክር።
ቴሌቪዥን ንምውላዕ ናይ መኪና ባትሪ ካብ ሰብ ለሚና ዝወሰደትሉ እዋን ሓደ ካብ ተዘክሮታታት ከምዝኾነ ትዛረብ። ሽዑ ‘ስቴይርወይ ቱ ሄቨን’ [ናብ ገነት ዝወስድ መደያይቦ] ዝብል ርእሲ ዝነበሮ ናይ ደቡብ ኮርያ ድራማ ዝረኣየትሉ ኣጋጣሚ’ዩ ነይሩ።
ቾይ ጆንግ-ሁን ሓደ ካብቶም ካብ ሃገሮም ክሃድሙ ዝኸኣሉ ሰሜን ኮርያውያን’ዩ። ንሱ ሓደ እዋን ንዘጋጠመ ኩነታት ይዝክር። ኣባላት ጸጥታ ብ2002 ኣቆጻጽራ ኣውሮጳ ኣብ ሓደ ዩኒቨርሲቲ ሃንደበታዊ ተፍትሽ ብምክያድ ልዕሊ 20,000 ሲዲታት ረኺቦም ነይሮም።
“እዚ ኣብ ሓደ ዩኒቨርሲቲ ጥራይ ዘጋጠመ እዩ ነይሩ። ኣብ ምእሉ እታ ሃገር ክንደይ ዝኣክል ከምዝነበረ ገሚትኩም’ዶ? እዚ ንመንግስቲ ዘሰንበደ ነይሩ። ካብኡ ንደሓር’ዮም እቲ ቕጽዓት ክብድ ዝበለ ክኸውን ገይሮም” ይብል ቾይ።
ኪም ገዩም ሃዮክ ኣብ 2009 ወዲ 16 ዓመት ነይሩ። ንሱ ንመሓዝኡ ናይ ደቡብ ኮርያ ሙዚቃ ዝሓዘ ዲቪዲ ብምሃቡ’ዩ ኣብ ትሕቲ ቀይዲ ውዒሉ። ንኣርባዕተ መዓልታት ኣብቲ ቤት ማእሰርቲ ከቢድን ተደጋጋምን መውቃዕቲ ይፍጸሞ ነይሩ።
ጸኒሑ ግን ኣቡኡን ካልኦት ኣዝማዱን ገንዘብ ከፊሎም ክፍታሕ ገይሮም።
ልክዕ ከም ናይ ገዩም-ሃዮክ ዝበለ “ጥሕሰት” ፈጺሞም ዝርከቡ ሰባት ግዱድ ዕዮ ናብ ዝፍጸመሉ ካምፕ ክኣትዉ እዩ ዝግበር። ክሳብ ሰለስተ ዓመታት ድማ ኣብኡ ይጽንሑ። እዚ እኹል ኣይኮነን ዝበለ መንግስቲ ሰሜን ኮርያ ግን ነቲ መቕጻዕቲ ኣኽቢድዎ’ሎ።