ስነ-ጠፈር: ትካል ጠፈር ኣመሪካ ክልተ ዳህሰስቲ ሳተላይታት ናብ ፕላነት ቬኑስ ክሰድድ ምዃኑ ኣፍሊጡ

ናሳ፡ ምርምራት ከባቢ ኣየርን ስነ-ምድርን ንምክያድ ዳህሰስቲ ሳተላይታት ናብ ቬኑስ ክሰድድ ምዃኑ ኣፍሊጡ።

እዞም ኣብ 2028ን ኣብ 2030ን ናብ ቬኑስ ዝግበሩ በረራታት ነፍሲ ወከፎም 500 ሚልዮን ዶላር ወጻኢ ክግበረሎም እዩ ተባሂሉ።

ኣመሓዳሪ ናሳ ዝኾነ ቢል ኔልሰን፡ "እቶም በረራታት ንልዕሊ 30 ዓመታት ዘይበጻሕናዮ ፕላኔት እንታይነት ንምፍላጥ ክጠቕመና እዩ" ኢሉ።

ብዛዕባ ፕላኔት ናሳ፡ ንመወዳእታ ግዜ ዳህሳስ ዝተኻየደላ፡ ከም ኣቆጻጽራ ኣውሮፓ ብ1990 ከም ዝነበረ እዩ ዝንገር።

ማእከል ምርምር ህዋ ዝኾነ ናሳ፡ ነዞም ጉዕዞታት እዚኦም ከካይድ እንትውስን፤ ዝተፈላለዩ ገምጋማት ምስ ገበረን ሳይንሳዊ ኣድላይነትን ወጻኢኡን ተመዚኑ ምዃኑ ምስ ኣረጋገጸ እዩ ተባሂሉ።

እቶም ተልእኾታት፡ ድማ፡ ቬኑስ ብኸመይ ንባእታ ሊድ [lead] ከምክክ ብዝኽእል ሓዊ ዝተኸበበ ፕላኔት ክኸውን ከም ዝኸኣለ ንምርዳእ ዝዓለሙ ከም ዝኾኑ እቲ ኣማሓዳሪ ወሲኹ ኣብሪሁ።

ቬኑስ ካብ ጸሓይ ቀጺላ እታ ዝወዓየት ኣካል ዩኒቨርስ ከም ዝኮነትን፡ ክሳብ 500 ዲግሪ ሴልሽየስ ከም እትመውቕን ን ሊድ ከምክክ ዝኽእል ዋዒ ዘለዎ ኩነታት ኣየር ከም ዘለዋን ይዝረበላ።